ዶናልድ ትራምፕ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣትዩ

Published

ፕረዚደንት ኣመሬካ ዶናልድ ትራምፕ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምክያድ ሎሚ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ኣትዩ።

ፕረዚደነት ትራምፕ ናብ ዓባይ ብርጣንያ ኣብ ዝኣተወሉ ድሙቕ ኣቐባብላ ተገይርሉ።

ንፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕን ብዓልቲ ቤቱ ማልንያ ትራምፕን ኣብ ቤተ ንጉስ ባኮንግሃም ብንግስቲ ናይ ምሳሕ ስነ ስርዓት ከም ዘግበረሉ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

ኣብዚ ናይ ምሳሕ መደብ ንግስቲ ዓባይ ብርጣንያን ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕን መደረ ከስምዑ ትጽቢት ይግበር።

ናይ ንግሆ ሰሉስ፡ ፕረዚደንት ትራምፕን ቀዳመይቲ ሚኒስተር ተሬሳ መይን ኣብ ቤተ መንግስቲ ቅዱሰ ጀምስ ተራኺቦም ክዝትዩ እዮም።

ሮቡዕ ፕረዚደንት ትራምፕ ንዝኽሪ እቶም ቅድሚ 75 ዓመት ኣብ ካልኣይ ኵናት ዓለም ዝመቱ ወተሃደራት ልፍንቲ ንምዝካር ናብ ፖርትማውዝ ክበጽሕ እዩ።