ሩስያ፡ ገዛኢ ሰልፊ ኣብ ምርጫ ርእሰ ከተማ ሞስኮ ከቢድ ስዕረት ኣጋጢምዎ

Published

ብፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ዝምራሕ ሰልጣን ጨቢጡ ዘሎ ሰልፊ ሓድነት ሩስያ፡ ኣብ ብሰንበት ዝተኻየድ ባይቶኣዊ ምርጫ ርእሰ ከተማ ሞስኮ ከቢድ ስዕረት ኣጋጢምዎ'ሎ።

እቲ ሰልፊ፡ ሓደ-ሲሶ ናይቲ 45 ዝኣባላቱ ባይቶ እታ ከተማ ብኻልኦት ተመንጢሉ። ይኹን 'ምበር 26 መናብር ብምርካብ ላዕለዋይ ኢድ ሒዙ ይርከብ።

ኣብቲ ሓያሎ ሕጹያት ተቓውምቲ ከም ዝግለሉ ዝተገብረሉ ምርጫ፡ ዴሳውያን፡ ብውልቆም ዝተወዳደሩን ካልኦትን ሓደስቲ መናብር ተዓዊቶም።

ምእጋድ ሕጹያት ቀንዲ ተቓውምቲ ሰልፍታት ኣብታ ከተማ ተሪር ተቓውሞ ገጢምዎ'ዩ።

ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰልፈኛታት ከም ዝተዳጎኑን፡ ፓሊስ ኣብ ልዕሊኦም መጠኑ ዝሓለፎ ሓይሊ ተጠቒሙ ተባሂሉ ይኽሰስ።

እቲ ስዕረት፡ በሰንኪ ኣብ ውሽጢ እቲ ሰልፊ ዘሎ ዘይምቅዳው ምዃኑን፡ ሓያሎ ካብ ሕጹያቱ ብውልቆም ክወዳደሩ ብምውሳኖም ዝሰዓበ'ዩ ተባሂሉ።

ሓላፊ ናይቲ ሰልፊ ኣብ ሞስኮ ንባዕሉ ዘይምምራጹ፡ ነቲ ስዕረት ዘጉልሕ'ዩ።

ኣብ ካልእ ከባቢታት ዝተኻየደ ዞባዊ ምርጫታት ግን፡ ሕጹያት ሰልፊ ሓድነት ሩስያ ጽቡቕ ውጺኢት ኣመዝጊቦም ኣለዉ።

ኣመሓደርቲ ናይተን 16 ዞባታት ንምምራጽ ኣብ ዝግበር ምርጫ፡ ሕጹያት ሰልፊ ሓድነት ክዕወቱ ትጽቢት ይግበር።

እቲ ምርጫ ትሑት (20%) ተሳታፍነት ዝተራእየሉ ምዃኑ ተገሊጹ።

ሰልፊ ሓድነት ሩስያ፡ ንቭላድሚር ፑቲን ንምድጋፍ ኣብ 2001 ዝቖመ ሰልፊ'ዩ።