ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል ኢትዮጵያ፡ ካብ ሃገር ዝወጽአ ሃብቲ ንምምላስ ዘተ ምጅማሩ ሓቢሩ

ምንጪ ስእሊ, FDRE Attorney General
Published
ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል ካብ ኢትዮጵያ ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ዝወጽአ ሃብቲ ሃገር ንምእካብን ንምምላስን ዘኽእሎ ስትራቴጂ ከም ዘዳለወን፡ ምስተን ነቲ ሃብቲ የዕቚበን ኣለዋ ዝተባሃላ ሃገራት ዘተ ከም ዝጀመረን ገሊጹ።
ዳይሬክተር ዳይሬክቶሬት ርክብ ህዝቢ እቲ ዓቃቢ ሕጊ ኣቶ ዝናቡ ቱኒ፡ ምስተን ሃገራት ብዝተገብረ ዘተ እቲ ሃብቲ ኣብ ዝምለሰሉ ስምምዕ ከም ዝተበጽሐ ብምግላጽ፡ ነዚ ዝምልስ ዳይሮክቶሬት ከም ዝተጣየሰ ሓቢሩ።
ብኸመይ ኣገባብ'ዩ ክምለስ? ዝብል ንምውሳን ዓለምለኻዊ ሕግታት ነጽንዕ ኣለና ዝበለ ኣቶ ዝናቡ፡ ገበነኛታት ዝሕተትሉ መስርሕ'ውን ይሕሰበሉ ከም ዘሎ ኣረዲኡ።
ክንደይ ዝኣክል ገንዘብ ካብ ሃገር ወጺኡ? ዝብል ሕቶ ምላሽ ከም ዝረኸበ ብምግላጽ፡ ናበየነይቲ ሃገርከ'ዩ ግዒዙ? ዝብል ግን "እንሰርሖ ዘለና ስራሕ ዘዕንቅፍ'ዩ" ብምባል መብርሂ ካብ ምሃብ ተቖጢቡ።
ኣብዚ ገበን ዝተሳተፉ ጥርጡራት ናብ ሕጊ ንምቕራብን ገንዘብ ምምላስን ዝብሉ ዝርዝር ጉዳያት ግዝኡ ምስ በጽሐ ክንገልጽ ኢና'ውን ኢሉ።
ክሳብ ሕጂ ብዘሎ መረዳእታ ግን፡ እቲ ሃብቲ ኣብ ምህዳም ተሳቲፎም ዝነበሩ ጥርጡራት ኣብ ውሽጢ መሓውር መንግስቲ ዝነበሩን ተሓባበርቶምን'ዮም ዝበለ ኣቶ ዝናቡ፡ "ናብ ሕጊ ድማ ክቐርቡ'ዮም" ኢሉ።



![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
