እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣልማዝ ኣያናን ሞ ፋራህን፡ ምሰ ብሉፃት ተወዳደርቲ ኣትሌታት እዚ ዓመት ተመሪጾም
መረፃ ብሉፅ ኣትሌት እዚ ዓመት ንክዛዘም 18 መዓልታት ኣብ ዝተረፈሉ እዋን ካብ ደቂ ኣንስትዮ ኢትዮጵያዊት ኣልማዝ ኣየና፡ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ድማ ኢንግሊዛዊ ሞ ፋራህ ኣብ ናይ መወዳእታ ደረጃ በጺሖም።
ግሪካዊት ኤካትሪኒ ስቴፋኒዲን ቤልጄማዊት ናፊሳቶ ቲያምን ተነሓናሕቲ ኣልማዝ ኮይነን እንትቐርባ፡ ሙታዝ ኢሳን ባርሺምን ካብ ቀጠር ከምኡ እውን ዌይድ ቫን ካብ ደቡብ ኣፍሪቃን ድማ ምስ ሞ ፋራህ ዝወዳደሩ ኣትሌታት ምዃኖም፡ ዓለም ለኸ ማሕበር ኣትሌቲክስ ፌዴሬሽን ኣፍሊጡ።
ኣብ 5 ሽሕን 10 ሽሕን ሜትር እትጎዩ ኣልማዝ፡ ሎሚ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም፡ ኣብ ናይ 10 ሽሕ ሜትር ውድድር ቀዳመይቲ፣ ኣብ ናይ 5 ሽሕ ሜትር ከኣ ካልአይቲ ብምውፃእ ተሸላሚት ምዃና ይዝከር።
ኣልማዝ ተዓዋቲት ብልፅቲ ኣትሌት ደቂ ኣንስትዮ ዝሓለፈ ዓመት ነይራ።
ብኻልእ ወገን ድማ፡ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ለንደን ብ10 ሽሕ ሜትር ዝተዓወተ ትውልደ ሶማሊያ ኢንግሊዛዊ ሞ ፋራህ ምስ ኒከርክን ባርሺምን ክወዳደር እዩ።
ወዲ 34 ዓመት ሞ ፋራህ፡ ካብ ውድድር ትራክ፡ ንባዕሉ ብምግላል ገፁ ናብ ማራቶን ከምዝገበረ እናተገለፀ እዩ።
ተዓወቲ ብሉፃት ኣትሌታት እዚ ዓመት፡ 15 ሕዳር 2010 ኣብ ሞናኮ ኣብ ዝካየድ ምድላው ዕላዊ ክግበር እዩ።