ሙባረክ፡ ስሙይ ግብጻዊ ፖለቲካዊ መራሒ ኲናትን ሰላምን

Published

ሑስኒ ሙባረክ ስሙይ ወተሃደራዊ መራሒ ግብጺ ነይሩ።

ሃገሩ ኣብ ምፍጣር ዓለምለኻዊ ሰላም ርኡይ ተወፋይነት ዘበርከተት ተባሂላ ክትጽዋዕ 'ውን ገይሩ።

ግብጺ ኣብ ሞንጎ ፍልስጤምን እስራኤልን ሰላም ክወርድ መሪሕ ግደ ዝተጻወተት፡ ኣብ እዋን መሪሕነት ሑስኒ ሙባረክ'ዩ።

ንሰለስተ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ስልጣን እንክጸንሕ ግን፡ መወዳእትኡ ኣብ 2011 ብዝተወልዐ ቀውዒ ዓረብ ብህዝባዊ ዓመጽ ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ።

ዕምሪ ስልጣኑ ንምንዋሕን ተቓውሞ ንምዕፋንን ኣዋጅ ህጹጽ ግዘ ብምእዋጅ እንትንቀፍ፡ መወዳእታ ዓመታት ህይወቱ ድማ ብክስታት ገበን ብልሽውና ናብ ፍርዲ እናቐረበን እናተኣሰረን ኣሕሊፉዎ።

ፓይለት ነፋሪት ውግእ

መሓመድ ሑስኒ ሰይድ ሙባረክ፡ ብ4 ግንቦት 1928 ቃፍር-ኢል-ምሰላሕ ኣብ ዝተብሃለት ከባቢ ሰሜን ግብጺ ካብ ድኻ ስድራቤት ዝተወለደ፡ ሙሩቕ ወተሃዳረዊ ኣካዳሚ ግብጺ'ዩ።

ብ1949 ካብ ወተሃደራዊ ኣካዳሚ ግብጺ እንክምረቕ፡ ድሕሪ ሓደ ዓመት ናብ ሓይሊ ኣየር ግብጺ ተጸምቢሩ።

ንክልተ ዓመት ነፋሪት ውግእ ድሕሪ ምብራር፡ መምህር በረራ ኮይኑ ክሰርሕ ጀመረ።

ሑስኒ ሙባረክ፡ ብ1952 ዝተካየደ ዕልዋ መንግስቲ ጀነራል ጋማል ዓብደል ናስርን ጎንጺ ስዊዝን ብኣካል ተዓዚቡዎም'ዩ።

ድሕሪ ሸውዓተ ዓመት ግን ናብ ሶቭየት ሕብረት ብምኻድ ምብራር ነፈርቲ ውግእ ተማሂሩ። ስድራ በዓልቲ ቤት ሑስኒ ሙባረክ ሓካይም'ዮም ነይሮም።

ሱዛኔ ጓል 17 ዓመት ኮይና'ያ ተመርዒያቶ። እዚ ብወተሃደራዊ ስልጠናታት እናተሃነጸ ዝዓበየ መንእሰይ፡ ቀስ ብቀስ ናብ ዓበይቲ ኮረቻ ስልጣን ምድያቡ ኣይተረፈን።

እዚ ሰብ፡ ሓላፊ ኣካዳሚ ሓይሊ ኣየር ድሒሩ ድማ ኢታማጆር ሹም ሓይሊ ኣየር ግብጺ ኮነ [1972]።

ሃገራዊ ግና

ሙባረክ ሽሙ ዘጸውዖ ሓላፍነት እዚ ጥራሕ ኣይነበረን።

እኳ ድኣ ኮማንደር ሓይሊ ኣየርን ሚኒስትር ዲኤታ ሓይሊ ምክልኻልን ግብጺ ምስ ኮነ፡ ህቡብነት ክረክብ ጀመረ።

ንሱ፡ ኣብ ሞንጎ እስራኤል-ዓረብን ብ1973 ኣብ ዝተኻየደ ውግእ፡ መራሒ ሓይሊ ኣየር ኮይኑ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት እስራኤል ኣብ ምክፋት ዓብዪ ተራ ተጻዊቱ።

