እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቀዳማይ ሚኒስተር 100 ሚልዮን ፖውንድ ንኣብያተ ማእሰርቲ ሰሊዑ
ኣብ ዓዲ እንግሊዝን ዌልስን ዝርከብ ኣብያተ ማእሰርቲ ሓለወአን ንኸጽንዓን ገበናት ንኽከላኸላን 100 ሚልዮን ፖውንድ ከም ዝተሰለዓለን መንግስቲ ኣፍሊጡ።
እቲ መግለጺ፡ ከምቲ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ዘሎ ኤሌክትሮኖካዊ መፈተሺ ኣብ ቤት ማእሰርቲ'ውን ከም ዝተኣታቶ ይሕብር።
ቀዳማይ ሚኒስትር ቦሪስ ጆንሶን፡ ብረት፡ ዕጸፋርስን ቴሌፎናትን ናብ ቤት ማእሰርቲ ከይኣቱ ምግታእ፡ ነቲ ቤት ማእሰርቲ ፋብሪካ ዘይጥዑያት ሰባት ካብ ምኳን ከም ዝከላኸል ገሊጹ።
እዚ ድሕሪ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሰን፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝን ዌልስን ዝግበሩ ገበናት ንምቁጽጻር ተወሰኽቲ 10,000 ኣብያተ ማእሰርታት ንምህናጽ 85 ሚልዮን ፖውንድ ክስላዕ ዘውጸኦ ውጥን ተኸቲሉ እዩ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ቦሪስ ጆንሶን ነዚ ሓዲስ ውጥንን መጠን ዝተሰለዐ ገንዘብን ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ "ህዝቢ ፍትሒ ክካየድ እንከሎ ክርኢ ኣለዎ፡ ውሕስነት ከኣ ክስመዖ ኣለዎ" ኢሉ።
እዚ ሕጂ ዘሎ ኣብያተ ማእሰርቲ፡ ዋላ'ኳ መቆጻጸሪ ስርዓት እንተሃለዎ፡ እዚ ተወሳኺ ዝተሰለዐ ባጀት ተወሳኺ መቆጻጸሪ ሜላታትን መግትኢ ገበናትን ከም ዝውዕል ቀዳማይ ሚኒስር ቦሪስ ጆንሶን ኣፍሊጡ።
ወርሒ ጥሪ ናይዚ ዓመት ኣብ ውሽጢ ኣብያተ ማእሰርቲ ዓዲ እንግሊዝን ዌልስን፡ መጥቓዕቲ እሱራት ኣብ ልዕሊ እሱራት ከምኡ'ውን እሱራት ኣብ ልዕሊ ኣለይቲ እሱራት፡ ዝበዝሐ ዝተረኣየላ ወርሒ ኮይና እያ ተመዝጊባ ዘላ።
ሚኒስትሪ ፍትሒ ከም ዝሓበሮ፡ እዚ ተሰሊዑ ዘሎ 100 ሚልዮን ፓውንድ፡ ካብ ቤት ግምጃ ተሰሊዑ ብቐጥታ ኣብ መዓላ ከም ዝውዕል ገሊጹ ኣሎ።
ብተወሳኺ እዚ ሓዲሽ ዝተሰለዐ ባጀት፡ ኤሌክትሮኒካዊ መቆጻጸሪ መሳሪሒታት ንምድልዳል፡ ነቶም ብሞባይል ናብቲ ኣብያተ ማእሰርቲ ፡ ዕፈፋርስ ንኸኣቱ ዘወሃህዱ፡ መስመር ርክቦም ንኽዕፈን ኣብ ውሽጢ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ልዕሊ እሱራት መጥቓዕቲ ዘውርዱ እሱራት ንምቁጽጻር ከም ዝውዕል ተገሊጹ።