እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቀብሪ ሮበርት ሙጋቤ: ፕረዚደንት ዚምባብዌ ነበር ኣብ ካቱና ተቐቢሩ
Published
ፕረዚደንት ዚምባብዌ ነበር ሮበርት ሙጋቤ፡ ካብ ዝመውት ድሕሪ ሰለስተ ሰሙን፡ ኣብታ ዝተወለደላ ካቱና እትበሃል ዓዲ ተቐቢሩ።
ኣብ መበል 95 ዓመቱ ዝዓረፈ ሙጋቤ፡ ኣብ መረባ ናይቲ ኣብ ካቱና ዝርከብ ቤቱ እዩ ተቐቢሩ።
እታ ካቱና እትበሃል ሙጋቤ ዝተወለደላ ዓዲ፡ ካብ ሃራሬ ኣብ 90 ኪሎሜትሮ ርሕቐት'ያ ትርከብ።
ሙጋቤ፡ 6 መስከረም፡ ኣብ ሲንጋፖር ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል እዩ ዓሪፉ።
ስድራ ቤቱ፡ ቀብሪ ሮበርት ሙጋቤ ኣበይ ክፍጸም ኣለዎ ብዝብል ምስ መንግስቲ ክሰሓሓቡ ቀንዮም እዮም።
ሚኒስተራት፡ ሬሳ ሙጋቤ ኣብቲ ኣብ ከተማ ሃራሬ ዝርከብ መቓብር ሓርበኛታት ክዓርፍ ድልየት ነይርዎም።
ስድራ ቤቱ ግን፡ ሙጋቤ ኣብ ትውልዲ ዓዱ ኣብ ጥቓ ነብሲሄር ኣዲኡ ክቕበር'ዩ ዝደሊ ኢሎም።
ኣብቲ ኣብ ካቱና ዝተፈጸመ ቀብሪ ዝተረኸበ ላዕለዋይ በዓል መዚ ኣይነበረን። ሬሳ ሮበርት ሙጋቤ፡ 14 መስከረም ብመንግስቲ ዝተዳለወ ናይ ምፍናው ስነስርዓት ኣብ ሃራሬ ተፈጺሙሉ እዩ።
ቀብሪ ሙጋቤ፡ በዓልቲ ቤቱ ግሬስ ሙጋቤን ደቁን ኣብ ዘለውዎ'ዩ ተፈጺሙ።