ኣብ ሕዛእቲ ቃፍታ ሸራሮ ዝኣተወ ሕማም እንስሳ ዘገዳም ይቐትል ኣሎ

ኣብ ሕዛእቲ ቃፍታ ሸራሮ ዝኣተወ ሕማም፡ ንእንስሳ ዘገዳም ይቐትል ኣሎ። በዚ ሕማም፡ ብብዝሒ ተጸልየን ዘለዋ እንስሳት ዓጋዘን እየን።
ዛጊት ቁጽሪ ናይተን ዝሞታ ዓጋዘን ኣይተፈልጠን። ብርክት ዝበላ ሓሚመን ምህላወን፡ ገለ ድማ ከም ዝሞታ ግን ናይቲ ሕዛእቲ በዓል ሞያ ኣይተ ሃፍቶም ሓጎስ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
እቲ ሕማም ኤፍኤምዲ ዝበሃል ምዃኑ ዝገለጸ ኣይተ ሃፍቶም፡ ንእንስሳት ዘቤት እውን ዘጥቅዕ ሕማም ምዃኑ ይዛረብ። በዚ ሕማም ዝተጠቅዓ እንስሳታት፡ ኣብ ከባቢ እዝነነን መቐመጨአንን ቆሲለን ይረኣያ።
"እዝነንን መቐመጭአንን ይቖስል ኣሎ። ዝሞታ እንስሳት ዓጋዜን'ውን ኣለዋ። ሓኪምን መድሃኒት ዝወሃበሉ ኩነታትን የለን። እቲ ኩነታት ኣዝዩ ዘስግእ'ዩ" ኢሉ ኣይተ ሃፍቶም።
ኣብቲ ሕዛእቲ ዝበጽሐ ናይ ቢቢሲ ትግርኛ ሪፖርተር እውን ዝሓመመት ዓጋዘን ርእዩ እዩ። እታ ዓጋዘን፡ እዝና ቆሲላን ንምንቅስቓስ ተጸጊማን ተዓዚቡ።
እቲ ሕዛእቲ ንጥዕና እተን እንስሳት ዝከታተል ሓኪም ስለ ዘይብሉ ድማ ሻቕሎት ፈጢሩ'ሎ።

