ኢትዮጵያ፡ መድረኽ ዘተ ክልላት ሶማሌን ኦሮሚያን እንታይ ዘትዩ?

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ መዋስንቲ ከባቢታት ክልቲኤን ክልላት ብዝተፈጠሩ ጎንጽታት፡ ህይወት ብዙሓት ሓሊፉ'ዩ። ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት'ውን ተመዛቢሎም።
ሕጂ እዞም ከባቢታት ምርግጋእ ስለ ዘርኣዩ፡ ቑጽሮም ዘይነዓቕ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ከም ዝተመለሱ ይግለጽ።
ምኽትል ፕሬዝደንት ክልል ኦሮሚያ ኣቶ ሽመልስ ኣብዲሳ፡ ኣብ መዋሰንቲ ከባቢታት እተን ክልላት ተላዒሉ ብዝነበረ ጎንጺ ዝተፈጠረ በሰላ ምሕዋይን ርክብ ህዝቢ እተን ክልላት ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ምውሳድን፡ ዕዮ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ምኻኑ ይዛረብ።
ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ብዝነበሩ ግጭታት ዝተዓጸው መገዲታት ከም ዝተኸፈቱ ዝገልጽ ኣቶ ሽመልስ፡ "ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ክምለሱ ጌርና ኢና። ብዝተፈለየ መልክዑ ድማ ንግዳዊ ምንቅስቓስ ናብ ንቡር ተመሊሱ ኣሎ" ኢሉ።
እቲ ምኽትል ፕሬዝደንት ተመዛበልቲ ብፍቓዶም ናብ መረበቶም ከም ዝተመለሱ'ዩ ዝገልጽ። "ተመዛበልቲ ብሙሉእ ፍቓዶም ኢና መሊስናዮም። ክምለሱ ዘይደለዩ'ውን ኣለው'ዮም"።
ብመሰረት እዚ መንግስቲ ዝተፈላለዩ ሓገዛት የቕርብ ከም ዘሎ ብምሕባር፡ ሙሩጽ ዘርኢ፣ ኣገልግሎት ልቓሕን ካልኦትን ክቐርበሎም ይስራሕ ከም ዘሎ ተዛሪቡ።
ጎንጽታት ወሰን ይግብኣኒ
ኣብ መዋሰኒ ከባቢታት ክልላት ኦሮሚያን ሶማሌን ንዝለዓሉ ግጭታት፡ ሕቶ ወሰን ይግብኣኒ ሓደ ምኽንያት ኮይኑ ይቐርብ።
ምስዚ ተታሒዙ ንዝለዓሉ ሕቶታት ዘላቒ ፍታሕ ንምሃብ ህዝበ ውሳነ ክካየድ'ዩ ተባሂሉ ነይሩ። ይኹን'ምበር ምኽትል ፕሬዝደንት ክልል ኦሮሚያ ኣቶ ሽመልስ እዚ መፍትሒ'ዩ ኣይብሎን።
"ህዝበ ውሳነ ምክያድ ወይ ወሰን ምኽላል ጎንጽታት ኣይፈትሕን። ቅድም ኢሎም ንዘጋጥሙ ዝነበሩ ጸገማት ምኽንያቶም ወሰን ኣይኮነን" ኢሉ።
ተመሳሳሊ ሕቶ ቐሪብሉ ዝነበረ ምኽትል ፕሬዝደንት ክልል ሶማሌ ኣቶ ሙስጦፌ መሓመድ'ውን ብተመሳሳሊ፡ ሕቶ ወሰን ነቶም ዝለዓሉ ዝነበሩ ጎንጽታት ምኽንያት ኣይኮነን'ዩ ዝብል።
"ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ንዘጋጠሙ ጎንጺ መገሃጫ መሬት ወይ ወሰን ምኽንያት ዝገበሩ ኣይኮኑን። እቲ መሓውር መንግስቲ ዘለዎ ኔትዎርክ'ዩ ህዝቢ ናብ ከቢድ ጸገም ኣእቲዩ ዘመዛበሎ" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ኣቶ ሽመልስ ብወገኑ፡ "ፖለቲካዊ መኽሰብ ንምርካብ ዝጉስጉሱ ደለልቲ ፖለቲካ" ዝበሎም ብምጥቃስ ምኽንያት እቶም ግጭታት ኢሉ የቐምጥ።
ስለ ዝኾነ ድማ፡ ኣብ ሞንጎ ክልቲኤን ክልላት ንዝተፈጠሩ ጸገማት ዘላቒ ፍታሕ ዝኸውን፡ ሕቶ ልምዓት ህዝቢ ምምላስን ሓድነት ህዝብታት ምጥንኻርን ከም ዝኾኑ ይዛረብ።
"እዚ ኣይኮነን'ዶ ንክልቲኡ ህዝቢ ንቐርኒ ኣፍሪቃ'ውን ዝጠቅም'ዩ" ኢሉ ኣቶ ሽመልስ።
ጉዳይ ሞያሌ
ኢትዮጵያ ምስ ኬኒያ እተዋስን ከተማ ሞያሌ፡ ኣብ ሞንጎ ክልላት ኦሮሚያን ሶማሌን ብተደጋጋሚ እንካን ሃባን ሕቶ ይግብኣኒ፡ ሓሓሊፉ ድማ ግጭታት ኣአንጊዳ'ያ። በዚ ዝተልዓለ፡ ህይወት ሰብ ጠፊኡ፤ ንብረት'ውን ዓንዩ።
ነዚ ጸገም ዝኸውን ፍታሕ ንምቕማጥ እንታይ ኾን ይስራሕ ኣሎ ዝብል ሕቶ ዝቐረበሉ ምኽትል ፕሬዝደንት ክልለ ሶማሌ፡ "ንሰላም ኢና ቐዳምነት እንህብ። ሕጂ ግጭታት የለውን። ኣብ ዙርያ ሞያሌ ምስ ነበርቲ እቲ ኸባቢ፣ መንግስታት ክልቲኤን ክልላትን ፌደራልን ብምዝታይ ኢና መፍትሒ እንህብ እምበር፡ ሕጂ እዚ'ዩ እቲ መፍትሒ ኢለ ክዛረብ ይኸብደኒ'ዩ" ኢሉ ነይሩ።
ኣቶ ሽመልስ ኣብዲሳ ብወገኑ፡ "ኣብ ምምሕዳር ክልል ሶማሌ ሪፎርም ምስ ተኻየደ ሞያሌ ሰላም ረኺባ'ያ" ብምባል፡ "ትኹረት ድማ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ምንቅስቓስ ንግዲ ቐጻልነት ክህልዎ ምግባር'ዩ። ዝተረፈ ኣብ ከይዲ ፍታሕ ክርከቦ'ዩ" ዝብል ተመሳሳሊ ምላሽ ሂቡ።
ጫት፣ እኽልን ከፍትን ካብ ክልል ኦሮሚያ ናብ ሶማሊያ እንትልኣኹ፡ ዝተፈላለዩ ሸቐጣት፣ ዘይቲ፣ ፓስታ፣ ማካሮኒ ዝበሉ ዕሹጋት መግቢታት ድማ ካብ ሶማሌ ናብ ኦሮሚያ ይኣትው።
ብምኽንያት እቲ ተኸሲቱ ዝነበረ ግጭት መገዲታት ብምዕጻዎም ብኽልቲኡ ወገን ዝነበረ ምንቅስቓስ ምግዲ ዝሒሉ ምንባሩ ዝዛረብ ኣቶ ሽመልስ፡ ምህርታት ዝኣትውሉን ዝወጽእሉን መስመራት ንግዲ ምድላው ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ምንቅስቓሳት ይካየዱ ከም ዘለው ተዛሪቡ።








![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
