ፈረንሳ፡ ምቕታል ተባዕትዮ ጨቓዊት ክትክልክል እያ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ፈረንሳ፡ ኣብ 2021፡ ኣብ ኣተሓሕዛ እንስሳት እተካይዶ ዘላ ለውጢ ብምቕጻል፡ ኣብ ትካላት መፍረ ደርሁ ዝግበር ተባዕትዮ ጨቓዊት ንኸይቅተሉ ክትክልክል ምዃና ገሊጻ።
ኣብ ዓለም፡ ዓመታዊ፡ ኣስታት ሸውዓተ ቢልዮን ንእንቋቖሖ ወይ ስጋ ዘይድለዩ ተባዕትዮ ጨቓዊት ይቕተሉ።
ጾታ እቶም ጨቓዊት ገና ኣብ እንቋቖሖ እናሃለዉ ክፍለጥ ዘኽእል መገዲ ክተኣታቶ ምዃኑ መንግስቲ ይገልጽ።
ፈረንሳ ኣብ ኣተሓሕዛ እንስሳት ለውጢ ክትገብር ምዃና ዝገለጸ ሚኒስተር ሕርሻ እታ ሃገር ዲድየር ጉላሜ " ካብ መወዳእታ 2021 ጀሚሩ፡ ከምቲ ዝነበሮ ዝቕጽል ነገር የለን" ክብል ገሊጹ።
ጉላሜ፡ ዛጊት ጨቓዊት ቅድሚ ምጭጨሖም ጾተኦም ዘለሊ ቴክኖሎጂ ከምዘየለ ብምግላጽ፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ግን ሓዲሽ ምዕባለ ክርከብ ተስፋ ከምዘለዎ ሓቢሩ።
እቲ ሕጊ ተግባራዊ እንተኾይኑ፡ ፈረንሳ ምቕታል ደቂ ተባዕትዮ ጨቓዊት ካብ ዝኸልከላ ቀዳሞት ሃገራት ክትከውን እያ።
ጀርመንን ፈረንሳይ ምቕታል ተባዕትዮ ጨቓዊት ደው ዝብለሉ መገዲ ንኸናድያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሓቢረን ክሰርሓ ተሰማሚዐን እየን። ኣብ ጀርመን ዝርከብ ቤት ፍርዲ ግን ካልእ ኣማራጺ ክሳብ ዝርከብ፡ ንግዘዝይኡ ምቕታል እቶም ጨቓውት ክቕጽል ወሲኑ ኣሎ።
ብተወሳኺ፡ ኣብ መወዳእታ 2021፡ ናእሽቱ ሓሰማ ብዘይ መደንዘዚ ፍረ ነብሶም ምቕጥቃጥ ክክልከል ምዃኑ ሚኒስተር ሕርሻ ፈረንሳ ገሊጹ።
ተባዕትዮ ጨቓዊት፡ ከም ኣንስትዮ ቀልጢፎም ስለዘይ ዓብዩን ንስጋ ስለዘይምረጹን፡ ኣብ ምርባሕ ደርሁ ተደለይቲ ኣይኮኑን።
እቶም ተባዕትዮ ጨቕዊት ምስተፈለዩ፡ ተዓፊኖም ወይ ተጣሒኖም ከምዝሞቱ እዩ ክግበር ጸኒሑ።
ስዊዘርላንድ ግን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ተባዕትዮ ጨቓዊት ተጣሒኖም ከም ዝሞቱ ዝግበር ከይዲ ከልኪላቶ እያ።







![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
