ቤትምኽሪ ጆሃንስበርግ ብቢትኮይን ክኸፍል ዝተሓተቶ መበጆ ነጺጉዎ

ምንጪ ስእሊ, Twitter/Joburg Finance
ሰብ መዚ ዝዓበየት ከተማ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ጆሃንስበርግ፡ ነቲ ብሰርሰርቲ ዝተሓተተ፡ ኣርባዕተ ቢትኮይን (34,000 ዶላር) መበጆ ከም ዘይከፍሉ ኣፍሊጦም። መርበብ እታ ከተማ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን እዩ ኣብ ኢድ ሰርሰርቲ ኣትዩ።
ምምሕዳር እታ ከተማ፡ ብሰኑይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ነቲ መርበብ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ቁጽጽሩ ከም ዘእትዎ ኣፍሊጡ ነይሩ።
እቲ መጥቃዕቲ ምስርሳር፡ ኣብ ልዕሊ ስርዓተ ክፍሊት እታ ከተማ ሃስያ ኣውሪዱ ኣሎ።
ኣባል ኮሚተ ምምሕዳር ከተማ ጆሃንስበርግ ዝኾነት ፉንዜላ ጎቤኒ "ብቢትኮይን ክኽፈሉ ንዘቕረብዎ ጠለብ፡ እታ ከተማ ኣይክተማልእን'ያ፤ እቲ ስርዓት ምሉእ ብምሉእ ናብ ስራሕ ከም እንመልሶ ርግጸኛታት ኢና" ክትብል ብሰኑይ ንጋዜጠኛታት ተዛሪባ።
ንሳ ወሲኻ "ንገለ ካብቶም ኣዝዮም ኣገደስቲ ስርዓታት ናብ ስራሕ ከም ዝምለሱ ክንገብር ከኢልና ኣሎና" ኢላ።
ብ 24 ጥቅምቲ ነቲ ጠለብ ዘቕረቡ እቶም ሰርሰርቲ፡ ክሳብ 28 ጥቅምቲ ሰዓት 17፡00 ክኽፈሎም ከም ዝሓተቱ፡ ኒውስ 24 ዝተብሃለ መርበብ ዜና ጸብጺቡ።
እቶም ሰብ መዚ፡ እቲ ናይ ሳይበር ምስርሳር ካበይ ከም ዝተኻየደ ክፈልጡ ከም ዝኸኣሉ ይዛረቡ።
ኣዛዚ ረቂቕ መርመራታት እታ ከተማ ሻድራኽ ሲባያ፡ "እቲ መጥቃዕቲ ካበይ ከም ዝተኻየደ ፈሊጥና ኣሎና፤ እንተኾነ ግና፡ ኣብዚ እዋን ዝኾነ ዝርዝር ኣይከነውጽእን ኢና፡ ነዚ ኣብ ኢድ እቶም ሰብ መዚ ሓዲግናዮ ኣሎና" ኢሉ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
