ቡርኪና ፋሶ፡ : ኣብ ቤተ ክርስትያን ብዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ብውሕዱ 14 ተቐቲሎም

ኣብ ቡርኪና ፋሶ ዕጡቓት ኣብ ቤተክርስተያን ብዝኸፈትዎ ቶኵሲ ብውሕዱ 14 ሰባት ተቐቲሎም።
እቶም ግዳያት ኣብ ምብራቓዊ ክፋል ቡርኪና ፋሶ እትርከብ ሃንታኮራ እትብሃል ከተማ ናይ ሰንበት ጸሎት እናኣዕረጉ እንከለዉ እዮም ተቐቲሎም።
መንነት እቶም ቐተልትን ንምንታይ ነዚ ተግባር ከም ዝፈጸምዎን ገና ኣብ ምጽራይ ከምዘሎ ሰብ መዚ እታ ሃገር ይሕብሩ።
ሃገረ ቡርኪናፋሶ ብፍላይ ኣብቲ ምስ ማሊ ዘዳወብ ከባቢ፡ ኣብ ዝሓለፉ ውሑዳት ዓመታት ብተመሳሳሊ ኣገባብ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ዜጋታት እታ ሃገር ክቕተሉ ጸኒሖም እዮም።
ነዚ ኸኣ ኣብቲ ከባቢ ዝነቀሳቐስ ጅሃዳዊ ጉጅለ ከም ዝፈጸሞ'ዩ ዝእመን።
ካብ ናይቲ ዞባ ሰብ መዚ ዝወጽአ መግለጺ ከም ዘመላኽቶ፡ በቲ መጥቓዕቲ ብዙሓት ሰባት ቆሲሎም ኣለዉ።
ሓለፍቲ ጸጥታ ቡርኪናፋሶ ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ካብቶም ዝተቐተሉ፡ ቀሺ ናይቲ ቤትክርስትያንን ህጻናትን ከም ዝርከብዎም ሓቢሮም።
ዘይተረጋገጹ ምንጭታት'ውን እቶም ኣብቲ ቤተክርስትያን መጥቓዕቲ ዝፈጸሙ ዕጡቓት ብላምብሬታ(ባጃጅ) ከም ዝሃደሙ ይሕብሩ።
ዝሓለፈ ወርሒ ጥቕምቲ'ውን ኣብ ተመሳሳሊ ከባቢ ኣብ መስጊድ ብዝተፈጸመ መጥቓዕቲ 15 ሰባት ምማቶምን ክልተ ብኸቢድ ምቁሳሎምን ዝዝከር'ዩ።
ኣብ ቡርኪናፋሶ ካብ 2015 ብጅሃዳዊ ጉጅለ ዝፍጸም መጥቓዕትታት ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናሓየለ ብምምጽኡ፡ ሓያለ ኣብያተ ትምህርቲ ንኽዕጸዋ ተገዲደን'የን።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
