እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ሞቓድሾ ኣንጊሁ ዝተፈንጀረ ነታጒ 76 ሰባት ቐቲሉ
Published
ኣብ ዋና ከተማ ሶማልያ፡ ኣብ ሞቓድሾ ብዝተፈንጀረ ነታጒ ብውሕዱ 76 ሰባት ከምዝተቐትሉ ተገሊፁ።
እዚ ኣብ መኪና ዝተጻወደ ነታጒ፡ ኣብ ሓደ ፃዕቂ ህዝቢ ዝበዝሖ ከባቢ ኣብ ዝርከብ ናቑጣ ፍተሻ እዩ ተፈንጂሩ።
ዛጊት፡ ነዚ ትማሊ ኣንጊሁ ዝተፈነወ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ዝወሰደ ጉጅለ የለን።
እንተኾነ፡ መብዛሕትኡ እዋን መጥቃዕቲ ዝፍፅሙ ዕጡቓት ኣልሸባብ እዮም።
ሓደ ምስክር ዓይኒ፡ ኣብቲ መጥቃዕቲ ዝተፈፀመሉ ቦታ ንዝነበረ ኩነታት ብኸምዚ ገሊፅዎ።
"ሬሳ ሰባት ተበታቲኑ እየ ዝርእይ ነይረ ... ገሊኦም ክተለልዮም ክሳብ ዘይትኽእል ተቓፂሎም" ኢሉ ሳካርየ ዓብዱከድር።
ኣባል ባይቶ ዝኾነ መሓመድ ዓብዲራዛቕ፡ ብዝሒ ዝሞቱ ስባት ልዕሊ 90 እዩ ይብል።
እንተኾነ፡ እቲ ንሱ ዝበሎ ብኻልእ ኣካል ኣይተረጋገፀን።
ብርክት ዝበሉ እቲ መጥቓዕቲ ተምሃሮ ከምዝኾኑን፤ ክልተ ኢንጂነራት ቱርኪ ድማ በቲ መጥቃዕቲ ከምዝተቐትሉ ሮይተርስ ጸብጺቡ።
ፕረዚደንት ሶማልያ ፎርማጆ፡ ነቲ ተግባር ኣውጊዙ፤ ጂሃዲስትስ ኣብዛ ሃገር ካብ ዝጀመርናዮ ስራሕቲ ዳግመ-ህንጸት ደው ኣየብሉናን ኢሉ።