እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሊቀ ጳጳስ-ነበር ቤኔዲክት 16፡ ብዛዕባ ጠንቂ ጾታዊ መጥቃዕቲ ኣብ ህጻናት
ሊቀጳጳስ-ነበር ቤኔዲክት ጠንቂ ናይቲ ኣብዚ እዋን ኣብ ኣብያተ ክርስትያናት ካቶሊክ ዝያዳ ሳዕሪሩ ዝርአ ዘሎ ዘይመንፈሳዊ ባህርያት -መቀጸልታ ናይቲ ኣብ 1960ታት ዝተበገሰ ጸግዒ ዝረገጸ ሰውራ ጾታዊ ናጽነት ኢዩ ኢሎም።
እቶም ጳጳስ ነዚ ዝበሉ፡ ኣብ ዝዘርግሕዎ ደብዳቤ ክኸውን ከሎ፤ እቲ እንኮ ፍታሕ ድማ `ንጎይታና የሱስ ክርስቶስ ምምእዛዝን ምፍቃርን` ኢዩ ኢሎም።
ባህላውን ታሪኻውን ለውጥታት ዘበገሶ ኣብ እምነት ካቶሊክ ዝነበረ ስነ-ምግባር ``ኣፍሪስዎ`` ኢሎም ጡረታ ዝወጹ ሊቀጳጳስ በነዲክት 16።
እቲ ኣብ 1960ታት ዝተርኣየ 'ሰውራ ጾታዊ ናጽነት' ኣብ ካቶሊካዊ ትካላት ግብረ ሰዶምን ኣብ ልዕሊ ቆልዑ ወሲብ ምፍጻምን [Paedophilia] ኣስዒቡ እዩ ኢሎም እቶም ሊቀ ጳጳስ።
ሊቃውንቲ ሃይማኖት ነቲ በቶም ሊቀጳጳስ ዝተዘርግሐ ደብዳበ ``ኣበር ዝመልኦ`` ኢዩ ብምባል ብትሪ ነቒፎሞ።
``ነቲ ንጾታዊ መጥቃዕቲ ካብ ህዝቢ ክኽውል ዝፍትን መዋቕራዊ ጉዳያት፡ ከምኡ ድማ ሊቀጳጳስ ቤኔዲክት ኣብ ቫቲካን ን24 ዓመታት ዝመርሕዎ ዝነበሩ ቤት ጽሕፈት ኣስተምህሮ`ውን ዘይትንክፍ ኢዩ`` ክብል ሓደ ክኢላ ቫቲካን፡ ጆሽዋ ማክኤልዊ፡ ነቲ ዝተዘርገሐ ደብዳቤ ብዝምልከት ንጋዜጣ ናሽናል ካቶሊክ ሪፖርተር ሓቢሩ።
ሊቀጳጳስ ቤኔዲክት ነቲ ጾታዊ መጥቃዕትታት ዋላኳ ምስ 1960ታት እንተራኸብዎ፤ ኣቕሽቲ ንቖልዑ ከምዝዓመጹ ዝገልጽ ገለ ክስታት ቅድሚኡ'ውን ይቐርብ ነይሩ እዩ።
ሊቅ ካቶሊክ፡ ጁሌ ሩቢዮ ኣብ ዝጠቀዐቶ ትዊት፡ እቲ ደብዳበ ``ኣዝዩ ሽግር ዝፈጥር ኢዩ`` ኢላ።
ነቶም ኣብ 2013 ብፍቓዶም ካብ ሊቀጳጳስነት ዝወረዱ ሊቀጳጳስ ቤኔዲክት፡ ኣብ ናይ ካህናት ጉዳያት ጣልቃ ክእትው ልሙድ ኣይነበረን።
እዞም ሊቀጳጳስ፡ ቆልዑ ካብ ጾታዊ ዓመጽ ብዘይምክልኻሎምን ነቲ ዝካየድ ዝነብረ መርመራታት ብምዕባስን ክኽሰሱ ጸኒሖም ኢዮም። ዋላ`ኳ ነቲ ውንጀላ እንተኸሓድዎ።
