ኤርትራዊ ድምጻዊ ተኽለ ነጋሲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዘይተፈልጡ ሰባት ተጠቒዑ

ምንጪ ስእሊ, Tekle Negassi
ብወዲ ማማ ዝፍለጥ ኤርትራዊ ድምጻዊ ተኽለ ነጋሲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዘይተፈልጡ ሰባት ተጠቒዑ።
ተኽለ ነጋሲ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ብሰንበት ሰዓት ሽዱሽተ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ገርጂ ከባቢ ኣንበሳ ጋራጅ ብእግሩ እናተዛወረ እንከሎ፡ መንነቶም ዘይፈልጦም ሓሙሽተ ሰባት ብዘይ ዝኾነ ዘረባ ከም ዝሃረምዎ እዩ ዝዛረብ።
"ዝኮነ ዘረባ ኣየዘራረቡንን ዝኾነ ኣይሓተቱንን፡ ብቐትታ'ዮም ኣብ ምህራም ኣትዮም"
ተኽለ ወዲ ማማ "ናይ ስርቒ ከይብሎ፡ ኣብ ኢደይ ዝነበረ ሞባይልን ኣብ ጁባይ ዝነበረ ሰልዲ'ውን ኣይወሰዱለይን፡ ስለዚ እዚ ምስ ስርቒ ዝተሓሓዝ'ዩ ዝብል ግምት የብለይን" ይብል።
ድምጻዊ ተኽለ ነጋሲ ኣብ ሱዳን እንከሎ ብዘጋጠሞ ናይ መኪና ሓደጋ እግሪ ተሰይሩ ምንባሩን፡ ኣብ እግሪ ሓጺን ስለዘለዎን፡ እቶም ሓሙሽተ ሰባት ደጋጊሞም ኣብታ ሓጺን ዘለዋ እግሩ ይሃርምዎ ስለዝነበሩ "ጽቡቕ ገይሮም ዝፈልጡኒ ክኾኑ ኣለዎም" ይብል።
ወዲ ማማ ብምስዓብ "ካብ ሰንበት ጀሚረ ክሳብ ሕጂ ነዚ ተግባር መን ክፍጽሞ ይኽእል ብምባል ሕስብ እየ ቐንየ፡ ክሳብ ሕጂ ግን ኩስቶ እዩ ክብል ኣይክኣልኩን" ክብል ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ምንጪ ስእሊ, Tekle negassi
ተኽለ ነጋሲ፡ በዚ መጥቃዕቲ ኣብ የማናይ ኢዱ፣ ኣፍንጭኡ፣ ርእሱን ጸጋማይ ኵሊቱን ብኸቢድ ከም ዝተሃስየ እዩ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ተኽለ ነጋሲ ብትግርኛን ብትግረን ዝደርፍ ድምጻዊ ከይኑ፡ ቅድሚ ሕጂ ሃብሩኒ (ቋንቋ ትግረ)፣ ማማ፣ ፍቕረይ፣ ኤርትራን ዝብላ ዝርከበአን ሓያለ ደርፊ ዘፍረየ ድምጻዊ እዩ።
ኣብ መደበር ፖሊስ ገርጂ፡ ምክትል ሳጅን ዮሴፍ ተስፋየ፡ ተኽለ ነጋሲ ትማሊ ናብ መደበር ፖሊስ ገርጂ ከምዝመጽኦም ድሕሪ ምሕባር "በቲ ትማሊ ዝበጽሓና ናይ ቃል ምስክርን ሓሙሽተ መዃኖምን ኣካላዊ መጉዳእቲ ኣውሪዶም፡ ዝኾነ ንበረት ከይወሰድሉ ብምኻዶም ምስ ስርቒ ዝተኣሰሳስር እዩ ዝብል ግምት የብልናን" ኢሉ።
ምክትል ሳጅን ዮሴፍ ተስፋየ ብምስዓብ "ተኸለ ኣከዳድነኦም ወይ እውን መልክዖም ክዝክሮም እንተኽኢሉ ተኸታቲልና ንምሓዝ ክንጽዕር ኢና" ክብል ገሊጹ።








![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
