ሽጉጥ ሒዛ 'ሰልፊ' ፎቶ ክትሰኣል ዝፈተነት ኣላይት ቆልዓ፡ ንህጻን ብጥይት ሃሪማ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
Published
ሓንቲ ኣላይት ቖልዓ፡ ሽጉጥ ሒዛ 'ሰልፊ' ፎቶ ክትሰኣል ክትብል ንወዲ 10 ዓመት ህጻን ብጥይት ሃሪማ።
እታ ናይ ቀረባ ዘመድ እቲ ቖልዓ ምዃና ዝተገለጸ ኣላይት፡ እቲ ሽጉጥ ጥይት ዝነበሮ ኣይመሰላን። እቲ ዝተተኮሰ ጥይት ከኣ ነቲ ቖልዓ ኣብ ከብዱ ሃሪሙዎ።
እታ ጓል 19 ዓመት ሓብሓቢት፡ ኣብ ልዕሊ ህጻን ጉድኣት ብምብጻሕ ተኸሲሳ ኣላ።
እቲ ብጥይት ከብዱ ዝተሃርመ ቖልዓ ተሓኪሙ ክሓዊ ከምዝኽእል ተገሊጹ።
እቲ ሽጉጥ፡ ኣብ ውሑስ ቦታ ተቐሚጡ ከምዘይነበረ ዝሓበረ ፖሊስ፡ እታ ኣላይት-ቖልዓ ፎቶ ክትሰኣል ክትብል ነቲ ሽጉጥ ከም ዝሓዘቶን ሃንደበት ምስተተኮሰ ነቲ ቖልዓ ከምዝሃረሞን ተዛሪባ።
ኣብዚ ዓመት'ዚ ኣብ ኣመሪካ ልዕሊ ሽዱሽተ ሽሕ ሰባት ብጥይት ተሃሪሞም ክሞቱ እንከለው፡ እቶም 321 ሰባት ግን ብሓደጋ መኪና እዮም ሞይቶም።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 'ውን ብምኽንያት ቶኹሲ ኣብ ልዕሊ 3,760 ትሕቲ 18 ዝዕድሚኦም ህጻናት ናይ ሞትን መቑሰልትን ሓደጋ ኣጋጢሙ ነይሩ።


![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
