ውዕውዕ ምንቅስቓስ ዝመልኣ ሓዳስ ጌይም ብጃፓናዊ ክኢላ ተዘርጊሓ

ኣብዚ እዋን ኣብ ዓለምና ሰባት ንምዝንጋዕ ዝጥቀሙሎም ዝተፈላለዩ ዓይነት ጸወታት [ጌም] ይርከቡ።
ገሊኦም ክትዘናግዓሎምን ትምህርቲ ክትቀስመሎምን እትኽእል ዓይነት ጸወታታት ክኾኑ ከለው፡ ገለ ድማ ነቲ ስድራ ቤታት ዘዕነወ ቁማር ክጻወቱሎም ይርእዩ።
እዛ ብጃፓናዊ ሃይዲያ ኮጂማ ዝቐረበት ጸወታ ድማ ኣብ ክንዲ ብውልቃውነት ንሓስብን ንነብርን ምስ ካልኦት ህዝብታት ብምትሕብባር ነቲ ዘይስገር ዝመስል ሽግራት ንምምካት ትምህርቲ እትህበና ዓይነት ጌም ከምዝኾነት ጋዜጠኛ ኒውስቢት፡ ስቴፋን ፖዌል ገሊጹ። ካብቲ ጸለሎ ዝመስል ደበና ዘይምሕር ኣሲዳዊ ዝናብ ይዘንብ ብምንባሩ እቲ ኣዝዩ ርዒዱ ዝነበረ ሳም ፖርተር ብሪጅስ ዘጽልለሉ ቦታ የናዲ ነይሩ። ብዘይ እቲ ዘዳለዎ መደባት ድማ ኣሜሪካ ክትድሕን ኣይትኽእልን ኢያ።
ሳም፡ ኣብታ ኖርማን ረዱስ ዝተዋስኣላ ዘ ዎኪንግ ዴድስ [The Waliking Dead's - እቶም ዝሳግሙ ምውታት] ፊልም፡ ቀንዲ ተዋስኣይ ክኸውን ከሎ ኣዝዩ ሽግራት ዝመልኦን ዝተሓላለኸን ነዊሕ ጉዕዞ ይጽበዮ ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, SONY
ናቱ ዕማም ወይ ድማ ናትካ ዕማም፡ ኣብ ክንዲ ሳም ኮይንካ ኣብትጻውተሉ እዋን፡ መልእኽቲ ምትሕልላፍን ነዛ ዓለም ምትእስሳርን ኢዩ ዝኸውን።እቲ ነታ ኣብዚ ቐረባ እዋን ዴዝ ስትራንዲንግ [Death Stranding] እትብል ኣብ ኮምፒዩተር ዝግበር ጸወታ [ጌም] ዲዛይን ዝገበረ ፡ ሃይዲዮ ኮጂማ፡ ቀንዲ ቴማ ናይታ ብዙሕ ኣድናቖት ዝረኸበት ጸወታ፡ ምትእስሳር ኢዩ ይብል።
"እዚ ዘለናዮ መዋእል ውልቃውነት ዝነገሰሉ ኢዩ'' ክብል ሃይዲዮ ኣብ ቶክዮ ካብ ዝርከብ ስቱድይኡ ንሬድዮ 1 ኒውስቢት [Radio 1 Newsbeat] ገሊጽሎም።
ኣብዚ እዋን ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ብመርበብ ሓበሬታ [Internet] ተራኺብና ክንከውን ንኽእል፡ ኣዚና ስለዝተኣሳሰርና ድማ ሰባት ነንሕድሕዶም ይትሃሳሰዩ ኣለው።
ኣባላት ኒውስቢት፡ መወዳእታ ነታ ሃይዲዮ ኮጂማ ዲዛይን ዝገበራ 'ዴዝ ስትራንዲንግ' እትብል ጌም ንምርኣይ፡ ኣብቲ ኣብ ርእሰ ከተማ ጃፓን፡ ቶክዮ፡ ዝርከብ ስቱድዮ ኮጂማ ፕሮዱክሽን ሰለስተ መዓልቲ ገይሮም ነታ ጸወታ ንምጽዋትን ምርኣይን።
