ኣብ ሃደን፡ ብጌጋ ንወዲ 55 ዓመት ወላዲኡ ዝቐተለ ውልቀሰብ ተኸሲሱ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
Published
ኣቦን ወድን፡ ናይ በረኻ ሓሰማ ክሃድኑ ብምህቃን እዮም ካብ ገዝኦም ወጺኦም።
ኣብ ከባቢኦም ናብ ዝርከብ ጽዑቕ ደኒ ብምእታው፡ ኣሰር ሓሰማ በረኻ ኣብ ዘጸናጽንሉ እዋን፡ እቲ ወዲ 34 ዓመት ሃዳናይ፡ ጽላሎት ምስረኣየን ጣሕሸምሸም ምስ ሰምዐን፡ ተኲሱ።
ከምቲ ዝሓሰቦ ግን፡ ሓሰማ ኣይጨመተን፤ ንወላዲኡ ደኣ ብጥይት ወቕዎ። ነዚ ምስፈለጠ፡ ሽዑ ንሽዑ እዩ ረድኤት ሓቲቱ።
ነቲ ወዲ 55 ዓመት ወላዲ ከድሕኑ፡ ሓካይም ዝከኣሎም እኳ እንተጸዓሩ ኣይሰመረሎምን።
ኣቦን ወድን፡ ሃደን ክልኩል ኣብ ዝኾነሉ ሕዛእቲ እዮም እናሃደኑ ነይሮም። በዚ ምኽንያት ብድሕሪ እዚ ፍጻመ፡ ፖሊስ ብረቶም ኣሕዲግዎም።
ዋላኳ ኮነ ተባሂሉ ዝተፈጸመ ቅትለት ኣይኹን፡ ህይወት ሰብ ስለዝሓለፈ ግን ፖሊስ ክሲ መስሪቱ ኣሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ'ውን ሓደ ወዲ 18 ዓመት ጣልያናዊ መንእሰይ፡ ምስ ፈረንሳይ ኣብ ዘዳብው ከባቢ፡ ብተመሳሳሊ ኩነታት ተቐቲሉ እዩ።
ኣብቲ እዋን፡ ሚኒስተር ሓለዋ ከባቢ ጣልያን ሰርጂዮ ኮስታ፡ እቲ ኩልሻብ ሰምበት ዝካየድ ሃደን ክኽልከል ኣለዎ ኢሉ ነይሩ።
ኣብ ተመሳሳሊ እዋን፡ ካልኦት ተወሰኽቲ ክልተ ሰባት ብተመሳሳሊ ኩነታት ህይወቶም ሓሊፉ እዩ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
