ተስፋ ዝተገብረሎም ሓሙሽተ ኣፍሪቃውያን ሙዚቀኛታት

ዊዝ ኪድ
መግለጺ ስእሊ, ዊዝ ኪድ
Published
ንባብ: 2 ደቓይቕ

ዴቪዶ፣ ዊዝኪድ፣ በርና ቦይ ካብ ኣፍሪቃ ዝተረኸቡ ሙዚቀኛታት ኮይኖም፤ ዶብ፣ ቋንቋን ባህልን ከይዓገቶም ኣብ ዓለማዊ መድረኽ ውሩያት ክኾኑ ዝኸኣሉ እዮም።

ነዚ ድማ እዮም ምዕራባውያን ሙዚቀኛታትን ኣፍረይቲ ሙዚቃን (ፕሮዲውሰራትን) ናብ ኣፍሪቃ ገጾም ዘቋምቱ ዘለዉ።

ውርይቲ ሙዚቀኛ ቢዮንሴ 'ላየን ኪንግ' ዘርእስቱ ካርቱን ፊልም መበገሲ ገይራ፡ ኣብ 2019 ኣልበማ ክተዳልው ከላ ንኣፍሪቃውያን ሙዚቀኛታት ኣሳቲፋ እያ።

ሚስተር ኢዚን በርናን ድማ፡ ኣብዚ ዓመት ኣብ ዓብዪ ጽምብል ሙዚቃ ኮቼላ ክሳተፉ ክኢሎም እዮም።

ኣብዚ ክውዳእ ቀሪቡ ዘሎ ዓመተ 2019፡ ቀልቢ ሰማዕቲ ሙዚቃ ዓለም ዝሰሓቡ ሓሙሽተ ኣፍሪቃውያን ሙዚቀኛታት ክነላልየኩም።

ባህ ካሩንጊ (ኡጋንዳ)

ሺባህ
መግለጺ ስእሊ, ሺባህ

ኣብ ሃገራ ኡጋንዳ ጽቡቕ ተቐባልነት ዝረኸበት ሺባህ፡ ሙዚቃኣ ዶባት ሰጊሩ ክስማዕ ጀሚሩ'ሎ።

ንሙዚቃታታ ምስ ዳንስን ፋሽንን ብምትእስሳር፡ ንርእሳን ንሃገራን ክተፋልጥ ክኢላ ኣላ።

ኣብ መድረኽ ብዘለዋ ሜላ ኣቀራርባ እውን ንእድቲ እያ።

Skip YouTube post, 1
ንትሕዝቶ Google YouTube ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ Google YouTube ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ Google YouTube ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of YouTube post, 1

ጆቦይ (ናይጀሪያ)

ጆቦይ
መግለጺ ስእሊ, ጆቦይ

ናይጀሪያዊ ሙዚቀኛ ጆቦይ 'ቤቢ' ብዝብል ናይ ፍቕሪ ሙዚቃኡ እዩ ውሩይ ክኾን ክኢሉ። እዚ ሙዚቃ፡ ኣብ ዩቱብ ዓሰርተ ሓሙሽተ ሚልዮን ግዜ ክረኣየሉ ክኢሉ እዩ።

ዝተፈላለዩ ቅድታት ሙዚቃ ከዋድድ ዝኸኣለ ስነጥበባዊ እውን እዩ። ኣፍሮ ቢትን ፖፕን ዝበሃሉ ቅድታት ኣጣሚሩ ዝሰርሖ 'ቢጊኒንግ' ዝብል ሙዚቃኡ እውን ጽቡቕ ተቐባልነት ረኺቡ እዩ።

ጆቦይ፡ ሕዚ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት እናተዓደመ ሙዚቅኡ ከቕርብ በቒዑ ኣሎ።

Skip YouTube post, 2
ንትሕዝቶ Google YouTube ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ Google YouTube ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ Google YouTube ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of YouTube post, 2

ብሪያን ናድራ (ኬንያ)

እዚ ኬንያዊ ሙዚቀኛ፣ ገጣሚን ናይ ሙዚቃ ደራሲን፤ ኣምባሳደር ቅዲ ሙዚቃ ፖፕ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ እናተብሃለ እዩ ዝጽዋዕ።

ኬንያ፡ ኣብ ዕዳጋ ሙዚቃ ዓለም ክኣቱ ዝኸኣለ ሙዚቀኛ የብላን። ብሪያን ነዚ ክቕይር ይኽእል እዩ ዝብል ተስፋ ተነቢሩሉ ኣሎ።

ፍልይ ዝበለ፡ ስልቲ ኣደራርፋ ከምዘለዎ ዝንገረሉ ብሪያን፡ ካብቶም ልስልስ ዝበሉ ሙዚቃታቱ ብተወሳኺ፡ ራፕ እውን ይገብር እዩ።

Skip YouTube post, 3
ንትሕዝቶ Google YouTube ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ Google YouTube ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ Google YouTube ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of YouTube post, 3

ኢኖስ ቢ (ዴሞክራሲዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ)

ወዲ 22 ዓመት ሙዚቀኛ ኢኖስ፡ ንባህላዊ ቅድታት ሙዚቃ ኮንጎ እዩ መበገሲኡ ገይሩ ዝደርፍ። ንኻልኦት ቅድታት ሙዚቃ ኣጣሚሩ ድማ፡ ንቕድሚት ሓደ ስጉምቲ ክኸይድ እዩ ዝብል ተስፋ ተገይሩሉ ኣሎ።

ምስ ታንዛንያዊ ሙዚቀኛ ዳይመንድ ኮይኑ ዝሰርሖ 'ዮፔ' ዝብል ንጽል ደርፊ፡ ብዙሓት ፈትዮምዎ እዮም። ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ ድማ፡ 14 ሚልዮን ግዜ ክረኣየሎም ክኢሉ እዩ።

ኢኖስ ቢ፡ መለለዪ ዴሞክራሲኣዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዝኾነ 'ሩምባ' ዝበሃል ቅዲ ሙዚቃ፡ ምስ ሪትም ኤንድ ብሉዝ ከምኡ ድማ ምስ አፍሮ ቢትስ ከጣምር ክኢሉ እዩ።

Skip YouTube post, 4
ንትሕዝቶ Google YouTube ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ Google YouTube ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ Google YouTube ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of YouTube post, 4

ሾ ማድጆዚ (ደቡብ አፍሪካ)

ሾ ማድጆዚ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሾ ማድጆዚ

ደቡብ አፍሪቃዊት ሙዚቀኛ ሂፕ ሆፕ ሾ ማድጆዚ፡ ኣብዚ ዓመት 'ሓዳሽ ብልጽቲ ዓለምለኻዊት ሙዚቀኛ' ብዝብል ናይ ቢኢቲ (ብላክ ኢንተርቴይንመንት) ሽልማት ረኺባ እያ።

ናይ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ግኮም ዝበሃል ቅዲ ሙዚቃ፡ ብመሳርሒ ሙዚቃ ጥራይ ዝወሃሃድ እዩ። ንሳ ግን ራፕ ትገብረሉ። እኳደኣስ፤ ብብዙሓት ቋንቋታት።

ብዙሓት ሙዚቀኛታት ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ናይ ውሽጢ ዓዲ ዕዳጋ እዮም ዘቋምቱ። ሾ ግን ዕዳጋ ኣለም እኣ ተቐወምት ዘላ።