ትግራይ፡ ኣብ መቐለ ዝሳለጥ ዘሎ ህጹጽ ጉባኤ ህወሓት እንታይ ኣጀንዳታት ሒዙ'ሎ?

Published

ሎምዓልቲን ፅባሕን ክካይድ ዝተፀወዐ ጉባኤ ብድልየት ህወሓት እንተይኮነስ ብኹነታት ሃገር ተገዲዱ ዝገብሮ ዘሎ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ህልው ኩነታት ብምግምጋም ቀፃሊ ህልውና ህወሓት ዝውሰነሉ ፍሉይን ታሪኻውን ጉባኤ ምዃኑ ኣቦ መንበር እቲ ውድብ ዶ/ር ደብረጽዮን ተዛሪቦም።

"ጉባኤና ነቲ ዝጀመርናዮ ቃልሲ ዘሐይልን እዋናዊ ፀገምና ንምፍታሕ ልዑል ተራ ዘለዎ ውሳነታት ክንውስንን ዓብዪ እምነት ኣለኒ" እውን ኢሎም።

ህዝብታት ኤርትራን ትግራይን ርክቡ ናብ ንቡር ክምለስ እናደለየን እናደፈአን ኣብ ክልቲኤን ሃገራት ዘለዉ ዝምልከቶም ኣካላት ግን ነዚ ከምዘይፈልጡን ከምዘይሰምዑን ፀማም እዝኒ ሂቦምዎ ኣለዉ ኢሎም ዶ/ር ደብረጽዮን።

እቲ ጉባኤ ኣብ መንጎ መበል 13ን 14ን ዝተፀወዐ ህፁፅ ምስ ምዃኑ ብመሰረት ሕገ ደንቢ እቲ ውድብ ኣብ መበል 13 ጉባኤ እቲ ህወሓት ዝተሳተፉ ኣባላት እዮም ዝሳተፉ ዘለዉ።

ኣጀንዳታት

ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ ሰለስተ ዓበይቲ ኣጀንዳታት ከምዝተትሓዙ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ህወሓት ኣይተ ኣለም ገብረዋህድ ንተሳተፍቲ ሓቢሮም።

በዚ መሰረት

  • እዋናዊ ክልላውን ሃገራውን ኩነታት ብምግምጋም ብፍላይ ምስ ምፍራስ ኢህወዴግን ምስረታ ፓርቲ ብልጽግናን ብዝተሓሓዝ ዕምቆት ዘለዎ ገምጋም ብምክያድ ሓደ መርገጺ (ኣቅዋም) ንምሓዝ።
  • ብመሰረት ኣዋጅ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ምዝገባ ፖለቲካዊ ውድባትን ስነምግባርን ከምኡ'ውን ህወሓት ምስ ኢህወዴግ ዝነበሮ ርክብ ብዝምልከት ኣብ መተሓዳደሪ ደንቢ ምምሕያሽ ንምግባር
  • ኣብ ፕሮግራም ህወሓት፣ ምስ ኢህወዴግ ዝነበረ ርክብን ምስዚ እዋን ዝኸዱ ጉዳያትን ምምሕያሽ ንምግባር

ዝብሉ ኣጀንዳታት ተታሒዞም ኣለዉ።

ኣብቲ ህወሓት ዘካይዶ ዘሎ ህፁፅ ጉባኤ ተወከልቲ ውድባት ሓይልታት ፌደራሊስት፣ ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ፣ ሳልሳይ ወያነን ዓፋርን ተዓዲሞም ይሳተፉ ኣለዉ።

ሎምዓልቲ ቅድሚ ቀትሪ መድረኽ ባህላዊ ምርኢትን መኽፈትን ዝተፈፀመ እንትኾን ድሕሪ ቀትሪ ተሳተፍቲ እቲ ጉባኤ ኣብ ኣጀንዳ እቲ ዋዕላ ብደረጃ ጉጅለታት ክመያየጡ እዮም።