መንግስቲ ኣመሪካ ቁጽሪ ናይቶም ናብ ሃገሩ ዝኣትው ስደተኛታት ብፍርቂ ኣጉዲሉዎ

ስደተኛታት ያዚዲ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ዶሁክ፡ ኢራቕ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ስደተኛታት ያዚዲ ኣብ ኢራቕ። ኣሜሪካ ሃይማኖታዊ ዓፈና ንዘጋጥሞም ውሕዳን ቀዳምነት ከም እትህብ ትገልጽ
Published

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ኣብ ዝመጽእ 12 ኣዋርሕ 18ሽሕ ስደተኛታት ጥራሕ ናብ ኣመሪካ ክኣትው ከምዝወሰነ ተሓቢሩ። እቲ ቑጽሪ ካብ ካልእ እዋን ኣዚዩ ዝወሓደ እዩ።

እቲ ቑጽሪ ነቶም ኣብ ውግእ ዒራቕ ንወተሃደራት ኣመሪካ ዝደገፉ ዒራቓውያንን፡ ሃይማኖታዊ ዓፈናን ሃድንን ንዘጋጠሞም ሰባትን ዝተሓዝአ ብምዃኑ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ነቲ ውሳነ ይነቕፉዎ ኣለው።

ኣብ ርእሲኡ ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ስደተኛታት ከእትዋ ዘይደልያ ዞባዊ ምምሕዳራትን ኮማትን ኣመሪካ መሰለን ከምዝሕለወለን ዘፍቅድ ውልቃዊ መምርሒን ፍቓድን ሂቡ።

ፕረዚደንት ትራምፕ "እቶም ስደተኛታት ኣብተን ኣብ ኮማተን ክጽንብረኦምን ኣብ ሽቕለት ከሳትፈኦምን ዝደልያ ምምሕዳራት ጥራሕ እዮም ክምደቡ ዝኽእሉ" ክብል ተዛሪቡ።

ትራምፕ መንሪሕነት ካብ ዝሕዝ፡ ምጉዳል ኢሜግሬሽን ቀንዲ ዕላምኡ ገይሩ ይሰርሓሉ ኣሎ።

ካብ 2017 ኣትሒዙ ከኣ ነቲ ስደተኛታት ናይ ምቕባል ፕሮግራም ናብ 50ሽሕ ኣብቲ ዝቕጸለ ዓመት ናብ 45ሽሕ ለብዘበን ከኣ ናብ 30ሽሕ እናጉደሎ እዩ ክመጽእ ጸኒሑ።

ድሕሪ እቲ ኣመሪካ ብኣሸበርቲ ዝተጠቕዓትሉ 2002 እኳ ኣስታት 27ሽሕ ስደተኛታት እዮም ናብ ኣመሪካ ኣትዮም።

ኣብዚ እዋን እዚ እቶም ብሜክሲኮ ክኣትዉ ዝፍትኑ ስደተኛታት ብዙሕ ጸገምን ሽግርን እዩ ዝገጥሞም ዘሎ።

እዚ ናይ ለብዘበን ናይ ስደተኛታት ኮታ ከኣ ምስ ወተሃደራት ኣመሪካ ዝሰርሑ ዝነበሩ ዒራቓውያን 5ሽሕ ሃይማኖታዊ ዓፈናን ሃድንን ንዘጋጠሞም ሰባት ከኣ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን እቲ ካልእ ከኣ ካብ ጓቲማላ፡ ሆንድራስ፡ ኤልሳልቫዶር ከምኡ እውን ካብ ሃገራት ሰሜናዊ ትሪያንግል ንዝመጽኡ ሓተትቲ ዑቕባ ዝተሓዝአ ምዃኑ ተፈሊጡ'ሎ።

ይኹን እምበር ብዙሓት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ንውሳነ ኮታን ስደተኛተት ክቕበላ ንዘይደልያ ዞባዊ ምምሕዳራት ፍቓድ ምሃብን ንምስሊ ኣመሪካ ዝድውን፡ ኣብ ዘበነ ፕረዚደንት ትራምፕን ዝውሰድ ዘሎ ዘሕዝን ፍጻሜ እዩ ክብሉ ይገልጹዎን ይነቕፉዎን ኣለው።