"ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት 20 ኣብያተ ክርስቲያን ሙሉእ ብሙሉእ ዓንየን" ማህበረ ቅዱሳን

Published

ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ጥራሕ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ብእምነቶም ጥራሕ መጥቃዕቲ ዝበጽሖም ሰባት ዳግም ንምጥያስ፡ ልዕሊ 600 ሚልዮን ብር ከም ዘድሊ ኣብ ትሕቲ መምርሒ ምውዳብ ናይ ሰንበት ኣብያተ ትምህርቲ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ኢትዯጵያ ናይ ዝርከብ ማሕበረ ቅዱሳን ጸሓፊ ኣቶ ውብሸት ኦቶሮ ገሊጾም።

ማህበረ ቅዱሳን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ተዘዋዊሩ፡ መጥቃዕቲ ዝበጽሐሉ ምኽንያት እንታይ'ዩ? ኣብ ልዕሊ ምእመናን ዝበጽሐ ጉድኣት እንታይ'ዩ? ዝብል መጽናዕቲ ከም ዝገበረ ኣቶ ውብሸት ተዛሪቡ።

ማህበረ ቅዱሳን ተዘዋዊሩ መጽናዕቲ ከካይድ ኣብ ዝተኽኣሎም ከባቢታት ዝረኸቦ መረዳእታ ዕላዊ ዝገበረ ኮይኑ፡ ብምኽንያት እቲ ዝበጽሐ መጥቃዕቲ ዝተመዛበሉ ሰባት ዳግም ንምጥያስ እቶት ንምትእኽኻብ ምስ ሕብረት ምኽብባር ክብርን መሰልን ቤተክርስቲያን ጴጥሮሳውያን ከምኡ'ውን ማሕበር ዳንዲ ኣቦቲ ብምዃን ኣብ ቀጽሪ ጃን ሜዳ 27 መጋቢት 2019 መድረክ ምትእኽካብ ገንዘብ ክገብር እዩ ኢሉ።

ኣብታ ሃገር ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ለውጢ እንትመጽእ ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ እታ ቤተክርስቲያንን ዝተፈላለየ መጥቃዕቲ በጺሑ'ዩ ዝበለ እቲ ጸሓፊ፡ ናይዚ ምክንያት በብግዝኡ ዝዝረቡ ናይ ሓሶት ተረኻት እዮም ኢሉ።

ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ጥራሕ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ዝተቓጸሉን ዝዓነውን ልዕሊ 20 ኣብኣተ ክርስቲያናት፡ ካብ 10 ዘይንእሱ ዝተፈላለየ መጠን ዘለዎ ጉድኣት ዝበጽሖም ኣብያተ ክርስቲያናት ከም ዘለው ወሲኹ ሓቢሩ።

ካብዚ ብተወሳኺ፡ ምእመናን ሞይቶም፣ ቤት ንብረቶም ዓንዩ፣ ኣካለዊ መጉዳእቲ በጺሑዎምን ተመዛቢሎምን እዮም ኢሉ።

በዚ ምኽንያት ኣገልግሎት ዝህብሉ ትካልን መንበሪ ገዛን ዝስርሐሎም 417 ሰባት፡ ካልኦት ብዝተፈላለየ መገዲ ድጋፍ ዝግበረሎም ድማ 1700 ሰባት ከም ዘለው ኣቶ ውብሸት ተዛሪቡ።

ኣቶ ውሸት ወሲኹ፡ እቲ ዝዓነወ ንብረት መሊስኻ ንምትካእ 400 ሚልዮን ብር ከም ዘድልን፡ እቲ 200 ሚልዮን ብር ንሕክምናን ስነልቦናዊ ሓገዝን ዝውዕል ምዃኑን ገሊጹ።

እቶም ዝዓነው ኣብያተ ክርስቲያናት፡ ብሓገዝ ምእመናን ይህነጹ ከም ዘለው ብምግላጽ፡ ናባዪ ስኢኖም ዝተረስዑ ሰባት ከም ዘለዎም'ውን ሓቢሩ።

እዚ ኣብ ልዕሊ ትካላት ሃይማኖት ዝበጽሕ መጥቃዕቲ ብምኹናን፡ ኣብ ልዕሊ እታ ቤተክርስቲያን ዝበጽሑ መጥቃዕታት ግን ግቡእ ኣቃልቦ ኣይተገብረሎምን ኢሉ።