ኣብ ወፍሪ ምትካል ፈልሲ ክንደይ ተሳቲፎም? ክንደይከ ወጻኢ ተገይሩ?

ምንጪ ስእሊ, MICHAEL TEWELDE
ቅድሚ ሰለስተ መዓልቲ ኣብ ኢትዮጵያ ብዝተኻየደ ወፍሪ ምትካል ፈልሲ ልዕሊ 350 ሚልዮን ፈልስታት ኣብ ሓደ መዓልቲ ተተኺሎም'ዮም።
ክሳብ መጻኢ ጳጉመ [ቋቒመን] 4.7 ቢልዮን ፈልስታት ክትከሉ ዝተዳለዉ እንትኸውን፡ ነዚ ድማ ኣርባዓ ቢልዮን ቅርሺ ወጻኢ ከምዝተገብረ ኣተሓባባሪ ሃገራዊ ልምዓት ዱር፡ ዶክተር ተፈራ መንግስቱ ኣፍሊጡ።
እቶም ፈልስታት ሃገር ቦቆልን ናይ ደገን ከም ዝኾኑ ንቢቢሲ ዝሓበረ ዶክተር ተፈራ፡ ዝሐሸ ምንቕቓሕ ከምዝተፈጥረን እቶም ፈልስታት ንኽጸድቁ ጽዑቕ ክትትል ከምዝግበረሎምን ኣረዲኡ።
ቅድሚ ሕዚ ናይ ምጽዳቕ ዕድል 50 ሚኢታዊ ከምዝኾነን እዚ ዕድል ናብ 75 ሚኢታዊ ሓፍ ንምባል ትልሚ ከምዝተትሐዘን ምፍላጥ ተኻኢሉ።
እቶም ፈልስታት ኣብ ውሽጢ ዓዲ ከም ዝተዳለዉ ብምዝኽኻር፡ ካብ 26 ሰነ [ኣ.ኢ] ጀሚሩ ክሳብ ሎሚ 3.5 ቢልዮን ፈልስታት ኣብ መላእ ሃገር ከም ዝተተኸሉ ተዛሪቡ።
ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ኣሕመድ ንዘበገሶ ሓሳብ "ሓምለዋይ ኣሰር" መሰረት ብምግባር፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ መዓልቲ 200 ሚልዮን ንምትካል እንተተሓሰበ'ኳ፡ ልዕሊ 350 ሚልዮን ምትካል ከም ዝተኽኣለ መንግስቲ ኣፍሊጡ'ዩ።
ኣብቲ ወፍሪ ድማ 23 ሚልዮን ኢትዮጵያውን ከም ዝተሳተፉ ምፍላጥ ተኻኢሉ'ሎ።
ኣብ ዝተወሰኑ ቦታታት ሕጽረት ፈልስታት ኣጋጢሙ ምንባሩ'ውን ተገሊጹ ነይሩ።
ዶክተር ተፈራ ግን "4.7 ቢልዮን ፈልስታት ተዳልዮም ስለዝጸንሑ ዘጋጠመ ሕጽረት ኣይነበረን" ክብል ኣረዲኡ።

ኣብ ሓደ መዓልቲ ዝለዓለ ቁጽሪ ፈልሲ ብምትካል ህንዲ ሒዛቶ ዝጸንሐ ክብረወሰን ብሓሙሽተ ዕጽፊ ምምሕያሽ ከም ዝተኸኣለ ይግለጽ።
ዶክተር ተፈራ፡ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ነዚ ጉዳይ ከም ዝከታተሎ ሓቢሩ።
ቁጽሪ ዝተተኸሉ ፈልስታት ብትኽክል ምርግጋጽ ዝከኣለሉ ስርዓት ከም ዘሎ ብምግላጽ፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ዝውዳእ ብዘይምዃኑ ግን ነቲ ክብረወሰን ናይ ምምዝጋብ ስራሕ ኣብ መስርሕ ምህላዉ ኣፍሊጡ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
