መንግስቲ ኢትዮጵያ ክብረ ወሰን ምትካል ፈልሲ ሰይረ ኢሉ

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝርከቦም ላዕለዎት ሓለፍቲ ኣግራብ እናተኸሉ
Published
ንባብ: 1 ደቓይቕ

ትማሊ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ሓደ መዓልቲ ልዕሊ 350 ሚልዮን ፈልሲ ብምትካል ክብረ ወሰን ከም ዝሓዘት መንግስቲ ሓቢሩ።

እዚ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ተመሪሑ ዝተኻየደ ምትካል ፈልሲ፡ ንክሌማዊ ለውጥን (ለውጢ ኩነታት ኣየር) ኣንጻር ብርሰት ኣግራብን ዓሊሙ'ዩ ተኻይዱ።

እዚ ዕላማ ተግባራዊ ንምግባር ብዙሓት ህዝባዊ ኣገልግሎት ዝህባ ቤት ጽሕፈታት ኣብዚ 'ሓምላይ ኣሰር' ዝተሰምየ ወፍሪ ንምስታፍ ቤት ጽሕፈታተን ዓጽየን ውዒለን።

ጸብጻብ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ከም ዘርእዮ፡ ኣብ 20 ክፍለ ዘመን ልዕሊ 35 ሚእታዊት ብኣግራብ ተሸፊኑ ዝነበረ መሬት ኢትዮጵያ ድሕሪ 2000 ዓመተ ምህረት ናብ 4 ሚእታዊት ከም ዝወረደ እዩ ዝሕብር።

ነቲ ብወለንታውያን ዝተተኸለ ፈልሲ ገረብ ዝቆጻጸሩን ዝቖጽሩን ሓለፍቲ ከም ዝተመደቡ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ወኪል ዜና ቢቢሲ ሓቢሩ።

ሚኒስተር ምህዞን ቴክኖሎጅን ኢትዮጵያ ዶክተር ጌታሁን ሞክርያ ኣብ 12 ሰዓታት ልዕሊ 350 ሚልዮን ፈልሲ ኣግራብ ከም ዝተተኸለ ብትዊተሩ ሓቢሩ።

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post

ዕላማ እዚ 'ሓምላይ ኣሰር' ብጥቕላላ ኣርባዕተ ቢልዮን ኣግራብ ምትካል እዩ።

ልኡኽ ዜና ቢቢሲ ካብ ኢትዮጵያ፡ ሰባት ኣግራብ ክከናኸኑን ክተኽሉን ዝጉስጉስ መዳባት ኣብ መንግስታዊት ተሌቪዝን እታ ሃገር ከመሓላለፍ ከም ዝቐነየ ሓቢሩ።

ኣብዚ መደብ ምትካል ፈልሲ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ኢምባሲታት፡ ኣባላት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ውድብ ሓድንት ኣፍሪቓን ከም ዝተሳተፉ ተገሊጹ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ምትካል ፈልሲ

ኣብ ህንዲ፡ ኣብ 2016 ኣብ ሓደ መዓልቲ ብ800,000 ወለንተኛታት ዝተኻየደ ናይ 50 ሚልዮን ምትካል ፈልሲ ናይ ዓለም ክብረ ወሰን ሒዙ ጸኒሑ'ዩ።

ንኣካይዳ ቀዳማይ ሚኒሰተር ኣብይ ኣሕመድ ብዓይኒ ነቐፌታ ዝጥምቱ ግን እዚ ናይ ፈልሲ ጎስጓስ፡ ነቲ ኣብታ ሃገር ኣጋጢሙ ዘሎ ልዕሊ 2.5 ሚልዮን ህዝቢ ካብ ቤት ንብረቶም ዝተፈናቐልሉ ዓሌታዊ ግጭት ኣንፈቱ ንምቕያር ዝጥቐመሉ ዘሎ እዩ እዮም ዝብሉ።

መግለጺ ቪድዮ, ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ መን'ዩ?