ግብጺ ኣብ ጥቓ ካይሮ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝዓበየ ካቴድራል ከፊታ

ጳጳስ ቴድሮስ ካልኣይ ( ጸጋም ) ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደል ፋታሕ ኣልሲሲ ( የማን )
መግለጺ ስእሊ, ጳጳስ ቴድሮስ ካልኣይ ( ጸጋም ) ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደል ፋታሕ ኣልሲሲ ( የማን )
Published

ፕረዚደንት ዓብደል ፋታሕ ኣልሲሲ ነዚ ዓርሞሽሽ ካቴድራል ብኣካል ተረኺቡ ከፊትዎ። እዚ ካቴድራል ኣብ ጥቓ ካይሮ ዝርከብ ኮይኑ፡ ድሮ መመረቕትኡ ኣብ ጥቕኡ ምፍንጃር ቦምባ ኣጋጢሙ ነይሩ።

መመርቕታ እዚ ብሰንበት ዝተመረቕ ግዙፍ ካቴድራል ኣብ ትሕቲ ጽዑቕ ሓለዋ'ዩ ተኻይዱ።

ኣብ ድሮ መመረቕታ ናይዚ ካብ ማእከላይ ምብራቕ ዝገዘፈ ካቴድራል፡ ሓደ ፖሊስ ኣብ ናሕሲ ጥቓ እዚ ካቴድራል ዝተጻወደ ቦምባ ንምምካን ኣብ ዝፈተነሉ ሂወቱ ከም ዝሓለፈት ጸብጻባት ይሕብሩ።

ካብ መላእ ህዝቢ ግብጺ እቲ ዓሰርተ ሚእታዊት ኦርቶዶክስ ( ኮፕቲክ ) ምኳኖም'ዩ ዝፍለጥ።

መመርቕታ እዚ ግዙፍ ካቴድራል ኣብ ትሕቲ ጽዑቕ ሓለዋ'ዩ ተኻይዱ
መግለጺ ስእሊ, መመርቕታ እዚ ግዙፍ ካቴድራል ኣብ ትሕቲ ጽዑቕ ሓለዋ'ዩ ተኻይዱ

ፕረዚደንት ዓብደል ፈታሕ ኣል ሲሲ ኣብ መመረቕታ እዚ ግዙፍ ካቴድራል ተረኺቡ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ "ኩልና ሓደ ኢና፡ ሓደ ኮይና'ውን ክንቕጽል ኢና" ድሕሪ ምባል፡ ምኽፋት እዚ ካቴድራልን ኣቐዲሙ ዝተኸፈተ መስጊድ ኣልፋታሕ ኣለኣለም መርኣያ ሓድነት ህዝቢ ግብጺ ምኳኑ ሓቢሩ።

እዚ ሓዲሽ ካቴድራል ኣብ ሓደ ግዜ ኣስታት 8000 ኣመንቲ ከአንግድ ይኽእል
መግለጺ ስእሊ, እዚ ሓዲሽ ካቴድራል ኣብ ሓደ ግዜ ኣስታት 8000 ኣመንቲ ከአንግድ ይኽእል
ዓርሞሽሻዊ ካቴድራል
ጳጳስ ቴድሮስ ካልኣይ ኣብ ምኽፋት እዚ ግዙፍ ካቴድራል
መግለጺ ስእሊ, ጳጳስ ቴድሮስ ካልኣይ ኣብ ምኽፋት እዚ ግዙፍ ካቴድራል
እዚ ሓዲሽ ካቴድራል ካብ ግብጽኢ ንሸነኽ ምብራቕ ኣስታት 45 ኪሎሜተር'ዩ ተሃኒጹ
መግለጺ ስእሊ, እዚ ሓዲሽ ካቴድራል ካብ ካይሮ ንሸነኽ ምብራቕ ኣስታት 45 ኪሎሜተር'ዩ ተሃኒጹ

ኣብዚ ቀረባ ዝተሃንጸ መስጊድ ኣልፋታሕ ኣልኣለም ዕጽፊ ሰብ ናይዚ ካቴድራለ ክሕዝ ዝኽእል ኮይኑ፡ ክልቲኡ ኣብቲ ካብ ካይሮ ውጽእ ኢልካ ዝርከብ ብሓዲሽ ምምሕዳራዊ መልክዕ ዝህነጽ ዘሎ ኣከባቢ'ዩ ተደኲኑ ዘሎ።

ደጋዊ ክፋል ምስጊድ ኣልፋታሕ ኣልኣለም
ውሽጣዊ ክፋል መስጊድ ኣል ፋታሕ ኣልኣለም