ኣብ ትግራይ ብኣስታት 3.8 ቢልዮን ብር መገዲ ኣየር ከም ዝጣየሽ ተገሊጹ

Published
ኣብ ትግራይ ብኣስታት 3.8 ቢልዮን ብር፡ 'ኖርዝ ስታር' ዝተብሃለ መገዲ ኣየር ክጣየስ እዩ ተባሂሉ።
እቲ መንገዲ ኣየር፡ ኣብ ኣመሪካ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ምስ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝርከቡ ብሓባር ዘጣይሽዎ ትካል ከምዝኾነ'ውን ተገሊጹ።
"134 ሚልዮን ዶላር ኣመሪካ (ኣስታት 3.8 ቢልዮን ብር) ዓቕሚ ክህልዎ እዩ" ኢሎም ሓደ ካብ መስረትቲ እቲ ትካል ኣይተ መኮነን በየነ።
'ኖርዝ ስታር' ብኽልተ መገዲ፡ መሰረቱ ኣብ መቐለ ክኸውን ከምዝተሓረየ ኣረዲኦም።
እቲ ሓደ፡ መቐለ ዓለምለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ስለዘለዋ፡ ብኻልኣይ ደረጃ ድማ መቐለ ናብ ኤርትራ ብዘለዋ ቅርበት ከምዝኾነ ኣይተ መኮነን ንቢቢሲ ተዛሪቦም።
እቲ ትካል ምስተጣየሸ፡ ማእኸል መሰልጠኒ ሲቪል ኣቭየሽን፣ መሰልጠኒ ሰብ ሞያ ፅገና፣ ከምኡ ድማ ናይ ሰብን ፅዕነትን መንገዲ ኣየር ክህልዎ እዩ።
ብመሸጣ ብርኪ (ሼር) ዝምስረት ኮይኑ "ካብ ሓረስቶት ክሳብ ሰብ ሃብቲ ክሳተፍሉ እዮም" ኢሎም።
ስርሑ ብዕሊ ንምጅማር ድማ፡ ኣብ ቀረባ እዋን መረፃ ኣባላት ቦርድ ከካይድ ምዃኑ ኣይተ መኮነን ኣብሪሆም።
ናብ ተግባራዊ ስራሕ ንምእታው ካብ ሓደ ክሳብ ሰለስተ ዓመት ከምዝሓትት ወሲኾም ገሊጾም።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
