መገዲ ኣየራት ልዕሊ ድሕነት ከባቢ ትርፊ የቐድሙ ኣለዉ - ተጣበቕቲ

ነፈርቲ
Published

መገዲ ኣየራት፡ ነፈርቲ መጠን ኣየር ዝብክሉ ጋዛት ክውስኽ ዝገብር ሕልፊ መጠን ነዳዲ ከምዝመልኡወን ተገሊጹ።

እቲ ዝኽዘን ሕልፊ ነዳዲ እተን ነፈርቲ ኣብቲ ዝዓርፋሉ ቦታ ከይደን ነዳዲ ንምምላእ ክኸፈለኦ ዝኽእላ ቐረጽ ንምንካይ እዩ።

እዚ ተግባር ድማ ክንዲ ሓንቲ ከተማ ዓመታዊ ናብ ከባቢ ኣየር እትሰዶ በካሊ ጋዝ ከምዝኾነ ይግለጽ።

ንስራሕ፣ ድሕነትን ዋጋ ምንካይን ተባሂሉ መጠባበቒ ነዳዲ ምምላእ ዝተለመደ ምዃኑ መገዲ ኣየር ብሪትሽ ይገልጽ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ነፈርቲ ብዝኽዝነኦ ተወሳኺ መጠን ነዳዲ፡ 18 ሽሕ ቶን ተወሳኺ መጠን በካሊ ጋዝ ካርቦን ዳይ ኦክሳይድ ናብ ከባቢ ኣየር ከምዝሰደዳ ጸብጻብ ቢቢሲ ፓኖራማ የመላኽት።

እንተኾነ እቲ ኣብ ሓንቲ ጉዕዞ ዝግበር ዘድሕንዎ መጠን ወጻኢ ካብ 10 ፓውንድ ዘይክበዝሕ ይኽእል እዩ።

ኣብ ኣውሮጳ ኣብ ዝግበሩ በረራታት ጥራሕ፡ ክንዲ ሓንቲ 100 ሽሕ ህዝቢ ዝነብረላ ከተማ ክተውጸኦ እትኽእል መጠን በካሊ ጋዝ ናብ ከባቢ ኣየር ክውጽእ ይገብር።

ነዳዲ እትመልእ ነፋሪት

ፈጻሚ ስራሕ ግሪንፒስ ዩከይ ዝኾነ ጆን ሳዉቨን፡ እዚ ተግባር ''ልዕሊ'ታ እንነብረላ ዓለም፡ ትርፊ ናይ ዘቐድሙ ትካላት ኣብነት'' ከምዝኾኑ ይገልጽ።

''መጠን መገዲ ኣየራት ዘውጽእዎ በካሊ ጋዝ ንምቕናስ ጥቡቕ ቁጽጽር ምግባር የድሊ። ከባቢ ኣየር እናበከልካ ገንዘብ ምርካብ ክሳብ ዝተኽኣለ፡ ክንዲዝኸኣሉዎ መጠን ኣየር ክብክሉ እዮም'' ኢሉ።

ገለ ነቐፍቲ ድማ እዚ ተጋባር እቶም መገዲ ኣየራት ናብ ከባቢ ኣየር ዝልእኽዎ መጠን በካሊ ጋዝ ንምቕናስ ንሰርሕ ኣለና ንዝብልዎ ስራሕ ዝጻረር ከምዝኾነ ይዛረቡ።

ጆን ሳውቨን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ጆን ሳውቨን

በዓል ዋና ብገዲ ኣየር ብሪትሽ ዝኾነ ኣይኤጂ፡ ኣብ ምክልኻል ብከላ ሓለፋ ክስርሕ ዝደሊ ትካል ከም ዝኾነ እዩ ዝገልጽ።

እንተኾነ እቲ ትካል ነፈርቱ ክሳብ ሽዱሽተ ቶን ዝኸውን መጠን ትርፊ ነዳዲ ክጽዕና ከምዝገበረ ዝገልጹ መረዳእታታት ከምዝረኽበ ቢቢሲ ፓኖራማ ይገልጽ።

ነፍርቲ መጋዲ ኣየር ብሪትሽ ካብ ትርፊ ነዳዲ ክርከብ ዝኽእል መጠን ትርፊ ዘስልሕ ሶፍትዌር ከምዝለወን እዩ ዝንገር።

ከም ጽብጻብ ፓኖራማ፡ እቲ ነፈርቲ መገዲ ኣየር ኣብ ቀረባ እዋናት ናብ ጥልያን ኣብ ዝገበረኦ በረራታት ጥራይ ክሳብ ሰለስተ ቶን ዝኸውን ትርፊ ነዳዲ መሊአን እየን።

እቲ ተወሳኺ ክብደት ሓንቲ ነፋሪት ተወሳኺ 600ሽሕ ኪሎ ግራም ካርቦን ዳይ ኦክሳይድ ናብ ከባቢ ኣየር ክትሰድድ ዝገብር እዩ።

ኣብዚ ጉዕዞ እዚ ዘድሐንዎ ወጻኢ ግን 40 ፓውንድ ጥራሕ እዩ።