እቲ ስቱድዮ ኣብ ጫፍ ናይቲ ብጻዕዳ መብራህቲ ዝተኾልዐ ኮሪዶዮ ስለዝነበረ ድማ ብሓቂ ኣብ ሓንቲ ናይ ጠፈር መንኮርኮር ዘሎኻ ኢዩ ዝስምዓካ። እቲ ማዕጾ ክኽፈትን እቲ መብራህቲ ሓደ ብሓደ ክውላዕን ከሎ ድማ ኣብ ቤት ሲኔማ ዘሎኻ ይመስለካ ኢሎም ኣባላት ኒውስቢት።
ኣብ ውሽጢ እቲ ስቱድዮ፡ ኣስታት 100 ዝኾኑ ሰራሕተኛታት፡ እቲ ጌም ከምቲ ዝድለ ይሰርሕ ከምዘሎ ንምርግጋጽ ብህድኣት ይፍትሹ ነይሮም። እታ ሓዳስ ጸወታ ናብ ህዝቢ ትዝርግሓሉ ህሞት ይቀራረብ ስለዝነበረ ድማ እቶም ሰራሕተኛታት ስጋብ ክንደይ ኣብ ስራሕ ተጸሚዶም ከምዝነበሩ ትርዳእ። ይኹን ድኣ'ምበር ኩሉ ኣብቲ ስቱድዮ ዝነበረ ኩነታት ህድኣትን ጸጥታን ዝዓሰሎ ኢዩ ነይሩ።
ኣብቲ ነታ ካብ 2016 ጀሚሮም ዝጽዕቱላ ዝነበሩ ጸወታ ናብቲ ብሃንቅውታ ዝጽበያ ዝነበረ ህዝቢ ንምዝርጋሕ ኣብ ዝሸባሸቡሉ ዝነበረ ህሞት፡ ኣብታ ሱቱዲዮ ምንባርና ፍሉይ ስምዒት ኢዩ ኣሕዲሩልና ኢሎም ኣባላት ኒውስቢት።

ሓደ ንጹር ዝኾነልና ጉዳይ እንተሎ፡ እቲ ነታ ጸወታ ዝመሃዘ ሰብ ክሳብ ክንደይ እቲ ጸወታ ነቲ መልእኽቲ ናብቲ ዘበናዊ ሕብረተሰብ ከምዘብጽሓሉ ምፍላጥ ኢዩ።
''ኣብዚ እዋን ፕሬዚደንት ትራምፕ ምስ ሜክሲኮ ኣብ ዘዳውቦ ግዝኣት ኣሜሪካ መንደቕ ይሃንጽ ኣሎ'' ክብል ገሊጹልና ሂደዮ ኮጂማ።
''መንግስቲ እንግሊዝ ድማ ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ንምውጻእ ጉዳይ ብሬግዚት ኣብ መስርሕ ኣሎ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት ድማ ብዙሓት መንደቓት ይህነጹ ከምዘለው ይስምዓካ፡ እንተኾነ ሰባት ብዛዕባ ነብሶም ጥራይ ይሓስቡ ኣለው'' ኢሉ ኮጂማ።
''ኣብ 'ዴዝ ስትራንዲንግ' ግና ሰባት ንምርኻብ ቢንቶታት ንጥቀም። ክልተ ኣማራጺታት ድማ ኣለዎም፡ ነተን ቢንቶታት ክጥቀሙለን ወይ ድማ ከዕንውወን። ስለዚ እቲ ጸወታ ሰባት ብዛዕባ ትርጉም ምትእስሳር ክሓስቡ ትድርኾም'' ኢሉ ኮጂማ።
ኮጂማ ኣብ መግለጺኡ እታ ጸወታ ንዝኾነት ሃገር ወይ ድማ ማህበረ ሰብ ዘነጻጸረት ከምዘይኮነትን፡ ሰባት ዳግም ንምሕባር ዝዓለመት ከምዝኾነት ጸቒጡ ተዛሪቡ።
''ምስ ንሓብር ንሓድ-ሕድና ክንተኣላለ ሓላፍነት ይህልወና። ማሕበራዊ መራኸቢታት ግና ከምዚ ዓይነት ሓላፍነት ዘለወን ኣይመስለንን። ንኣብነት- ኣብ ንሓድ-ሕድካ ዝግበር ሓልዮት ኢዩ ንሰባት ዘሐጉሶም። ቀደም ከምኡ ኢና ኔርና።''

ምንጪ ስእሊ, SONY
