ሓደ ቻይናዊ ኣብ ፊሊፒንስ ብኮሮና ቫይረስ ሞይቱ

Published

ኣብ ፊሊፒንስ ወዲ 44 ዓመት ቻይናዊ ብምማቱ ኮሮና ቫይረስ ካብ ቻይና ወጻኢ ሰብ ምቕታሉ ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ገሊጹ። እቲ ሰብ ኣብ ዓዱ እንከሎ እዩ በቲ ሕማም ተለኺፉ።

እቲ ሕማም ካብ ዝኽሰት ክሳብ ሕጂ ኣስታት 300 ሰባት በዚ ሕማም እዚ ሞይቶም ኣለው። እቶም መወትቲ ዝበዝሑ ሁቤ ካብ ዝበሃል ክፋል ቻይና እዮም። ብደረጃ ዓለም ከኣ 14-ሽሕ ሰባት በቲ ሕማም ተጠቒዖም ኣለው።

ወኪል ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ኣብ ፊሊፕንስ " እዚ መዋቲ ካብቲ ቻይና ስለዝመጽአ፡ ዛጊት ኣብ ሃገረ ፊሊፒኒስ ዝጫጭሐ ሕማም የሎን። ስለዚ ህዝቢ ክረጋጋእ ኣለዎ" ክብል ምሕጽንትኡ ኣመሓላሊፉ።

ብዛዕባ እዚ ሞት እንታይ ኢና ንፈልጥ?

እቲ መዋቲ፡ ምስ ጓል 38 ዓመት በቲ ሕማም ዝተለኽፈት ቻይናዊት፡ ካብ ጃቭ ሁዋን ተበጊሱ፡ ብሆንግ ኮንግ ኣቢሉ ናብ ፊሊፒኒስ ከምዝኣተወ ምኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ሓቢሩ።

ሰክረታሪ ጥዕና ፍሊፕኒስ፡ እቲ ሕሙም ኣብ ርጉእ ኩነታት ጸኒሑ፡ ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት ሃንደበት ኩነታቱ ተቐያይሩ ኣብ ሆስፒታል ከም ዝዓረፈ ሓቢሩ።

ንሬሳኡ ብዝምልከት ምስ ኤምባሲ ቻይና ከምእተዘራረቡን መዋቲ [ ብልምዲ ሓደ ሓደ ሕብረተሰባት] ብሓዊ ነዲዱ ከምዝፋኖ ተሓቢሩ።

ምኒስትሪ ጥዕና ቻይና፡ ምስቲ መዋቲ ብሓባር ዝተጓዕዙ ሰባት እናጸወዐ ኣብ ሕክምና ይውሽቦምን ይምርምሮምን ከምዘሎ ኣረዲኡ።

ብተወሳኺ እቲ መዋትን ምስኡ ዝተጓዕዘት ሰበይትን ምስ ሰራሕተኛታት ሆቴላት ተራኺቦምን ሰላምታ ተለዋዊጦምን ክኾኑ ስለዝኽእሉ ሻቕሎት ዝርገሐ እቲ ሕማም ኣስጊኡ ኣሎ።

ክሳብ ሐጂ ነቶም ካብቲ ሕማም ዝተራእየሉ ቦታ ካብ ሁቤ-ሁዋን ንዝተበገሱ ሰባት ጥራሕ እዩ መርመራ ክግበረሎም ጸኒሑ።

ብዛዕባ እዚ ሕማም ኣብ ቻይና እንታይ ሓዲሽ ምዕባለ ኣሎ?

ሰበ ስልጣናት እታ ንፈለማ እዋን እቲ ሕማም ዝተራእየላ ሁቤ መጥቃዕቲ ኮሮና ቫይረስ ይውስኽ ከምዘሎ ገሊጾም።

ኣብዚ ቕንያት'ዚ ሞት ናይ ካልኦት 45 ሰባት ብምግጣሙ ቁጽሪ መወትቲ ናብ 304 ዓሪጉ ኣሎ።

ኣብ መላእ እታ ሃገር ከኣ ካልኦት 2,590 ሕሙማት ስለዝተለኽፉ እቲ ቑጽሪ ናብ 14,380 ከምዝደየበ ተሌቪዥን እታ ሃገር ንሰበ ስልጣን ጥዕና ቻይና ጠቒሳ ሓቢራ።

ኣብ ሁቤ ቻይና መርዓን ካልእ ምትእኽኻብ ሰባት ዝዕድም ንጥፈታትን ደው ምባሉ ተሓቢሩ።

መበገሲ'ቲ ቫይረስ እንታይ'ዩ?

ዋላ'ኳ ገና መጽናዕቲ ዝካየደሉ ዘሎ ሓድሽ ቫይረስ እንተኾነ፡ መበገሲኡ ካብ እንስሳታት ምዃኑ እዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ካብ ኣትማን ዝመጽአ ከይከውን እውን ይጥርጠር'ዩ። እቲ ፈለማ ዝተራእየሉ ዕዳጋ ንባዕሉ፡ ኣትማን ዝርከብዎም ዝተፈላለዩ እንስሳታት ዝሽየጥሉ ቦታ'ዩ።

ኣብቲ ዕዳጋ ደርሁትን መንካዕን ከም ዝሽየጣ'ወን ተረጋጊጹ'ሎ።

እቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ቻይና ዝተቐልቀለ፡ ሳርስ ዝተባህለ ለበዳ ቫይረስ፡ ካብ መንካዕን፡ ሓደ ዓይነት ድሙን ዝተበገሰ ምዃኑ ይፍለጥ።

ምልክታት ናይቲ ቫይረስ ብኸመይ ንፈልጦ?

እቲ ቫይረስ ሓደ ካብ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ኮሮና ቫይረስ ኮይኑ፡ "2019-nCoV" ዝብል መጸውዒ ተባዊሂቡዎ'ሎ።

ብረስንን ሰዓልን ዝተሰነየ ጽኑዕ ናይ ስርዓተ-ምስትንፋስ ረኽሲ ዘስዕብ ኮይኑ፡ ኣብ ሆስፒታል ክትእለ ከምዘድሊ ውድብ ጥዕና ዓለም ይመክር።

ቀንዲ ካብ ምልክታቱ ረስኒ፡ ኾይኑ፡ ናይ ምስትንፋስ ጸገም'ውን የጋጥም'ዩ። ኣብ ሆስፒታል ብዝተገብረ መርመራ፡ ንኒሞንያ ዝመሳሰል ነገራት ከምዘለዎ ይሕበር።