መረጻ ቤት ምኽሪ ኣዲስ ኣበባን ድሬዳዋን ንቐጻሊ ዓመት ተናዊሑ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
Published
መረጻ ቤት ምኽሪ ከተማታት ኣዲስ ኣበባን ድሬዳዋን ከምኡ ድማ ከባብያዊ መረጻ፡ ምስ ሃገራዊ መረጻ ክካየድ ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሎሚ ኣብ ዝገበሮ ህጹጽ ኣኼባ ወሲኑ።
መረጻ ቤት ምኽሪ ክልቲአን ከተማታት ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ኣብ 2011 ክካየድ ዝግበኦ እኳ እንተነበረ፤ ንሎሚ ዓመት ክካየድ እዩ ተናዊሑ ነይሩ።
እንተኾነ፤ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ በቲ ዝተትሓዘሉ መደብ ከካይዶ ከምዘይክእል ብምግላጽ ምስ ሃገራዊ መረጻ ክካየድ ብደብዳቤ ብምሕታቱ እዩ እዚ ውሳነ ብባይቶ ኢትዮጵያ ጸዲቑ ዘሎ።
ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ፡ 4 ሓምለ ናብ ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳቤ፡ መረጻ ክልቲኡ ኣብያተ ምኽሪ ሎሚ ዓመት ክካየድ ከምዘይክእል ጠቒሱ እዩ።
ከም ምኽንያት ዘቕረቦ ድማ፡ ኣፈጸምቲ መረጻ ንምምልማል፣ ንምውዳብን ንምስልጣንን ግዜ ይሓጽር እዩ ዝብል እዩ።
ብመሰረት እቲ ውሳነ ድማ፤ እቲ ሕዚ ዘሎ ቤት ምኽሪ ክልቲአን ከተማታት ሓላፍነቱ ሒዙ ክቕጽል እዩ።
እቲ ኣብ 2010 ክካየድ ዝነበሮ መረጻ ቤት ምኽሪ ኣዲስ ኣበባን ድሬዳዋን፤ ኣብታ ሃገር ብሰንኪ ዘጋጠመ ቅልውላው እዩ ንሎሚ ዓመት ክካየድ ተናዊሑ ነይሩ።


![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
