እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣካያዲ ስራሕ ግድብ ሕዳሰ፡ "ምንካይ ተርባይናት ኣብቲ ዝምንጩ ሓይሊ ዘምጽኦ ለውጢ የለን"
ኣብዚ ሰሙን፡ ኣብ ግድብ ሕዳሰ ክትከሉ ካብ ዝተሓሰቡ 16 ተርባይናት፡ እቶም ሰለስተ ክንከዩ ዝብል ምኽረ ሓሳብ ከም ዝቐረበ፡ ኣካያዲ ስራሕ ህንጸት ግድብ ሕዳሰ ኢንጂነር ክፍሌ ሆሮ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ምስዚ ተተሓሒዙ ንዝለዓሉ ሕቶታት ምላሽ ዝሃበ እቲ ኢንጅነር፡ ሓደ መፈልፈሊ ሃይድሮ ኤሌክትሪክ ዓብዪ'ዩ ዝበሃል ጀነረተራትን 'ተርባይናት'ን ብምብዛሕ ኣይኮነን ይብል።
ወሲኹ፤ ብዙሕ 'ተርባይናት' ስለ ዘቐመጥካ የዋጽአካ'ዩ ማለት ኣይኮነን ኢሉ።
እቲ ኢንጀነር ከም ዝብሎ እንተኾይኑ፡ ንመፈልፈሊ ሃይድሮ ኤሌክትሪክ ዘድልዩ ነገራት፡ እቲ ግድብ ዝሕዞ መጠን ማይን፡ ካብ ክንደይ ዝኣክል ብራኸ መጺኡ ነቲ 'ተርባይን' ይሃርምን ዝብሉ'ዮም።
ምስ መጠን ዝናብ ተዛሚዱ በብዓመቱ እቲ ግድብ ዝሕዞ ዓቐን ማይ ክፈላለየ ከም ዝኽእል ዝገልጽ ኢንጀነር ክፍሌ፡ ግድብ ሕዳሰ ኣብ ዓመት ከፍርዮ'ዩ ተባሂሉ ዝተገመተ ብማእኸላይ 15760 ጊጋ ዋት (Gigawatt hours) ወይ ድማ ሓደ ሚሊዮን ኪሎ ዋት ሃወር ከም ዝኾነ ይዛረብ።
"በዚ፡ ዝተቐየረ መጠን ሓይሊ የለን" ዝብል እቲ ኢንጅነር፡ "እዚ ሓይሊ ናብ ተጠቀምቲ ከመይ ይብጻሕ? ዝብል ሕቶ እንትለዓል ጀነረተራት ይመጽኡ" ይብል።
እቶም ጀነረተራት፡ መካኒካል ኢነርጂ ናብ ኤሌክትሪካል ኢነርጂ ከም ዝቕይሩ ዝገልጽ ኢንጀነር ክፍሌ፡ "ጀነረተር ወይ 'ተርባይን' ምብዛሕ፡ ኣብቲ ዝፈሪ ናይ ሓይሊ መጠን ዘምጽኦ ለውጢ የለን" ኢሉ የረድእ።
ቑጽሪ 'ተርባይናት'ን ጀነረተራትን ዝውሰን፡ እቲ ግደብ ብዝሕዞ መጠን ማይ፣ እቲ ማይ ካብ ክንደይ ብራኸ መጺኡ ነቲ ተርባይን ይሃርም፣ ጠለብ ሓይሊ፣ ቑጠባዊ ኸስብን ካልኦትን'ዮም ይብል።
"10፣ 12፣ 20 ጀነረተራት እንተተሰርዑ'ውን፡ ተመሳሳሊ ዝኾነ ሓይሊ'ዩ ዝምንጪ" ክብል ይገልጽ።
"ተርባይን ተነክዩ ኢልካ ምዝራብ ትርጉም የብሉን" ዝብል ኢንጅነር ክፍሌ፡ ኣብ ረብሓ ክውዕሉ'ዮም ካብ ዝተብሃሉ 16 ተርባይናት እቶም ሰለስተ ንምንካይ ዝተደለየሉ ምኽንያት ብመንጽር ዋጋን ኣዋጻእነትን ከም ዝኾነ ይገልጽ።
