ዓወት ሊቨርፑል ኣብ ልዕሊ ማንቸስተር ሲቲ 'ነጥቢ-መቐይሮ'ዶ ይኸውን?

ምንጪ ስእሊ, Rex Features
ጋንታ ሊቨርፑል፡ እናደመቐት፡ እናሓየለት ክትከይድ ምጽንሓ ንኹሉ ደጋፊ ኩዕሶ እግሪ ፕሪሜርሊግ ዓዲ እንግሊዝ ርኡይ'ዩ።
እዚ ትማሊ ሰንበት ኣብ ልዕሊ ቀንዲ ተቐናቐኒታ ዝኾነት ማንቸስተር ሲቲ ዝተጓናጸፈቶ ዓወት ግን፡ ነቲ ከተመዝግቦ ዝጸንሐት ዓወታትን፡ በጺሓቶ ዘላ ደረጃን ከይኮለዖ ኣይተረፈን።
ነታ ዓሚ ብሓደ ነጥቢ ቀዲማ፡ ዋንጫ ናይቲ ሊግ ዝዓተረት ሲቲ፡ 3 ብ 1 ኣሰናቢታ፡ ብ8 ጸብለልታ ነጥቢ ኣብ ቅድሚት ኩድጭ ምባላ፡ እቲ ናይ ትማሊ ዓወት 'ነጥቢ መቐይሮ' ከይኮነ ኣይተርፍን ዝብል ሃንቀውታን ትንተናን ፈጢሩ'ሎ።
ይኹን 'ምበር ደገፍቲ ሊቨርፑል፡ ተመኩሮኦም ግዲ ምሂርዎም፡ ንህርፋኖም ደረት ክገብርሉ መሪጾም ኣለዉ።
ምናልባት ብውሽጦም፡ "እዛ ዓመት እዚኣስ ዓመትና'ያ" ይብሉ ይኾኑ- ኣይትሓዞምን'ዩ!
ዓሚ፡ ሊቨርፑል ብ10 ነጥቢ ክትመርሕ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብቲ ኣብ ጥሪ ምስ ማንቸስተር ሲቲ ዝነበራ ግጥም ተሳዒራ ምውጽኣ፡ እታ ዋንጫ ካብ ኢዳ ሰተት ኢላ ክትሞልቕ ምክኣላ ደገፍታ ዘይርስዕዎ ታሪኽ ትማሊ'ዩ።
ብመንጽር እቲ ናይ ሽዑ ድማ'ዩ፡ ነታ ኣብዚ ዓመት'ዚ እውን ትተሃላለኻ ዘላን እግሪ እግራ ክትስዕባ ዝጸንሐትን ሲቲ ናብ ራብዓይ ደረጃ ብምውራድ፡ ኣብ ጥርዚ ተርታ ናይቲ ሊግ ኩድም ምባላ፡ ናፍቖት 30 ዓመት ከተርዊ ትጽቢት ዝግበረላ ዘሎ።
እታ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጎብለል ቻፕዮንስ ሊግ ብምዃን ዋንጫ ዝጨበጠት ሊቨርፑል፡ ቅድሚ 30 ዓመት ፕሪሜርሊግ ምስ ተዓወተት፡ ክሳብ ሕጂ ሃረር ክትብል ጸኒሓ'ላ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ብ26 ነጥቢ እትስዕባ ዘላ ጋንታ፡ ሲቲ ዘይኮነት እታ ኣብ ዓመተ 2015/2016 ንዓለም ዘደነቐ ዓወት ዘመዝገበት ለስተር ሲቲ'ያ።
ሎሚ'ውን፡ ብዝሓሹ ተዓጻወትቲ ዳግማይ ትኣምር ንምፍጻም ትደናደን ዘላ'ያ ትመስል- ሊቨርፑል እንተፍቂዳትላ። ሊቨርፑል ንሲቲ ብ9 ነጥቢ ትመርሓ'ላ።