እዚ መጥቃዕቲ ኣብ ቅድስቲ ዕለት መቑጸሪ ዘመን ኣይሁድ 'ዮም ኪፑር' እዩ ተፈጺሙ።

ሑስኒ ሙባረክ ድማ፡ ኣብዚ ዕለት ብዝፈጸሞ መሪሕነታዊ ስርሒት ሃገራዊ ጅግና ክኸውን ክኢሉ።

ምኽትል ፕሬዝደንት

ካልእ ሽልማት ሙባረክ ድሕሪ ክልተ ዓመት መጸ። ፕሬዝደንት ኣንዋር ሳዳት ምኽትሉ ገይሩ ሸይሙዎ።

ሳዳት፡ "ኤሌክትሪካዊ ነውጺ" ኢሉ ብዝጽውዖ ፖሊሲ ጉዳይ ወጻኢ ሙኩር'ዩ።

ብቐንዱ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ዘተኩር ሙባረክ ብወገኑ፡ ውሽጣ ውሽጢ ምስ ንጉስ ስዑዲ ፋሃድ ጥንኩር ውልቃዊ ዝምድናታት ይምስርት ነበረ።

ኣብ 1979 ብፕሬዝደንት ሳዳትን ቐዳማይ ሚኒስትር እስራኤልን ዝተፈረመ ስምምዕ ሰላም ካምፕ ዴቪድ ዝድግፍ ኣይነበረን።

እዚ ውዕሊ ሰላም፡ ነቲ ዓረባዊ ዓለም'ውን ኸፋፊሉዎ'ዩ።

ሳዳት ምስ ሃገራት ዓረብ ዝነበሮ ምሕዝነት እናተመናመነ ብምጽኡ፡ ሙባረክ ብውድቀት ሳዳት ተጣዕሰ።

ኣኽረርቲ ጉጅለታት ድማ ውዕሊ ሰላም ሳዳት ከም ምሻጥ ሃገር ይቖጽሩዎ ስለ ዝነበሩ ከቢድ ኩነታት ተፈጥረ።

ብጥቅምቲ 1982፡ ኣብ 1973 ኣብ ዝተኻየደ ግጭት ዓረብ-እስራኤል ዘመዝገቦ ዓወት ዝኽሪ ስርሒት ባድር ኣብ ዘኽብረሉ ዝነበረ እዋን ድማ፡ ሳዳት ብወተሃደራቱ ተቐትለ።

ቐተልቲ ኣንዋር ሳዳት፡ ብኣንጻር እቲ ፕሬዝደንት ጠጠው ዝበለሉ ኣብ መኪና ተሓቢኦም ነይሮም።

ንሱ፡ ኣካል እቲ ወተሃደራዊ ምርኢት'ዮም ኢሉ ይሓስብ ስለ ዝነበረ፡ ወተሃደራዊ ሰላምታ ክህቦም ናብኦም ገጽ እንትዞር'ዮም ቐቲሎምዎ።

ኣብቲ እዋን ብዝበጽሖ ማህሰይቲ ድማ ኣብ ሆስፒታል ንኽልተ ሰዓታት ድሕሪ ምጽናሕ ሞተ፤ ሑስኒ ሙባረክ ካብቶም ዝቖሰሉ ሓደ ነይሩ።

'ዝሑል ሰላም'

ሙባረክ፡ ንብሕቱ ሕጹይ ተወዳዳሪ ኣብ ዝነበረሉ ሃገራዊ ድምጺ ህዝበ ውሳነ 98 ሚኢታዊት ድምጺ ብምርካብ ፕሬዝደንት ኮይኑ ንኣንዋር ሳዳት ተክአ።

ርክብ እስራኤልን ግብጽን፡ ኣብ እዋን ሳዳት ካብ ዝነበሮ እናንቆልቆለ ብምምጽኡ፡ ተንተንቲ ነዚ ኩነታት 'ዝሑል ሰላም' ብምባል ክገልጹዎ ጀመሩ።

ብዝሒ ህዝብን ሃብትን ሃገራት ዓረብ ዘለወን ግብጽን ስዑዲ ዓረብን ብሓባር ኣብ ኢራን እናገወደ ዝመጸ ስልጣን ኣያቶላህ ካህመኒ ናብ ዝከላኸል ደምበ ኣተዋ።

