ጃምላዊ ቕትለት፡ ኣብ ቴክሳስ ብውሕዱ ሓሙሽተ ሰባት ብጥይት ተቐቲሎም

ምንጪ ስእሊ, AFP
Published
ግዝኣት ኣመሪካ ኣብ ዝኾነት ቴክሳስ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ንካልኣይ ግዜ ኣብ ዘጋጠመ ጃምላዊ መቕተልቲ፡ ብውሕዱ ሓሙሽተ ሰባት ብጥይት ተቐቲሎም።
ፈለማ ብጥይት ዝተወቕዐ፡ ንመኪና ናይቲ ዕጡቕ ደው ኣቢሉ ክፍትሽ ዝፈተነ ፖሊስ እዩ።
ብድሕሪ'ዚ፡ እቲ ዕጡቕ ናብ ሓለፍቲ መገድን መኻይንን ብኣልማሚት ክትኩስ ዝጀመረ ክኸውን ከሎ፡ ጸኒሑ ብፖሊስ ተቐቲሉ።
ነዚ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ዕጡቕ ኣብ 30ታት ዕድመ ዝርከብ ጻዕዳ ኮይኑ፡ ነዚ መጥቃዕቲ ክፍጽም እንታይ ከምዝደፍኦን ዕላምኡን ግን ኣይተፈልጠን።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ቅድሚ ሓደ ወርሒ፡ ኣብ ግዝኣት ቴክሳስ ከተማ ኤል ፓሶ ሓደ ዕጡቕ ብዝፈጸሞ ጃምላዊ ቕትለት 22 ሰባት ተቐቲሎም እዮም።
ኣብቲ ሕዚ ኣጋጢሙ ዘሎ መጥቃዕቲ ድማ፡ 20 ሰባት ዝቖሰሉ ኮይኖም፡ ካብኣቶም እቶም ሰለስተ ፖሊስ እዮም። ፖሊስ፡ ኩሎም ኣባላቱ ብጥይት ከምዘይተሃረሙ፡ እኳ'ድኣስ መኪነኦም ብጥይት ምስተሃረመት ዝተሰበረ መስትያት፡ ንገሊኦም ጉድኣት ከምዘብጸሓሎም ገሊጹ።
ሓደ ወዲ 17 ወርሒ ህጻን ብንጣር ጥይት ኣብ ገጹ ከምዝተወቕዐን ሸውዓተ ካልኦት'ውን ብጽኑዕ ተሃስዮም ከምዘለዉን ተገሊጹ።


![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