እቲ ናይ ትማሊ ሰንበት ግጥም ከምቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ፡ ሓያል ህልኽ ዝነበሮን ድራማ ዝተሓወሶን'ዩ ነይሩ።
ብቕዓት ተጻወቲን፣ ኣካታዒ ዳንነት'ውን ኣካል ናይቲ ኣብ ሜዳ ሊቨርፑል (ኣንፊልድ) ዝተኻየደ ርሱን ቅልስ'ዩ ነይሩ።
ክልቲኦም ብሉጻት ኣሰልጠንቲ [ማለት የርገን ክሎፕን ፐፕ ጓርዲዮላን] ዝተጠቕሙሉ ስልትን ጥበብን'ውን ኣብ መድረኽ ዝተፈነሉ ምንባሩ ዘካትዕ ኣይኮነን።
ጓርድዮላ፡ ተጻዋታይ ሊቨርፑል ትረንት ኣለክሳንደር-ኣርኖልድ ብኢዱ ዝተንከፋ ኩዕሶ፡ ፍጹም ቅላዕ ንሲቲ ክወሃብ ነይርዎ ብምባል ቁጥዑኡ ክገልጽ ተራእዩ ነይሩ።
ይኹን እምበር ስዕረት ሲቲ ግን በቲ ዝነበረ ኣካታዒ ቴክኖሎጂ (VAR) ዝተሓወሶ ዳንነት ክመኻነ ኣይክልን'ዩ።
ዋላ'ኳ ተጻወትቲ ጋንታ ማንቸስተር ሲቲ፡ ዝከኣሎም እንተገበሩ፡ እቲ ካብ ኣጥቃዕቲ ሊቨርፑል ዝመጽኦም ዝነበረ ሓያል ማዕበል ዓጋቲ ኣይነበሮን።
እቲ ክሕመ ዝቐነየ፡ ኣጥቃዓይ መሓመድ ሳላሕን ሰኔጋላዊ ሳድዮ ማነን ንተኸላኸልቲ ሲቲ፡ ትንፋስ ከሊኦሞም ኣምስዮም።
ፋቢኖ ኣብ መበል 6 ደቂቕ ብዘገርም ቅላዕ ንልዳት ሲቲ ምስ ደፈሮ፡ ግብጻዊ ሳላሕ'ውን በታ ኣብ መበል 13 ደቒቕ ምስ ሰኪዔት ዝጸንበራ ኩዕሶ፡ ጋንትኡ 2 ብ 1 ክትመርሕ ጌሩዋ።
እቲ ክንድቲ ዝሰርሖ ምስጋና ዘይረክብ ተባሂሉ ዝዝረበሉ ሳድዮ ማነ'ውን ዓስቡ ኣይሰኣነን፤ ኣብ መበል 51 ደቒቕ ኣብ ልዕሊ መቀናቕንቱ ብምውጻእ ብርእሱ ዘመዝገባ ሸቶ፡ ንተስፋ ተጻወቲን ደገፍቲን ሲቲ ዘማህመነት'ያ ነይራ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ድሕሪ'ዚ እውን እንተኾነ ተጻወቲ ሲቲ፡ ነቲ ዘንጸላለዎም ደበና ስዕረት ንምቕንጣጥ ዝከሎም'ዮም ጽዒሮም። ግዜ ግን ኣብ ጎኖም ኣይነበረን።
ሊቨርፑል'ውን፡ መጥቃዕትታቶም ብምፍናዉ ከይተረፈ ይከላኸሉ ነይሮም።
ሓቂ'ዩ፡ ኣብ መበል 78 ደቒቕ ቤርናርዶ ሲልቫ መምለሲ እግሪ እትኸውን ሸቶ ኣመዝጊቡ'ዩ።
ኣርእሰተ ዜና ናይቲ ምሸት ይኹን፡ ሎሚ ኣብ ዝነበረ ጸብጻብ ግን፡ 'ሊቨርፑል ካብዚ'ኸ ናበይ' ዝብል መቓልሕ'ዩ ዓብሊሉዎ ዘሎ።
ኣሰልጣኒ ሊቨርፑል፡ የርገን ክሎፕ፡ ድሕሪ'ቲ ግጥም ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ይበል ጸወታ'ዩ ነይሩ። ንሲቲ ክትስዕራ እንተኴንካ፡ ፍሉይ ነገር ክትገብር ኣለካ። ቅልጣፈ ክንሕውስ ነይሩና" ብምባል፡ ነቲ ጋንትኡ ዝተጠቕመትሉ ስልቲ ገሊጹ።