እቲ እንኮ ፍታሕ ነቲ ዘሎ ሽግራት ድማ ``ንጎይታና የሱ ክርስቶስ ምምእዛዝን ምፍቃርን`` ጥራይ ኢዩ ኢሎም እቶም ሊቀጳጳስ።
እቲ ንሮማዊ ኣብያተ ክርስትያን ካቶሊክ ዘናወጸ ጉድ ጾታዊ ዓመጽ ኣምልኪቶም ዘቕረብዎ ትንታነ ካብ ናይ ሊቀጳጳስ ፍራንሲስ ብዝተፈለየ ስነ-ሃይማኖታውን ታሪኻውን መገዲ ዝተኸተለ ኢዩ።
ኣብ ወርሒ ለካቲት ኣብ ዝተግብረ ኣኼባ፡ ሊቀጳጳስ ፍራንሲስ ነቲ ጉዳይ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ነቲ ጉዳይ ንምምካት ``ምኹናን ጥራይ ዘይኮነ ጭቡጥ ስጉምቲ`` ክንወስድ ኣሎና ኢሎም።
እቲ ሊቀጳጳስ ቤኔዲክት ዝዘርግሕዎ 5,500 ቃላት ዝሓዘ ደብዳበ፡ ኣብቲ ብቋንቋ ጀርመን ዝሕተም መጽሄት ኬለሩስብላት ዝተሓተመ ኮይኑ ሰለስተ ክፋላት ድማ ኣለዎ።
ኣብ ልዕሊ ቆልዑ ወሲብ ምፍጻም
ኣብቲ ቀዳማይ ክፋል፡ ቅድም ክብል ዝነበሩ ንቡር ናይ ወሲብ ኩነታት ኣብ 1960ታት ምሉእ ንምሉእ ክዓንዉ ከምዝጀመሩ ይገልጽ።
ናይ ወሲብ ፊልምታት፡ ዕርቃን ዘርእዩ ስእልታትን ኣብቲ እዋን ዝተቐልቀለ ቅዲ ክዳንን ንናይ ሰባት እእምሮ ኣዕንዩ ክብሉ ነቒፎም።
እዚ ለውጢታት ድማ፡ ኣብ ልዕሊ ቆልዑ ወሲብ ምፍጻም ከም ቅቡል ክውሰድ ምኽንያት ኮይኑ ኢሎም።
ጾታዊ ሰውራ `ግብረ ሶዶምነት` ኣስዒቡ
እብቲ ካልኣይ ክፋል፡ ብዛዕባ `ምፍራስ ኣምራት ስነ-ምግባር ክርስትናን ምቕልቃል 'ግብረ ሶዶምነትን' ኢዩ ዝዝርዝር።
ሓደ ካህን፡ ተማሃርኡ መታን ብዓለማዊ ኩነታት ከይጽለውን እምነቶም ከሐይልን ብምባል ናይ ወሲብ ፊልም ኣርእይዎም።
ጉዳይ ኣብ ልዕሊ ቆልዑ ወሲብ ምፍጻም ክሳብ መፋርቕ 1980ታት ብዙሕ ንቡር ኣይነበረን ኢሎም ሊቀጳጳስ ቤኔዲክት።
ብኣምላኽ ዘይኣምን ሕብረተ-ሰብ `ኣንፈቱ ይስሕት`
ኣብ መወዳእታ እቲ ዝተዘርግሐ ደብዳበ ሕብረተ-ሰብ ኣብ ኣምነቱ ክጸንዕ ይምጉት።
``ስለምንታይ`ዩ ኣብ ልዕሊ ቆልዑ ወሲብ ምፍጻም ዝዓበየ?`` ድሕሪ ምባል ``እቲ ቀንዲ ምኽንያት ኣብ ኣምላኽ ዘይምእማን ኢዩ`` ኢሎም ሊቀጳጳስ ቤኔዲክት።