''ስለዚ ሰባት በዛ ጸወታይ ነቲ ቀደም ዘሕለፍናዮ ጽቡቕ እዋን ክዝክርዎ እደሊ'' ኢሉ ኮጂማ።''ኮጂማ ብጽምዋ ከምዝተበልዐን ካልኦት ብዙሓት ከምኡ ዝኣመሰሉ ኣብዛ ዓለም ዝነብሩ ሰባት፡ ብፍላይ ድማ ጌም ዝጻወቱ ሰባት ከምዘለዉ ይሓስብ። ስለዚ እቶም ሰባት ነዛ ጌም ኣብዝጻወቱላ እዋን ካልኦት ከምኦም ኣብዛ ዓለም ዝነብሩን ብጽምዋ ዝተበልዑን ሰባት ከምዘለው ይግንዘቡ።
ዋላ ኣነ'ውን ሓደ ካብቶም ብጽምዋ ዝተበልዑ ሰባት እንተኾንኩ፡ ካልኦት ሰባት እንተላይ ኣነ'ውን ነዛ ጌም ኣብንጻውተሉ እዋን ቅሳነት ይስምዓና'' ኢሉ ኮጂማ።
ዴዝ ስትራንዲንግ፡ ኮጂማ ካብቲ ናይ ቀደም ኣስራሒኡ ኮናሚ ድሕሪ ምፍልላይዩ ፡ ባዕሉ ኣብ ዝውንና ስቱድዮ ተጠቒሙ ዝዘርግሓ ቀዳመይቲ ጌም ኢያ።
ኮጂማ ነቲ ናይ ጌም ኢንዱስትሪ ፍጹም ዝለወጦ ሜታል ጊር [Metal Gear] ዝተባህለ ተኸታታሊ ጌም ድሕሪ ምዝርግሑ ኢዩ ተፈላጥነት ዘጥረየ።
ብዙሓት ነታ ብ8 ሕዳር ዝተዘርገሐት ዴዝ ስትራንዲንግ፡ ዝተሓዋወሰ ትጽቢታት ኢዩ ነይርዎም፡ ገሊኦም እንታይ መልእኽቲ ከምትህቦም ርግጸኛታት ኣይነበሩን።
እቲ ጸውታ ቅድሚ ምዝርግሑ ኣብ ዝቐረቡ ፕሮስማሜንቶ [trailers] ኣብ ገምገም ባሕሪ ናይ ዝሞቱ እንስሳታትን፡ ናይ ሓደ ኣብ ውሽጢ ጠርሙዝ ዝተዓቀበ ህጻንን ዘይጭበጥ ረቂቕ መንስፈን ኢዩ ዘርኢ ነይሩ። ካብዚ ብምብጋስ ኢዮ ድማ ብዙሓት እዚ ኹሉ እንታይ ማለት'ዩ? ክብሉ ዝሓቱ ነይሮም።
እቶም ንዓመታት ትሕዝቶ ናይዛ ጌም ክጽበዩ ዝጸንሑ ተጻወቲ ድማ ድሕሪ ቕሩብ ኩሉ ትሕዝቶኣ ክበርሃሎም ኢዩ።እንተኾነ፡ ተጻወቲ ጌም ንምትእስሳር ዝግበር ጻዕሪ፡ ከምቲ ትርኢቱ፡ ቀሊል ኣይኮነን።
ገለ ተጻወቲ ብጸወታ ጌም ንዓመታት ስለዝተመረዙ ካብቲ ወልፊ ክናገፉ ኣይክእሉን ኢዮም ዝብል ብሂላት ነይሩ።ከም ብዓል ኮጂማ ዝኣመሰሉ ክኢላታትን ካልኦትን ነቲ ዝብሃል ፍታሕ ንምንዳይ ክጽዕቱ ጸኒሖም ኢዮም።
''ምስ ካልኦት ተጻወቲ ብዓባይ-ዓባይቶኻ ናይ ተቐባልነት [thumps up] ምልክት ወይ ድማ ናይ ይፈትወካ [likes] ምልክት ብምርእይ ስለትዋሳእ፡ ብዝኾነ ይኹን መንገዲ ብኣሉታ ክትዋሳእ ኣይትኽእልን ኢኻ'' ኢሉ ኮጂማ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን እቶም ተጻወቲ ንኻልኦት ተጻወቲ ዕድል ብምሃቦም እቲ ጌም ካብ ምሉእ ዓለም ምስጋና ክበጽሖ ኢዩ። ''ኣብ ትጻወተሉ እዋን ንኽልኦት ከመይ ጌርካ ከምትሕግዞም ክትሓስብ ትጅመር'' ኢሉ ኮጂማ።

ምንጪ ስእሊ, SONY
እዚ ናይ ኮጂማ ኣተሓሳስባ ክሰርሕ ይኽእል ዶ? ክሳብ እቲ ጌም ናብ ዕዳጋ ዝውዕልን ኣብ ዓለም ዝርከቡ ተጻወቲ ድማ ኣብ ክንዲ ሳም ፖርተር ኮይኖም ክጻወቱ ዝጅምሩ ንምግማቱ ከጸግም ኢዩ።እቲ ጸወታ ጽቡቕ ዲዩ?