ኣብ 1979 ካብ ዓረብ ሊግ ወጺኣ ዝነበረት ግብጺ ድማ ተመሊሳ ብምእታው፡ ዋና መአዘዚ ቦትኡ ድማ ናብ መበቆሉ ተመለሰ።

ሙባረክ፤ ኣብ ወተሃደራዊ ኣካዳሚ ሶቭየት ስለ ዝተምሃረ ቋንቋ ሩሲያ'ውን መሊኹ'ዩ፤ ግን ድማ ዝምድና ግብጺ ምስ ሃገራት ምዕራብ ክኸውን ይደሊ ነይሩ።

ኣብ ሞንጎ እስራኤልን ፍልስጤምን መስርሕ ሰላም ክፍጸም ብዝተጻወቶ ዓብዪ ተራ ምስ ኣሜሪካዊ መዘንኡ ዝነበሮ ርክብ ክጠናኸርን ሓገዝ ክልተ ቢሊየን ዶላር ክረክብን ኣኽኢሉዎ'ዩ።

እንተኾነ፡ ብማእሰርትን መውቃዕትን ተቓወምቲ ከምኡ'ውን ምንዋሕ ሃገራዊ ምርጫ ነቐፍቱ ተለኣኣኺ ኣሜሪካ ኮይኑ ኢሎም ይነቕፉዎ።

ሑስኒ ሙባረክ፡ ኣብ ህይወት ዘመኑ ሽዱሽተ ግዘ ፈተነ ቕትለት ስለ ዝተኻየዶ፡ ቑጽሪ ሓይልታት ጸጥታ ውሽጢ ዓዲ ክሰፍሕን ክጠናኸርን ስጉምቲ ወሲዱ።

ኲናት ገልፍ

ዒራቕ ኣብ 1991 ንኩዌት ምውራራ፡ ንሑስኒ ሙባረክ መንቅሒ ደወል ነበረ።

ንሱ፡ ሳዳም ሑሴን ከምዚ ዓይነት ስጉምቲ ኣይወስድን ኢሉ ቃል ኣትዩለይ'ዩ ዝብል እምነት ነይሩዎ፤ ግን ድማ ኣይኮነን።

ድሕሪ እዚ ኣንጻር ዒራቕ ንዝብየን እገዳ፡ ሑስኒ ሙባረክ ከም ሓደ ዓለምለኻዊ ምላሽ ወሲዱ ደገፉ እንትገልጽ፡ ኣንጻር መራሒ ዒራቕ ንዝተወሰደ ወተሃደራዊ ስርሒት'ውን እጃሙ ኣበርኪቱ'ዩ።

ኣብዚ ግዘ ሳዳም መንግስቲ ግብጺ ክእለ ጻውዒት እንተቕርብ፡ ኣሜሪካን ካልኦት ዓለምለኻዊ ኣለቃሕቲ ትካላትን ግን ግብጺ ዝነበራ ዕዳ ቢሊዮናት ዶላር ክስረዝ ገበሩ።

ድሕሪ 10 ዓመት፡ ሙባረክ ኣሜሪካ ኣብ ዝመርሐቶ ወራር ዒራቕ ደጊፉ ተሳተፈ።

ተግባር ዒራቕ "100 ቢን ላደናት" ክፍጠሩ ምክንያት ክኸውን ይኽእል'ዩ ዝበለ ሙባረክ፤ ኣብቲ እዋን ቐዳምነት እቲ ዞባ ምፍታሕ ግጭት እስራኤን ፍልስጤምን'ዩ ክብል መግለጺ ሃበ።

ኣብ 1987፣ 1993 ከምኡ'ውን 1999 ብዘይ ዝኾነ ተቓውሞ ተመሪጹ።

ኣብ 2005 ምርጫ መድብለ ፓርቲ ተኻይዱ፤ እንተኾነ እቲ ሃገራዊ መሓውር ጸጥታን ድሕነትን፣ ስርዓት ምርጫን ኣብ ትሕቲ ቑጽጽሩ'ዩ ነይሩ።

