ብራዚላውያን ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ፕሬዝደንት ሃገሮም ካብ ስልጣኑ ክወርድ ይሓቱ

እዚ ኣንጻር ፕሬዝደንት ቦልሶናሮ ዝቐረበ ዓብዪ ተቓውሞ'ዩ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, እዚ ኣንጻር ፕሬዝደንት ቦልሶናሮ ዝቐረበ ዓብይተቓውሞ'ዩ
Published

ኣብ ብራዚል፡ ሰባት ኣብ ኣፍ ደገ ገዝኦም ኮይኖም ድስትን ሸሓነን እናጋጨዉ፡ ንፕሬዝደንት ጃር ቦልሶናሮ ዘለዎም ተቓውሞ ይገልጹ ኣለው።

ትማሊ ኣማስዩ፡ ኣብ ከተማታት ሳኦ ፖሎን ሪዮ ዲጄኔሮን ዝቕመጡ ብሚሊዮን ዝግመቱ ሰባት ብመስኮት ገዝኦም ተቐልቂሎም፡ እቲ ፕሬዝደንት ካብ ስልጣኑ ንክወርድ ይሓቱ ነይሮም።

እዚ፡ ኣንጻር እቲ ፕሬዝደንት ዝቐረበ እቲ ዝዓበየ ተቓውሞ ኮይኑ፡ እቲ ፕሬዝደንት ለበዳ ዓለም ንዝኾነ ኮሮናቫይረስ ንምምካት 'ዕሽሽ ኢሉ' ብዝብል እዩ።

ኣብታ ሃገር፡ ክልተ ሚኒስትራት መንግስቲ ዝርከቡዎም ልዕሊ 500 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ኮይኖም፡ ኣርባዕተ ሰባት ከኣ በቲ ሕማም ሞይቶም።

እቲ ፕሬዝደንት ክልተ ግዘ ተመርሚሩ ካብቲ ቫይረስ ነጻ ምዃኑ እንትገልጽ፡ ቅድም ኢሉ ንኮሮናቫይረስ ምክልኻል "ጽላለ" ን "ዘይጭበጥ ነገር" ምሕሳብን'ዩ ብምባሉ፡ ከቢድ ነቐፌታን ተቓውሞን ገጢሙዎ ነይሩ።

ምስ ፕሬዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ክራኸቡ ምስ ቦልሶናሮ ናብ ፍሎሪዳ ዝኸዱ ካልኦት 14 ሰባት ግን በቲ ቫይረስ ተታሒዞም'ዮም።

ትማሊ ፕሬዝደንት ቦልሶናሮ ብቴሌቪዥን ቀሪቡ፡ ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ንምዕጋት ክውሰዱ ብዛዕባ ዝግብኦም ስጉምታት ክዛረብ ዝሰምዕዎ ሰባት ተቖጢዖም።

ንሱ፡ ዝርገሐ እቲ ቫይረስ ንምዕጋት፣ ትሑት እቶት ንዘለዎም ሰባትን ቁጠባ እታ ሃገርን ንምሕጋዝ የድሊ'ዩ ዝበሎ መደባ ኣብ ዝገልጸሉ፡ ብርክት ዝበሉ ሰባት ናይ ገዝኦም መብራህቲ ኣጥፊኦም፡ ዝተፈላለዩ ናውቲ ክሽነ ብምሓዝ እቲ ፕሬዝደንት ካብ ስልጣኑ ክወርድ ተቓውምኦም የስምዑ ነይሮም።

ፕሬዝደንት ቦልሶናሮ ምስ ደገፍቱ ብሰንበት 'ሰልፊ' ተላዒሉ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ፕሬዝደንት ቦልሶናሮ ምስ ደገፍቱ ብሰንበት 'ሰልፊ' ተላዒሉ

ንሱን ሚኒስትራቱን መሸፈኒ ገጽ ገይሮም ናብ ብቴሌቪዥን ኣብ ዝቐረብሉ፡ እቲ ፕረዚደንት "ህዝቢ ብራዚል ክሃድእ ኣለዎ፤ ስቕ ኢልና ንነብስና ናብ ጽላለ ኣይንወስዳን" ኢሉ።

መንግስቲ እታ ሃገር ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ፡ ናይ ሓደጋ ኣዋጅ ክእውጅ ንባይቶ ከምዝሓተት እኳ እንተፍለጠ፤ ነቲ ተቓውሞታት ንምህዳእ ግን እኹል ኣይነበረን።

ሚኒስትሪ ጥዕና ናይታ ሃገር፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ሰባት ኣብ ዓበይቲ ምትእኽኻባት ካብ ምስታፍ ክቑጠቡ ዘጠንቀቐ ኮይኑ፡ ኣብ ዓርሰ ተውሽቦ ዝነበረ ፕሬዝደንት ቦልሶናሮ፡ ብሰንበት ወጺኡ ምስ ደገፍቱ ስእሊ ክሰኣል ዝርኣዩ ሰባት ተቓዊሞምዎ እዮም።