'ዳግማይ ላምፐዱሳ'፡ 8 ቆልዑ ዝርከብዎም ሓያሎ ስደተኛት ሃለዋቶም ኣይተፈልጠን

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ኢጣልያ፡ ደሴት ላምፐዱሳ ብዘጋጠመ ሓደጋ ምጥሓል ጃልባ፡ ሬሳ ናይ 13 ደቂኣንትስትዮ ከም ዝተረኽበ ሓለዋ ባሕሪ ኢጣልያ ገሊጾም።
ሓያሎ ካልኦት ግን ሃለዋቶም ኣይተፈልጠን ተባሂሉ። ካብቶም ዛጊት ሃለዋቶም ዘይተፈልጠ ግዳያት፡ ብውሕዱ 8 ቆልዑ ከም ዝርከብዎም ተገሊጹ።
ኣብ መንጎ እተን ሬሳአን ዝተረኽበ ደቂ-ኣንስትዮ ነፍሰጾራት ከም ዝርከብአን ተፈሊጡ'ሎ። መንነት ናይቶም ግዳያት ግን ኣይተነጸረን ዘሎ።
ዛጊት 22 ስደተኛታት ካብቲ ሓደጋ ብሂወት ከም ዝደሓኑን፡ ናብታ ደሴት ተወሲዶም ከም ዘለዉን ጸብጻባት ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።
ዋላኳ ሓለዋ ባሕሪ ነታ ጃልባ ንምድሓን እንተፈተኑ፡ ብሰንኪ ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ሕማቕ ኩነታት ኣየር ክትጥሕል ከም ዝኸኣለት ሰብመዚ ኢጣልያ ተዛሪቦም።
ማዕከናት ዜና ኢጣልያ ከም ዝበልኦ እንተኾይኑ፡ እታ ጃልባ 50 ሰባት ጽዒና ካብ ገምገም ባሕሪ ቱኒዝያ ዝተበገስት'ያ።
ኣብ ተመሳሳሊ እዋን፡ ኦፐን ኣርምስ ዝተባህለ ማሕበር ግብረሰናይ፡ 40 ስደተኛታት ካብ ሓንቲ ኣብ ሓደጋ ዝኣተወት ጃልባ ከም ዘድሓነ ሓቢሩ።
ብ3 ጥቀምቲ 2013 ሂወት ኣማኢት ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ዝቐዘፈ ምጥሓል ጃልባ ኣጋጢሙ ምንባሩ ይዝከር። ሓያሎ ኤርትራውያን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ነቲ ዘሕዝን ፍጻመ ዘኪሮሞ'ዮም።
ኣብ ውሽጢ እዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ጥራይ፡ ንማእከላይ ባሕሪ ክሰግሩ ዝፈተኑ ልዕሊ 1000 ስደተኛታት ከም ዝሞቱ ጸብጻባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት የረድኡ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
