እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ግብጺ፡ ፕረዚደንት ነበር ሑሰኒ ሙባራክ ዓሪፉ
ፕረዚደንት ግብጺ ነበር ሑሰኒ ሙባራክ ኣብ መበል 91 ዓመቱ ሎሚ መዓልቲ ዓሪፉ።
ንሱ፡ ንልዕሊ 30 ዓመታት ንግብጺ ድሕሪ ምምርሑ በቲ ኣብ ቱኒዝያ ጀሚሩ ናብ ግብጽን ሓያሎ ሃገራት አዕራብን ዝተዘርገሐ ብቐውዒ ዓረብ ዝፍልጥ ህዝባዊ ናዕቢ፡ ኣብ ለካቲት 2011 እዩ ብህዝባዊ ናዕቢ ካብ ስልጣኑ ወሪዱ።
እቲ ፕረዚደንት ነበር፡ በቲ ኣብ 2011 ኣብ ካይሮን ካልኦት ከተማታት ግብጺን ዝተወልዐ ህይወት ኣማኢት ግብጻውያን ዝለከመ ህዝባዊ ናዕቢ ገበነኛ ስለዝተረኽበ፡ ኣብ 2017 እቲ ፍርዲ ስለዝተሰንሰለሉ ድማ ነጻ ተባሂሉ።
ሙባረክ ምማቱ ብሃገራዊ ማዕከና ዜና እታ ሃገር ተቓሊሑ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጥባሕቲ ገይሩ ምንባሩ'ውን ይፍለጥ።
ኣብ 1928 ዝተወልደ ሑስኒ ሙባራክ፡ ኣብ ሓይሊ ኣየር ግብጺ ተጸንቢሩ። ዋላኳ ውሱን ደረጃ ትምህርቲ እንተነበሮ ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ምስ ኮነ ግን ነቲ ትካል ከምዝቐየሮ ይንገረሉ። ኣብ 1973 ኣብ ዝነበረ ወግእ ዓረብን-እስራኤልን ድማ ዓቢ ተራ ከምዝተጻወተ ይንገረሉ።
ንሱ፡ ኣንዋር ሳዳት ምስተቐተለ'ዩ ብ1981 ኣብ ስልጣን ደይቡ።
ሙባረክ ኣብ ዕርቀ ሰላም እስራኤል ፍልስጤም እውን ልዑል ተራ ከምዝነበሮ እዩ ዝዝረብ።