ሕዛእቲ ቃፍታ ሸራሮ፡ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዝርከብ ኮይኑ፡ ኣስተት 200 ሽሕ ሄክታር ስፍሓት ከም ዘለዎ ሰብ ሞያ ይገልጹ።
ኣብቲ ሕዛእቲ፡ ሓራምዝን ዓጋዘንን ብብዝሒ ይርከብዎ።
ኣስታት 42 ዓይነት መጥበውቲ እንስሳት፡ 200 ዓሌት ኣዕዋፍን 9 ዓይነት ለመምታ እንስሳትን ከም ዘለው ኣይተ ሃፍቶም ይዛረብ።
እንተኾነ፡ ኣብዚ ሰሙን ብዝተፈላለየ ኣንፈት እቲ ፓርክ ዝተልዓለ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ፡ ኣብ ልዕሊ እጽዋትን ካልኦት ትሕዝቶታትን እቲ ፓርክ ጉድኣት ከም ዘብጽሐ ይፍለጥ።
እቲ ብሰኑይ ኣጋምሸት ብሸነኽ ኣደባይ ዝተልዓለን ክሳብ ትማሊ ድሕሪ ቐትሪ ዝቐጸለን ባርዕ፡ 1,500 ሄክታር እቲ ሕዛእቲ እንተቃጽል፡ ትማሊ ኣጋግዘ ምጥፋእን ምቁጽጻርን ከም ዝተኽኣለ ተገሊጹ'ዩ።
ይኹን'ምበር፡ ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ብኣንፈት ዓዲ ጎሹ ባርዕ ተላዒሉ።
እዚ ባርዕ እውን ጸኒሑ ከም ዝጠፍአን፡ ካብቲ ናይ ኣደባይ ንዝወሓደ እዋን ስለ ዝጸንሐ፡ ጉድኣቱ እውን ዝነኣሰ ከም ዝኾነ እዮም ሰብመዚ እቲ ፓርክ ንቢቢሲ ገሊጾም።
ኣብዚ ሕዛእቲ በብእዋኑ ሓደጋ ባርዕ የጋጥም። ገለ እዋናት "ዳርጋ ፍርቂ እቲ ሕዛእቲ" ከም ዝቃጽል ይግለጽ።
እንተኾነ፡ ኣብቲ ሕዛእቲ ኩሉሻብ ስግኣት ባርዕ ኣሎ። ብፍላይ ድማ ባርዕ ኣጋጢሙ እንተጸኒሑ፡ ኣብ ዓበይቲ ኣግራብ ዝጸንሐ ዘይጠፍአ ሓዊ መሊሱ ካልእ ባርዕ ናይ ምልዓል ተኽእሎ ኣለዎ።
መንቀሊ እቲ ባርዕ እንታይ እዩ?
ሕዛእቲ ቃፍታ ሸራሮ ሓጹር የብሉን። ብዝሒ ነቲ ሕዛእቲ ዝሕልዉ 'ስካውት' እውን ምስ ስፍሓቱ ክነጻጸር ከሎ ውሑድ እዩ።
እዚ ብፌደራል መንግስቲ ዝመሓደር ሰፊሕ ሕዛእቲ፡ ብኣስታት 68 ሰብሞያ እዩ ዝመሓደር። ጸገም ከጋጥም ከሎ፡ ናይቲ ከባቢ ምሊሻ ንሓገዝ ይኣቱ።
ናብቲ ሕዛእቲ፡ ጓሶት፣ ዓደንቲ ወርቂን መፍሐምቲን ይኣትው እዮም። መንቀሊ ናይቲ ባርዕ፡ እዞም ናብቲ ሕዛእቲ 'ሕጊ ጥሒሶም' ዝኣትዉ ሰባት ከምዝኾኑ ሰብሞያን ነበርቲ ናይቲ ከባብን ይዛረቡ።
እቲ ኣብ ቀረባ መዓልታት ዝተልዓለ ባርዕ፡ ኣብ ኣግራብ ናይቲ ሕዛእቲ ንዝርከብ መዓር ክብርብሩ ሓዊ ዘሳወሩ ጓሶት ዘልዓልዎ ከምዝኾነ፡ ኣይተ ሃፍቶም ይገልጽ።

ናብቲ ሕዛእቲ በጻሕቲ ዓዲ ይመጽኡ ዶ?
ሕዛእቲ ቃፍቶ ሸራሮ፡ ምስ ኤርትራ ዝዳወብ እዩ።
በቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝጸንሐ 'ዘይሰላማዊ' ኩነት ድማ ቁጽሪ በጻሕቲ ተገዲቡ ምጽንሑ ኣይተ ሃፍቶም ይገልጽ። ካብ ግዜ ናብ ግዜ ግን፡ ቁጽሪ በጻሕቲ ይመሓየሽ ኣሎ እዩ ዝብል።
እንተኾነ፡ እቲ ሕዛእቲ ንበጻሕቲ ብዝጥዕም መልክዑ ኣይተዳለወን። ክረምትን ሓጋይን ከገልግል ዝኽእል መገዲ እኳስ ገና ሕዚ እዩ ይህነጽ ዘሎ።
ርክብ ቴሌፎን፡ ሕዚ'ውን እንተኾነ ኣብ ውሽጢ እቲ ሕዛእቲ ኣይሰርሕን።
እዚ ኮይኑ ግን፡ ኣብቲ ሕዛእቲ ዘሎ ሃፍቲ 'ቆጺርካ ኣይውዳእን' ይብሉ ደቂ ዓዲ።
ቃፍታ ሸራሮ፡ ብእንስሳ ዘገዳም ጥራይ ዘይኮነስ፡ 'ብብዝሃ ህይወት' እውን ሃፍታም ምዃኑ ሰብሞያ እቲ ሕዛእቲ ይገልጹ።







![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