ናይ ወጻኢ ኢንቨስትመንት ኣብ ምምጻእ ዕውት ዝነበረ ሙባረክ፡ ውጽኢታዊ ግን ኣይነበረን። ስድራ ሙባረክ 50 ሚሊዮን ፓውንድ ዝግመት ሃብቲ ኣኻዕቢቶም ዝብሉ ክስቲታት ክገኑ ጀሚሮም።

ቀውዒ ዓረብ

ወርሒ ጥሪ 2011 ድማ፡ ግብጺ ብዓመጽ ተናወጸት።

ብድኽነት፣ ብልሽውና፣ ስእነት ስራሕን ምልካዊ ምሕደራን ዘንጸርጸሩ ሰልፈኛታት ንተኸታተልቲ ሳምንታት ናይ ተቓውሞ ድምጾም ምስማዕ ቐጸሉ።

ሙባረክ፤ ንራብዓይ ግዘ ኣብ ፕሬዝደንታዊ ምርጫ ከም ዘይሳተፍ ምግላጹ እኹል ኣይነበረን። ድሕሪ ናይ 18 መዓልታት ተቓውሞ፡ ካብ ስልጣኑ ከም ዝወርድ ብወግዒ ተዛረበ።

ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት፡ ሙባረክ ናብ ፍርዲ ክቐርብ ተኣዚዙ።

ኣብ ናይ ሆስፒታል ዓራት ደቂሱ እናሃለወ፡ ብገበን ብልሽውና ከምኡ'ውን ቕትለት ተቓወምቲ ተኸሰሰ።

ተኸላኸልቲ ኽሲ ሙባረክ ግን፡ ፕሬዝደንት እታ ሃገር ስለ ዝኾነ ናብ ቤት ፍርሲ ክቐርብ የብሉን ብምባል ክካትዕሉ ቐጸሉ።

ብሰነ 2012 ግን ሙባረክ ቕትለት ሰልፈኛታትን ዓመጸኛታትን ጠጠው ከብል ብዘይምኽኣሉ ማእሰርቲ ዕድመ ልክዕ ክፍረዶ ክኢሉ።

ካብ ካልኦት ክስታት ናጻ ምዃኑ ግን ኣብ ጎደናታት ካይሮ ካልእ ተኸታታሊ ዓመጽ ኣስዐበ።

ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ፡ እቲ ፍርዲ ማእሰርቲ ተገዲፉ ዳግመ ፍርዲ ክካየድ ተኣዘዘ።

ሙባረክ ድማ ኣብ ናይ ገዛ መሓዩር ኣብ ወተሃደራዊ ሆስፒታል ክእሰር ተፈረዶ።

ብተኸታታሊ ድሕሪ ዝነበረ መስርሕ ፍርዲ፡ ሙባረክ ካብ ዝቐረበሉ ክሲ ብልሽውና ናጻ እንተተብሃለ'ውን ብምጥፍፋእ ግን ገበነኛ ኮይኑ ተረኺቡ።

ኣብ መወዳእታ 2017፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ግብጺ ብሞት ሰልፈኛታት ተሓታቲ'ዩ ኢሉዎ፤ ግን ካብ ቤት ማእሰርቲ ተፈትሐ።

ክሳብ መወዳእታ ትንፋሱ ንግብጺ ከም ዘገልግል ዝተመጻብዐ ሑስኒ ሙባረክ ግን ከም ቃሉ ተምኒቱ ኣይሰመረሉን።

ንሰለስተ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ስልጣን ኣብ ዝጸንሐሉ እዋን፡ ግብጺ ሰላማዊት ሃገር ምዃን ክኢላ ነይራ'ያ። ብዙሓት ግን ብዘይ ፍርዲ ተኣሲሮምን ተገፊዖምን።

ብደረጃ ዓለም ሙባረክ፡ ዕውት ፖሊሲ ጉዳይ ወጻኢ ወኒኑ ዞባዊ ግጭታታት እንተምከነ'ውን፡ ኣብ ውስጢ ሃገር ግን ብዕሙኾ ኢድ እዩ መሪሑ።

25 ለካቲት 2020 ኣብ 91 ዓመቱ ዝዓረፈ ሑስኒ ሙባረክ፡ ስነ ስርዓት ቀብሩ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ርእሰ ከተማ ግብጺ፡ ካይሮ፡ ተፈጺሙ።