እዚ ውሳነ ብዝኾነ መልክዑ ምስ ድሌት ግብጺ ዝራኸብ ኣይኮነን ዝብል እቲ ኢንጀነር፡ እዚ ውሳነ ቑጠባውን ቴክኒካውን ጉዳያት ኣብ ግምት ዘእተወ ምኻኑ'ዩ ዝዛረብ።
"ብዙሕ ጀነረተራት እንተተኺልና ኢና ብዙሕ ማይ ንፍኑ፤ እዚ ድማ ናይ ግብጺ ድልየት ምምላእ'ዩ" ኢሉ።
እቲ ኣካያዲ ስራሕ ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ስራሕቲ ሲቪል፣ ኤሌክትሮ መካኒካልን ስትራክቸር ሃይድሮሊክስን ሓዊሱ"፡ ህንጸት እቲ ግድብ 68.58 ሚኢታዊት ከም ዝበጽሐ ተዛሪቡ።
"ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ 2013፡ እቲ ግድብ ሓይሊ ምምንጫይ ክጅምር'ዩ፤ ኣብ 2015 ድማ እቲ ፕሮጀክት ንክዛዘም ትልሚ ሒዝና ኣለና"።
ኢትዮጵያን ግብጽን፡ ኣብ ምምላእን ምፍናውን ማይ ግድብ ሕዳሰ ከም ዘይተሰማምዓ ይዝከር።
ኣብ ቀረባ መዓልታት፡ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ሳሚህ ሹክሪ ንኣባላት ባይቶ ሃገሩ ኣብ ዘስምዖ ዘረባ፡ ግብጺ ካብ ሩባ ኣባይ እትረኽቦ ረብሓን መሰልን ኣኽቢራ ክትቕጽል፡ ቑርጸኛ ምኻና ገሊጹ ነይሩ።
ሚኒስትራት ማይ ኢትዮጵያ፣ ግብጽን ሱዳንን ኣብ ዙርያ ምምእላን ምፍናውን ማይ እቲ ግድብ ዘካየዱዎ ስሉሳዊ ዘተ ስለ ዘይተዓወተ፡ ግብጺ ዓለምለኸ ኣዛተይቲ ጣልቃ ክኣትው ጸዊዓ'ያ።
ፕሬዝደንት እታ ሃገር ዓብደል ፋታህ ኣልሲሲ'ውን፡ ኣሜሪካ ኣብ ሞንጎ እዘን ሃገራት ኣትያ ክተዛትየን ዘለዎ ድልየት ኣርእዩ'ዩ።
ኢትዮጵያ ግን ኢድ ኣእታውነት ሳልሳይ ወገን፡ ክሳብ ሕጂ ሰስቲአን ሃገራት ዝበጽሐኦም ተስፋ ዝህቡ ስምምዓት ዘፍርስን፡ መጋቢት 2017 ዝፈረምኦ ስምምዕነት ዝጥሕስን'ዩ ብምባል፡ ከም ዘይትቐበሎ ኣፍሊጣ'ያ።
ብኻልእ ወገን፡ ፕሬዝደንት ግብጺ ዓብደል ፈታሕ ኣልሲሲ፡ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ሩሲያ ተራኺቦም ንምዝታይ ከም ዝተሰማምዑ ሮይተርስ ጸብጺቡ ኣሎ።
ክልቲኦም መራሕቲ ዝራኸብሉ ግዘ ግልጺ እንተዘይኮነ'ውን፡ ሩሲያ ግን ጥቅምቲ 12ን 13ን መድረኽ ሩሲያ-ኣፍሪቃ ክተዳሉ'ያ።