ጓል 87 ዓመት ሽማግለ፡ ብዝሓንገዳ ኣላሕም ተወጊአን ሞይተን

ሂላሪ አዳየር

ምንጪ ስእሊ, Family handout

መግለጺ ስእሊ, ሂላሪ አዳየር
Published

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ፡ ምዕራብ ሰሴክስ፡ ሂላሪ አዳየር ዝተብሃላ፡ ጓል 87 ዓመት ኣደ፡ ብዝሓንገዳ ኣላሕመን ተወጊአን ከምዝሞታ መሳኻኽር ዓይኒ ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ኣረዲኦም።

ነተን ብዕድመ ዝደፍኣ ወላዲት ወጊአን ጉድኣት ዘብጸሓ ኣላሕም፡ ኣብ ሕቖአን ጻዕዳ ዝርእ ዘበላ፡ ጨጨወት ኣላሕም ዓሌት እየን ተባሂለን።

እተን ዝተቖጠዓ ኣላሕም ነተን ሽማግለ ኣደ ወጊአን ምስ ኣውደቐአን፡ ካብቲ ዝወደቐኦ ክለዓላ እንትፍትና ደጋጊመን ከምዝደቖሰአን እዩ ተገሊጹ።

ብነፋሪት ናብ ሆስፒታል እንተተወሰዳ'ኳ፡ ንሰሙን ዝኣክል ውነአን ከይፈለጣ ቀኒየን፡ ኣብ መወዳእታ ህይወተን ሓሊፉ።

እዘን ኣላሕም፡ ኣብ ልዕሊ እዘን ወላዲት ከምዚ ዓይነት ጉድኣት ቅድሚ ምብጸሐን፡ ቅድሚ ሓደ መዓልቲ፡ ኣብ ልዕሊ፡ ከልቦም የጻውቱ ዝነበሩ ፍቑራት'ውን ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ኣካይደን ምንባረን ተገሊጹ።

ዓሌት ጨጨወት ኣላሕም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, እተን ኣላሕም፡ ኣብ ሒቐአን ጻዕዳ ዝርእ ዘበላ፡ ናይ ጨጨወት ኣላሕም ዓሌት እየን ተባሂለን።

ተኸሲሱ ኣብ ቤት ፍርዲ ዝቐረበ በዓልናይ [ወናኒ] እተን ኣላሕም ግና፡ እቲ ኩነታት ሃንደበት ዝተፈጸመ 'ምበር ከም ዓብዪ ነገር ከምዘይቆጽሮ ተዛሪቡ።

ብራይዮኒ ዲላሞር ዝተብሃለ ምስክር ዓይኒ፡ እተን ሽማግለ ሰበይቲ ዓርሰን ከድሕና ጻዕሪ እንተገበራ'ኳ እተን ዝተቖጠዓ ኣላሕም ዳጋጊመን ክወግአአን ሪአ-ኢሉ።

ፖሊስ፡ ነተን ኣላሕም ዘቖጠዐን ነገር እንታይ ከምዝኾነ ዛጊድ ክፈልጥ ከምዘይከኣለ እዩ ተዛሪቡ።

ይኹን'ምበር፡ እቲ ክስተት፤ ከፍቲ እንትቑጥዓ ክሳብ ክንደይ ሓደገኛታት ክኾና ከምዝኽእላ ዘመላኽት እዩ ኢሉ።

መግለጺ ቪድዮ, "ሰብ ጸጋ ዕድመ እንትጠምዩ ንስድርኦም ይራገሙ"