ኣብደልኣዚዝ ቡቱፍሊቃ፡ ፕረዚደንት ኣልጀርያ ካብ ስልጣኖም ወሪዶም

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ንሰሙናት ዝቐጸለ ሓያል ተቓውሞ ስዒቡ፡ ፕረዚደንት ኣልጀርያ ኣብዱልኣዚዝ ቡቱፍሊቃ ስልጣኖም ንከረክቡ መልቀቕያ ኣእትዮም።
ንዝሓለፉ 20 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሑ ፕረዚደንት ኣልጀርያ ቡተፍሊቃ፡ ተቓውሞ እናሓየለ ምምጽኡ ስዒቡ ንሓምሻይ ግዘ ንምውድዳር ዝነበሮም ትልሚ ውድቂ ገይሮም።
ምክልኻል ሃገር ኣልጀርያ እዞም ክዛረቡን ክንቀሳቐሹን ዘይኽእሉ ወዲ 82 ዓመት ፕረዚደንት፡ ሓላፍነቶም ብግቡእ ክዋጽኡ ኣይኽእሉን ብማለት ስልጠዓኖም በገዛ ፍቓዶም ከረክቡ ምሕታቱ ዝዝከር እዩ።
ቅድሚ ሽድሽተ ዓመት ብሕማም 'ስትሮክ' ካብ ዝጠቅዑ ጀሚሮም ብዙሕ ኣብ ኣደባባይ ኣይተርአዩን።
እቶም ፕረዚደንት ስልጣን ከምዘርክቡ ዕላዊ ምግባሮም ስዒቡ፡ ርእሰ ከተማ ኣልጀርያ፡ ኣልጀርስ፡ ሓጎሶም ንኽገልጹ ብዝወጹ ዜጋታት፡ ብድምጽታት መኪናን ሰብን ተጨናኒቓ ሓዲራ።

ምንጪ ስእሊ, EPA
ሰባት ባንዴራ ኣልጀርያ ሒዞም ከምበልብሉን ሃገራዊ መዝሙር ከስምዑን ሓዲሮም።
ሳልሞይ ሳዲቅ ዝተብሃለ ኣልጀርያዊ ንሮይተርስ ከምዚ ክብል ተሓንዩ። "ምስ ናይ ፈጣሪ ፍቓድ 100% ዲሞክራስያዊ ስግግር ክነካይድ ኢና። እዚ ብጣዕሚ ዓብይ ነገር እዩ። እቲ ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ መንግስቲ ወዲኡእና ክንሰጎ ኢና ንደሊ። እቲ ዝኸበደ ድማ እዚ እዩ"።
እቶም ፕረዚደንት ክወርድ እየ ኢሎም ቅድሚ ሕቶ ምቕራቦም፡ ሓደ መራሒ እቲ ተቓውሞ ሙስጠፋ ቡቻቺ ድማ፤ ናይቶም ፕረዚደንት ካብ ስልጣን ምውራድ ዘይምውራድ ውሳነ ዝቕይሮ ነገር የለን ኢሉ ነይሩ። "እቲ ተቓውሞ ክቕጽል እዩ" ብዝብል።

ምንጪ ስእሊ, AFP/Getty Images
እቲ ዜና፡ ኤ ፒ ኤስ ዝተብሃለ ብሃገራዊ ማእኸል ዜና ኣቢሉ እዩ ተኣዊጁ።
በቲ ናይታ ዓዲ ሕገ መንግስቲ መሰረት፡ መረጻ ክሳብ ዘካየድ ኣፈ ጉባፌ ባይቶ እታ ሃገር ስልጣን ክርከብ እዩ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
