እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ን 17 ዓመታት ብፖሊስ ክህደን ዝጸንሐ ሰብ፡ ኣብ በዓቲ ተሓቢኡ ተረኺቡ
ፖሊስ ቻይና፡ ን 17 ዓመታት ካብ ፖሊስ ክሃድም ንዝጸንሐ ውልቀሰብ ኣብ ቀይዲ ኣእትዩ። ፖሊስ፡ ነቲ እዚ ውለቀ ሰብ ተሓቢእሉ ዝነበረ በዓቲ ንምርካብ፡ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት'ዮም (ድሮን) ተጠቒሞም።
እቲ ሶንግ ጂያንግ ዝበሃል ወዲ 63 ዓመት ውልቀሰብ፡ ብዘይሕጋዊ ምዝውዋር ደቂኣንስትዮን ህጻናት ተኣሲሩ ዝነበረ ኮይኑ፡ ኣብ 2002 እዩ ካብ ቤት ማእሰርቲ ኣምሊጡ።
ንዓመታት፡ ሰብ ኣብዘይረኽቦ በዓቲ ተሓቢኡ ኣሕሊፍዎ።
ፖሊስ፡ ብዛዕባ'ቲ ተሓቢእሉ ዝነበረ ቦታ ኣፋፍኖት ዝረኸቡ ኣብ መጀመርታ ወርሒ መስከረም ነይሩ።
እቲ ውልቀሰብ፡ ኣብ ጥቓ ትውልዲ ዓዱ፡ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ቻይና ኣብ ዝርከብ ጎቦታት እዩ ተሓቢኡ ነይሩ።
ፖሊስ ልሙድ ኣለሻታት ከካይዱ ጸኒሖም ኣይቀንዖምን። ብድሕሪ'ዚ እዮም ብሰብ ኣልቦ ነፋሪት ነቲ ከባብታት ክፍትሽዎ ጀሚሮም።
ሽዑ ድማ፡ ኣብ ማእከል ኣግራብ ሰማያዊ ዚንጎን ጓሓፍን ክርእዩ ክኢሎም።
ፖሊስ ናብቲ ከባቢ ብእግሮም ምስኣተዉ ድማ፡ ሶንግ ኣብ ንእሽቶ በዓቲ ተሓቢኡ ረኺቦምዎ።
ፖሊስ ከምዝበሎ፡ እቲ ውልቀሰብ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ተነጽሎ ስለዝጸንሐ፡ ምስ ፖሊስ ክረዳዳእ ኣዝዩ ከቢድዎ ነይሩ።
ሶንግ፡ ዝስተ ማይ ካብ ሩባ ብጎማ ይሓውር (ይወርድ) ምንባሩን፡ ጨናፍር ኣግራብ ተጠቒሙ ድማ ሓዊ የሳውር ምንባሩን ተገሊጹ።
ፖሊስ ምስሓዝዎ፡ ናብ ቤት ማእሰርቲ እዮም ኣእትዮምዎ።