ሰራሕተኛታት መገዲ ኣየር ጀርማን ዊንግስ ብዘካይድዎ ዘለዉ ኣድማ 180 በረራታት ተሰሪዞም

ምንጪ ስእሊ, EPA
Published
ሰራሕተኛታት ብሉፍታንዛ ግሩፕ ዝውነን መገዲ ኣየር ጀርማን ዊንግስ፡ ኣብ ቅንያት ሓዱሽ ዓመት ፈረንጂ ዘካይዱዎ ብዘለዉ ኣድማ፡ እቲ መገዲ ኣየር 180 በረራታት ክስርዝ ተገዲዱ።
እቲ ብማሕበር ሰራሕተኛታት በረራ እቲ መገዲ ኣየር ዝተጸወዐ ኣድማ ዝሓለፈ ሰንበት ዝጀመረ ኮይኑ ክሳብ ረቡዕ ክቕጽል ምዃኑ'ዮም እቶም ሰራሕተኛታት ዝሕብሩ።
እቲ ማሕበር ሰራሕተኛ መገዲ ኣየር፡ ኣባላቱ ዝሓሸ መሃያን ተጠቀምቲ ግቡእ ረብሓን፡ ከምኡ'ውን ናይ ነዊሕ እዋን ኮንትራት ብምጥላብ እዩ ነቲ ኣድማ ዘካይድ ዘሎ።
ብተመሳሳሊ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብዝተኻየደ ኣድማ፡ ሉፍታንዛ 1500 በረራታት ምስራዙ ዝዝከር'ዩ።
እቲ መገዲ ኣየር ምስቲ ማሕበር ንምዝርራብ'ዃ እንተፈተነ፡ ክሰማምዑ ብዘይምኽኣሎም ግን እቲ ኣድማ ቀጺሉ ይቕጽል ኣሎ።
ምክትል ፕረዚደንት እቲ ማሕበር ዳኒኤል ፍሎህር፡ እቲ ኣድማ ከም ኣድላይነቱ፡ ሓጺር ቅድመ መጠንቀቕታ ብምሃብ ክቕጽል ከምዝኽእል ገሊጹ።
ካብ ዝተተለሙ በረራታት ኣስታት 15 ሚእታዊት ከምዝሰረዘ ዝገለጸ እቲ መገዲ ኣየር፡ እቶም ዝበዝሑ በረራታት ኣብ ውሽጢ ጀርመን ከምዝነበሩ ሓቢሩ።



![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
