እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ምዝዛም ስሉሳዊ ዘተ ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ስልኪ ደዊሉ
መንግስቲ ኣመሪካን ባንኪ ዓለምን ዝተሳተፍሉ ኣብ መንጎ ሰለስቲአን ሃገራት ኢትዮጵያ፣ ግብጺን ሱዳንን ልዝብ [ድርድር] ክካየድ ቀንዩ እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ ኣብ ሓደ ዕልባት ክብጻሕ ትጽቢት ተገይሩ'ኳ እንተነበረ፡ እቲ ዘተ ንዝሓለፉ ብርክት ዝበሉ መዓልታት ክካየድ ምስ ቀነየ እዩ ትማሊ ተዛዚሙ።
እንተኾነ፡ ዝርዝር እቲ ስምምዕ ዛጊድ ኣይተፈረመን 'ምበር፡ ማይ ምምላእ እቲ ግድብ በቢብርኩ [በቢደርጅኡ] ክካየድ ኣብ ስምምዕ ከምዝተበጽሐ እቲ ብሓባር ዝወጽአ መግለጺ የመላኽት።
እዚ በቢብርኩ- ዝብል አገላልጻ ኣብ ክንደይ ዓመት አፈላላይ ከምዝኾነን እንታይ ማለት ከምዝኾነን ዝተብራህረሀ ነገር የለን።
ሎሚ ዘበን ንፈለማ እዋን ኣብቲ ድርድር ኢዶም ዝሓወሱ ኣመሪካን ባንኪ ዓለምን፡ ኣብ ልዕሊ ተላዘብቲ ኢትዮጵያ ጸቕጢ እናፈጠሩ ከምዝቐነዩ ገለ ከም ዋዜማ ዝኣመሰሉ ሚድያታት ካብ ፈላጢ ውሽጢ ሓበሬታ ከምዝረኸቡ ጸብጺቦም።
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ስልኪ ደዊሉ ከምዝተዛራረቡ ሮይተርስ ወሃቢ ቃል ቤት መንግስቲ ኣመሪካ [ዋይት ሃውስ] ጠቒሱ ጸብጺቡ።
ኣብ ዘተኦም ድማ፡ ትራምፕ ሰለስቲአን ሃገራት፡ 'ናይ ሓባር ረብሓ' ኣብ ዘረጋግጽ ስምምዕ ክበጽሓ ምዃነን ተስፍኡ ከምዝገለሉጸ፤ እቲ ሚድያ ወሲኹ ሓቢሩ።
ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ምዝዛም እቲ ዘተ ትማሊ ዓርቢ እዩ ደዊሉ ተባሂሉ።
እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ዝተጀመረ ዘተ፡ ቀዲሙ ካብ ዝተትሓዘሉ ጊዜ ደንጒዩ ትማሊ እዩ ተዛዚሙ።
ኣብቲ ድርድር ናይተን ሃገራት ሚኒስተራት ማይን ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢን እዮም ተረኺቦም።
ኣብ መወዳእታ፡ አመላልኣ እቲ ግድብ ብዝምልከት ዛጊድ ብግልጺ ዘይበርሀ፡ በቢብርኩ ክኸውን፤ ኣብ እዋን ድርቅን ናይ ነዊሕ እዋን ዘጋጥም ድርቅን፡ ምምላእን ማይ ምስዳድን ከመይ ክኸውን ከምዘለዎ ኣብ ናይ ሓባር ምርድዳእ ከምዝተበጽሐ እቲ ዝወጽአ መግለጺ የመልክት።
ናይተን ሃገራት ሰብ-ሞያ ቴክኒክን ሰብ-ሞያ ሕግን ኣብቲ ዛጊድ ምርድዳእ ዝተበጽሐሉ ሓዊሱ ክሳብ መወዳእታ ወርሒ የካቲት ዝፍረም ስምምዕ ክዳለዉ ኣብ ምርድዳእ ተበጺሑ።
ግብጺ፡ ብፍላይ ኣብ ባንኪ ዓለምን ትካል ገንዘብ ዓለምን ብዘለዉ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኣቢላ ኢትዮጰጵያ ኣብ ልዕሊ እቲ ሩባ ዝኾነ ናይ ልምዓት ስራሕቲ ከይስራሕ ልቓሕ ካብ ምኽልካል ጀሚሩ ፖለቲካዊ ጸቕጥታት ከምእትገብር ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር መለስ ዜናዊ ብሰፊሑ ይገልጽ ነይሩ።
ብዚ ምኽንያት ድማ እዩ እዚ 4.5 ቢልዮን ዶላር ዝውድእ ግድብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብባዕሉ ክሰርሖ ዝወሰነ።