ኢትዮጵያ፡ ዓመታዊ ባጀት ኣብ ውሽጢ 4 ዓመታት 100 ቢልዮን ብር ወሰኽ ገይሩ

ናይ ኢትዮጵያ ብር

ምንጪ ስእሊ, Neil Thomas

Published

ትማሊ መበል 71 ምዱብ ኣኬብኡ ዘካየደ ቤት ምኽሪ ሚኒሰተራት ኢትዮጵያ፡ ንዓመተ 2012 (በቋጻጽራ ግእዝ) ዝውዕል 386 ቢልዮን 954 ሚልዮን 965 ሽሕን 289 ብር ባጀት ብምስላዕ ናብ ወከልቲ ህዝቢ ኣምሪሕዎ።

ካብዚ እቲ 109 ቢልዮን ንምዱብ ወጻኢታት፡ 130 ቢልዮን ንወጻኢታት ካፒታል፡ 140 ንክልላት ዝወሃብ ደገፈ፡ ከምኡ'ውን ንልምዓታዊ ስርሓትን ዝተወጠነ ከም ዝኾነ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ናይ ፌስ ቡክ ገጹ ኣስፊሩ።

እዚ ምስቲ ዝሓለፈ ዓመት ዝተሰለዐ ባጀት ክነጻጸር ከሎ ናይ 40 ቢልዮን ብር ወሰኸ ኣለዎ፡ ናይዚ ዝውዳእ ዘሎ 2011 ዓመተ ምህረት፡ 346 ቢሊዮን 915 ሚሊዮን 451 ሽሕን 948 ብር ዓመታዊ ባጀት ተሰሊዑ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።

ኣብ ባጀት 2011 ዓመተ መህረት፡ ንምዱብ ወጻኢታት 91 ቢልዮን፡ 67 ሚልዮን፡ 160 ሽሕን 588 ብር፡ ንወጻኢታት ካፒታል 113 ቢልዮን፡ 635 ሚልዮን፡ 559 ሽሕን 980 ብር እዩ ተመዲቡ ነይሩ።

ኣበ 2010 ዓመተ ምህረት ዝተሰለዐ ዓመታዊ ባጀት 320.8 ቢልዮን ብር ኮይኑ፡ ልዕሊ 60 ሚእታዊት ኣብ ትምህርቲ፡ ሕርሻን ንልምዓታዊ መደባት ዝተመደበ እዩ ነይሩ።

ኣብ 2009 ዓመተ ምህረት ዓመታዊ ባጀት 274.3 ቢልዮን ብር እዩ ነይሩ።

በዚ መሰርት፡ ባጄት ፌድራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ዓመት ናይ 100 ቢልዮን ብር ወሰኽ ኣርእዩ።