ኣስታት 40 ሰዓታት ዝኣክል ተጻዊተ፡ ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረኒ ተመክሮ ኣይኮነን ነይሩኒ። ምኽንያቱ' እዚ ጸወታ'ዚ ብዓነቱን ቅዴ ኣጸዋውትኡን ምስቶም ካልኦት ጸወታታት ንምስርዑ ኣሸጋሪ ኢዩ።
እዚ ጸወታ'ዚ መገሻ፡ ዕንደራን ብሓባር ምጽዋትን ስለዘጠቓልል፡ እዚ ናይ ሂድዮ ኮጂማ ጸወታ፡ እቲ ዛንታ ንምምዕባሉ ኣብቲ ተኣሪሙ ዝወጸ ዓውደ-ፍጻመ ኢዩ ዝይዳ ዝምርኮስ።
እቲ ሕመረት ናይቲ ጸወታ ኣብቲ ታባን ኩርባንና ኣጻድፍን ኣኻውሕን ዝመልኦ ቦታ መልእኽቲ ምትሕልላፍ ክኸውን ከሎ እቲ መስርሕ ብፍላይ ነቶም ቅልጡፍ ጸወታ ዝፈትው ተጻወቲ ኣዝዩ ኣሰልካዪ ክኸውን ይኽእል። እንተኾነ ንኽትዕወት ትዕግስቲ የድልየካ።
ኣብቲ ስቱድዮ ኣብ ዝነበርናሉ እዋን፡ ናይ ኮጂማ ጽልዋ ኣብ ምስያም እቲ ጸወታ ብንጹር የርእየካ። እቲ ምስያም እቲ ጸወታ ኣብ ናይ ሓደ ሰብ ራእይ ዝተመርኮሰ ከምዝኾነ'ውን ትርዳእ።
''ኣብቲ ፈለማ እዋን ነቲ ጸወታ ነቶም መሳርሕተይ ምስኣቕረብኩሎም ኣሉታዊ ርእይቶ ኢዮም ሂቦምኒ። ልኽዕ ከምቲ ኣብ መጀመርታ 90ታት ሓደ ሰላሕታዊ ምንቅስቓስ ዘለዎ ቅዲ ጸወታ ንምስራሕ ኣብዝፈተንኩሉ እዋን ዘጓነፈኒ ዓይነት ርእይቶ ኢዩ ቀሪቡለይ። ምስፈተንዎ ግና እቲ ጸወታ ክርድኦም ጀሚሩ። ካብኡ እቲ መስርሕ ብቕልጡፍ ማዕቢሉ'' ኢሉ ኮጂማ።
''እቶም ነዚ ጸወታ ዝተጻወቱ ሰባት በቲ ጸወታ ክዘናግዑ፡ ስምዒቶም ከለዓዕሎ ወይ ድማ ክትንከፉ ወይ'ውን ክግረሙ ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቲ ካብቲ ጸወታ ዝረኸብዎ ተመክሮ ኣብቲ ሓቀኛ ዓለም ክትግብርዎ ኢዩ'' ኮጂማ ዝደሊ።
ኣብ ሓደ እዋን ናይ ግድን ናብቲ ሓቀኛ ዓለም ክትምለስ ኣሎካ። ንዘልኣለም ክትጻውት ስለዘይትነብር። እቲ ጸወታ፡ ልዑል ኒሕ ዝህብ ይኹን ድኣ'ምበር ነቲ ኒሕ ንምጭባጥ ኣብቶም ኣብ ክንዲ ሳም ፖርተር ብሪጅስ ኮይኖም ዝጻወቱ ተጻወቲ ኢዩ ክምርኮስ።

ምንጪ ስእሊ, SONY







![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
