ኣሜሪካ ንናይ ግብጺ 'ሙስሊም ብራዘርሁድ' ኣብ መዝገብ ግብረሽራ ከተስፍሮም እያ

ትራምፕን ኣል ሲሲን

ምንጪ ስእሊ, MANDEL NGAN/Getty

Published

ምምሕዳር ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ንናይ ግብጺ 'ሙስሊም ብራዘርሁድ' ኣብ መዝገብ ግብረ ሽበራ ንኸስፍሮ ኣብ ምሽብሻብ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ።

እዚ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ኣባላት ዘለውዎ ሙስሊም ብራዘርሁድ፡ ኣብ መዝገብ ግብረ ሽበራ እንተሰፊሩ ኣብ ልዕሊ ኣባላቱ፡ እገዳ ጉዕዞን ቁጠባን ከም ዝንበር ተፈሊጡ።

ኣሜሪካ ንሙስሊም ብራዘርድ ኣብ መዝገብ ግበረ ሽበራ ንክተስፈሮ ምሽብሻባ ዝጀመረት፡ ቅድሚ ሰለስተ ሳምንቲ ፕረዝደንት ግብጺ ዓብዱል ፈታሕ ኣል ሲሲ ናብ ኣሜሪካ ድሕሪ ምብጽሑ'ዩ።

ውሃቢት ቃል መንግስቲ ኣሜሪካ ሳራ ሳንደርስ፡ ምምሕዳር ትራምፕ ነዚ ውሳነ ንምትግባር ይዳሎ ምህላው ሓቢራ።

መራኸቢ ቡዝሃን፡ ፕረዚደንት ትራምፕ እዚ ንኽገበር ብፕረዚደንት ግብጺ ዓብዱል ፈታሕ ኣል ሲሲ ሕቶ ከም ዘቅረበሉ እየን ዝጽብጽባ ዘለዋ።

ውሃቢት ቃል መንግስቲ ኣሜሪካ ሳራ ሳንደርስ"ፕረዚደንት ምስ ኣካላት ጸጥታን ኣማካርትን ከምኡ'ውን መራሕቲ እቲ ዞባ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ክዝቲ እዩ ጸኒሑ"ኢላ።

ኣብ 2013 ኣዛዚ ሰራዊት ግብጺ ዝነበረ ኣል ሲሲ፡ ነቲ ኣባል ሙስሊም ብራዘርሁድ ዝነበረ ፕረዚደንት መሓመድ ሙርሲ ብመንግስታዊ ዕልዋ ኣልዩ ስልጣን ምሓዙ ዝዝከር እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Spencer Platt/Getty

ኣብ 2013 ኣዛዚ ሰራዊት ግብጺ ዝነበረ ኣል ሲሲ፡ ነቲ ኣባል ሙስሊም ብራዘርሁድ ዝነበረ ፕረዚደንት መሓመድ ሙርሲ ብመንግስታዊ ዕልዋ ኣልዩ ስልጣን ምሓዙ ዝዝከር እዩ።

ሙርሲ ካብ ስልጣን ድሕሪ ምእላዩ፡ ብኣሽሓት ዝቁጸሩ ኣባልት ሙስሊም ብራዘርሁድ ከም ዝተኣሰሩ'ውን ይፍለጥ።

ሙስሊም ብራዘርሁድ ብወገኖም፡ ትራምፕ ዝበለ እንተበለ ኣብ መትከሎም ጸኒዖም ምንቅስቃሶም ከም ዝቅጽሉ ኣብ መርበብ ሓበሬቶኦም ኣስፊሮም።

ሕታም ኒውዮርክ ታይምስ ኣብ ገጻቱ ከም ዘስፈሮ፡ ኣብ ሞንጎ ውሳኔ ሰበስልጣን ዋይት ሃውስን፡ ሓለፍቲ ፔንታጎንን ዘይምርድዳእ ከም ዝፈጠረ የመልክት።