ፐፕ ጓርዲዮላ ብወገኑ፡ ተጻወቱ ዝከኣሎም ከም ዝገበሩ'ዩ ተዛሪቡ።
"ዝድነቕ ጸወታ ኢና ኣርኢና፡ ኣብዚ ስታዲየም እዚ መጺአን ከምዚ ዘርኣናዮ ጸወታ ዝተጻወታ ጋንታታት ኣይፈልጥን። ኣብ ሕዳር ኢና ዘለና፡ [ኣብ መወዳእትኡ] እንታይ ከም ዝኸውን ክንርኢና" ብምባል፡ ጓርድዮላ ገና ተስፋ ከም ዘይቆረጸ ኣሚቱ'ሎ።
ጸወታ መን ዓብለለ ብዝብል እንተሪኢናዮ፡ ሲቲ 55 ሚኢታዊት እቲ ጸወታ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽራ'ዩ ነይሩ። ሊቨርፑል 45 ሚኢታዊት ምቁጽጻር ኩዕሶ ጥራይ ምምዝጋባ ንባዕሉ ንዝተጠቕምሉ ስልቲ ዘርኢ ከይኮነ ኣይተርፍን።
ተጻወቲ ሊቨርፑል 5 ኳዓሳሱ ኣብ ልዳት ክፍትኑ እንከለዉ፡ ብወገን ሲቲ ናብ ሓለዊ ልዳት ሊቨርፑል ዘቕንዓ ግን 3 ጥራይ እየን ነይረን።
ኣጥቃዕቲ ሲቲ፡ ራሂም ስተርሊንን ሰርጂዮ ኣውጌሮን ዝሰሓትወን ፈተነታት ንጓርድዮላ ዘጉሃያ'የን ነይረን።
ዝቕጽል ጸወታ ማንቸስተር ሲቲ፡ ምስታ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ እትርከብ ቸልሲ ክኸውን'ዩ። ሲቲ፡ ነቲ ምስ ሊቨርፑል ዘለዋ፡ ናይ ነጥቢ ፍልልይ ንምጽባብ ኣቶኲራ ከም እትሰርሕ ፍሉጥ'ዩ።
ሊቨርፑል፡ በቲ ሒዛቶ ዘላ መንገዲ እንተ ቐጺላን፡ ተጻወታ ካብ መጉዳእቲ ናጻ ኮይኖም ክቕጽሉ እንተኺኢሎም ግን፡ ዝኾነ ሓይሊ ደው ዘብሎም ኣይመስሉን።
ክሎፕ፡ ንድኹም ጎኒ ሲቲ መዝሚዙ ዘተኣማምን ዓወት ኣብ ልዕሊ ቀንዲ ተቓናቓኒኡ ምጭባጡ፡ ርእሰ-ተማንነት ጋንቱኡ ዘዕቢ'ዩ።
ሊቨርፑል፡ ክሳብ ሕጂ ካብ ዘካየደተን 12 ግጥማት፡ ሓንሳብ ጥራይ'ያ ማዕረ ወጺኣ፡ ዝተረፈ ኩሉ ብዓወታ'ያ ዛዚማቶ።
ስለዚ፡ ናይ 30 ዓመት ሃንቀውትኣ ክዉን ክትገብሮ እንተ ደልያ፡ ሓንቲ ጋንታ ጥራይ'ያ ኣብ ቅድሚኣ ዘላ- ባዕላ ሊቨርፑል።
ንጸብለልትኣ ትዕቅቦዶስ ወይ ከምቲ ናይ ዓሚ፡ ንድሕሪት ትምለስ፡ ኣብ መንፈስን ኒሕን ተጻወቲ እታ ጋንታ ዝምርኮስ'ዩ ክኸውን።

ምንጪ ስእሊ, PA Media






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
