እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ደቡብ ኣፍሪካ ብፍቓዱ ካብ ሓላፍነቱ ወሪዱ
ፈላማይ ጸሊም መራሒ እቲ ዝዓበየ ተቓዋሚ ሰልፊ ደቡብ ኣፍሪካ፡ 'ኣፍሪካ ደሞክራቲክ ኣልያንስ' ብፍቓዱ ካብ ሓላፍነቱ ወሪዱ።
ሙሲ ማማይነ ክንድዝከኣል ጻዕሪ እኳ እንተገበረ፡ እቲ ባህላዊ ናይ ጸዓዱ ሰልፊ ክብል ዝገለጾ ውድብ፡ ሓድነት ዘለዋ ደቡብ ኣፍሪካ ንምፍጣር እቲ ዝሓሸ ኣይኮነን ኢሉ።
ሙሲ ማይማነ ኣባል ፓርላማ ኮይኑ ዝቕጽል እንትኾን፤ ኣብዚ ሰሙን ካብ ሓላፍነት እቲ ፓርቲ ንባዕሉ ዘግለለ ካልኣይ ፍሉጥ ፖለቲከኛ እቲ ሰልፊ እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ፡ ፈላማይ ጸሊም ከንቲባ እቲ ሰልፊ፡ ምስ ዘርኣውነት ብዝዛመድ ጉዳያት ካብ መዝነቱ ንባዕሉ ክኣሊ ክኢሉ እዩ።
ሙሲ ማይማነ ፡ እቲ ፓርቲ ኣብ 2017 ንባዕዳዊ መግዛእቲ ዘለዋ ኣደናቖት ብምግላጻ ሓያል ቁጠዐ ኣልዒላ ዝነበረት ኣባል እቲ ሰልፊ ሄለን ዚለ ናብ ዝለዓለ ሓላፍነት ምምዛዙ ስዒቡ፡ ነቲ ውሳነ ከምዝወሰነ ገሊጹ። እዚ ንናተይ እምነት ንዝቃወሙ ሰባት ዓብዪ ዓወት እዩ ይብል።
ኣቦ መንበር ፌደራል ደሞክራቲክ ኣልያንስ ኣቶል ትሮሊፕ ብወገኑ፡ ኣብቲ ሰልፊ ጸገማት ከም ዘለዉ ይዛረብ።
ማይማነ ካብ ሓላፍነቱ ንዓርሱ ዘግለለ፡ ኣብቲ ንኣርባዕተ ዓመታት ዝመርሖ ሰልፊ እምነት ስለ ዝሰኣነ ከም ዝኾነ እዩ ዝዛረብ።