ኣብ ኣፍሪቃ ጽፈት ትምህርቲ 'የንቆልቁል' ኣሎ ተባሂሉ

Published

ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ኣፍሪቃ ዘሎ ጽፈት ትምህርቲ የንቆልቁል ከም ዘሎ ብሞ ኢብራሂም ዝተባሃለ ትካል ዝተገበረ ሰፊሕ መጽናዕቲ የረድእ።

እዚ ብሞ ኢብራሂም ዝተባሃለ ትካል ዝተገበረ ሰፊሕ መጽናዕቲ፡ ኣፍሪቃውያን ሃገራት፡ ተማሃሮአን ናብ ኮሌጃትን ናብ ዩኒቨርስታትን ንምእታው ዝኽተለኦ ኣገባብን፡ ኣብተን ኮሌጃትን ዩኒቨርስታትን ዘሎ ድኩም ብቕዓትን ንብዙሓት ኣፍሪቃውያን ሕማም ርእሲ ኮይኑ፡ ብደረጃ ዓለም ተወዳደርቲ ካብ ምኳን ከምዝዓንቀጾም ይገልጽ።

እቲ መጽናዕቲ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ዘሎ ህዝቢ እቲ ዝበዝሐ ኣብ ክሊ ዕድመ 15 ዓመት ከም ዝርከብ ብምምልካት፡ እቲ ጽፈት ትምህርቲ ካብዚ ዘለዎ ዝያዳ ክብእስ ከምዝኽእል ኣብ ዝጽሓፎ ለበዋ፡ ትምበይኡ ኣስፊሩ።

እዚ ብሞ ኢብራሂም ዝተባሃለ ትካል ዝተገበረ ሰፊሕ መጽናዕቲ፡ ኣብ ገለ ሃገራት ኣብ ጥዕናን ኣብ ንጥዕናዊ ዕብየትን ኣድላዩ ዝኾነ መግቢ ኣብ ምቕራብ እኳ ጽቡቕ ግስጋስ እንተኣርኣያ፡ ሓፈሻዊ፡ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ቁጠባዊ ዕብየት ንዜጋታተን ዕድላት ኣብ ምፍጣር ለውጢ ከምዘየርኣያ ጠቂሱ።