ኣገልግሎት ቴለቪዥን ቻይና ብምኽንያት ርእይቶ ኦዚል ንጸወታ ኣርሰናል ምምሕልላፍ ኣቋሪጹ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ተጻዋታይ ኣርሰናል፡ ሜሱት ኦዚል፡ ኣብ ቻይና ብዛዕባ ዝርከቡ ኣስላም ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ርእይቶ ብምሃቡ፡ ኣገልግሎት ቴለቪዥን ቻይና ሲሲቲቪ፡ ሰንበት ዝተኻየደ ግጥም ኩዕሶ እግሪ ኣርሰናልን ማንቸስተር ሲቲን ከይመሓላለፍ ኣጊዱ።
ግሎባል ታየምስ ዝተብሃለ መርበብ፡ እቲ "ሓሶት" ምዃኑ ዝገለጾ ርእይቶ ኦዚል ንሰብመዚ ኩዕሶ እግር "ከም ዘቖጥዐ" ሓቢሩ።
ብዘይካ'ዚ ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ቻይና ርእይቶ ኦዚል "ዘይቅቡልን" ንስምዒት ቻይናውያን ኣፍቀርቲ ስፖርት "ዝሃስይን" ምዃኑ ገሊጹ።
ኦዚል ኣብ ቻይና ብዛዕባ ዝርከቡ ኣስላም ዊገር ዝሃቦ ርእይቶ ኣዘዘራራቢ ካብ ምዃን ሓሊፉ ጋንትኡ ኣርሰናል እቲ ጉዳይ ከም ዘይምልከታ መግለጺ ክተውጽእ ኣገዲዱ እዩ።
ኣርሰናል፡ እዚ ጉዳይ ውልቃዊ ርእይቶ ኦዚል እምበር፤ መርገጺ እታ ክለብ ከምዘይኮነ ሓቢራ።
ቻይና፡ ከባቢ ሚልዮናን ዝበጽሑ ኣመንቲ ምስልምና ቀቢላ ዊገር ብዘይ ፍርዲ ኣሲራ ከምዘላን፡ ኣብ ሓደ ናይ ተሃድሶ መደበር ተታሒዞም ከምዘለውን ተሃለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይሕብሩ።
እንተኾነ መንግስቲ ቤይጂንግ ነቲ ዝቐረበ ክሲ ክኽሕዶ እንከሎ፡ ገለ ናይ ሃይማኖት ጥሩፋት ንተሃድሶ ተታሒዞም ከምዘለዉ ይሕብር።
መሱት ኦዚል ኣብ እማሕበራዊ ሚዲያ ከም ዘስፈሮ፡ እስላም ዊገር "ስቓይን ማእሰርትን ክጻወሩ ዝኽእሉ ተቓለስቲ'ዮም" ኢሉ ብምንኣድ፡ ንስቕታ ቻይናን ካልኦት እስላምን ነቒፉ።
ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኣርሰናል ብወገና፡ 'ጋንታ ኣርሰናል ዝኾነ ዓይነት ፖለቲካዊ ምትእስሳር ዘይብላ ትካል'ያ' ትክብል መግለጺ ኣውጺኣ።
ብተወሳኺ "መሱት ኦዚል ብማሕበራዊ ሚዲያ ዘመሓላለፎ መልእክቲ፤ ናይ ኦዚል ናይ ውልቁ ሓሳብ ምዃኑ ንገልጽ" ኢላ።
መግለጺ ኣርሰናል፡ ብማሕበራዊ ሚዲያ ቻይና ዌቦ እዩ ተመሓላሊፉ።
ብዙሓት ደገፍቲ ኣርሰናል፡ እዚ ጉዳይ ብትኹረት ክርአን ኣርሰናል ስጉምቲ ክወስድን ኣተሓሳሲቦም።
ካልኦት ወሃብቲ ርኢይቶ ድማ፡ ኦዚል ብዛዕባ ቻይና ልክዕ ዘይኮነ ርኢይቶ ሂቡ'ዩ፤ ክቕጻዕ ይግብኦ'ዩ ክብሉ እንለው፡ ናይ ኦዚል ማሊያ ቀዲዶም ክድርብዩ ዘርኢ ምስሊ ብማሕበራዊ ሚዲያ ዘርጊሖም።
ቢቢሲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዘውጽኦ ፍሉይ ጸብጻብ፡ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ እስላም ዝተኣስሩሉ መዓስከር ከም ዘሎ ኣረጋጊጹ'ዩ።
"መሰልጠኒ ኢደ ጥበብ" ብዝብል ሽፋን ንዓመታት ዝጸንሐ እዚ ማእከል ተሓድሶ፡ ኣተሓሳስባ ዘጽሪ፣ ጉልበት ዝምዝምዝ፣ እምነት ዝጉሕጉሕ፡ ሕቡእ ማእከል እዩ ተባሂሉ እዩ ዝጽዋዕ።
ብመሰረት ጸብጻብ ቢቢሲ፡ ኣብቲ ማእከል ኣትዮም ዝወጽኡ ዜጋታት ሃይማኖቶም ጥራሕ ዘይኮነ፡ ከቢድ ስነ-ኣእምሮዊ ስንክልና ከምዘጋጥሞም ይሕብር።
ቻይና ግን፡ "ናይ ሃይማኖት ጥሩፋት ትካል ተሓድሶ" እዩ ትብል።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
