እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ህንዲ፡ ኣብ ቅነ ምብጻሕ ዶናልድ ትራምፕ ብዝተፈጠረ ጎንጺ ሸውዓተ ሰባት ሞይቶም
Published
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ህንዲ ፈላማይ ምብጻሕ የካይድ ኣብዘለወሉ እዋን፡ ኣንጻር እቲ ኣከራኻሪ ኮይኑ ዘሎ ሓዱሽ ሕጊ ዜግነት እታ ሃገር ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ ሸውዓተ ሰባት ተቐቲሎም።
ምብጻሕ ፕረዚደንት ትራምፕ፡ በቲ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ተራእዩ ዘይፈልጥ ከቢድ ሃይማኖታዊ ጎንጺ፡ ድምቀቱ ሃሲሱ ኣሎ።
ሶኒ ምሸት ድማ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ደልሂ ኣብ መንጎ ደገፍትን ተቓወምትን እቲ ሕጊ ዜግነት ጎንጺ ተወሊዑ ነይሩ።
ተወሰኽቲ ጎንጺታት ከየጋጥሙ ስግኣት ዘሎ ኮይኑ፡ ሕዚ'ውን ብጉጅለ እምኒ ዝደራበዩን ዝጠቓቕዑን ሰባት ከምዘለዉ ተገሊጹ።
ብምኽንያት እቲ ኣንጻር ሙስሊም እዩ ዝተብሃለ ሕጊ ዜግነት፡ ሰንበት ዝጀመረ ተቓውሞ ኣብ ዴልሂ ሓደ ፖሊስን ሽዱሽተ ሰልፈኛታትን ተቐቲሎም ኣለዉ።
48 ፖሊሳት ዝርከቡዎም 150 ሰባት እውን ቆሲሎም ኣለዉ።