ኣብ ኒውዮርክ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ቤትማእሰርቲ ብምቁራፁ ተቓውሞ ተላዒሉ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ኒውዮርክ እሱራት ስድርኦም፣ ኣዝማዶምን ፈተውቶምን ንምሕታት ዝመፅኡ ሰባት፡ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ብምቁራፁ ኣብቲ ቤትማእሰርቲ ተዓጊቶም፤ ነዚ ስዒቡ ድማ ሰልፊ ተቓውሞ ተወሊዑ።
ኣካል እቲ ኣብ ብሩክሊን ዝርከብ ቤትማእሰርቲ ዝኾነ፡ ቤትማእሰርቲ ሜትሮፖሊታን፡ ካብ ቀፅሪ እቲ ቤትማእሰርቲ ወፃኢ ብምዃን፡ "ሙቐት የለን፡ ኣበይ ኣሎ እቲ መብራህቲ?፣ እቲ ቤትማእሰርቲ ይተዓፆ" ዝብሉ ጭርሖታት ብምሓዝ ተቓውመኦም ገሊፆም።
ኣብቲ ቤት-ማእሰርቲ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ብምቁራፁ ድማ፡ ብዙሓት እሱራት ምስ ዓለም ዘለዎም ርክብ ከምዝተቛረፀ ተገሊፁ።
ዝሓለፈ ቀዳም ነቲ ቤት-ማእሰርቲ ዝተዓዘቡ ኣባል ባይቶ፡ ነዚ ጉዳይ "መባህረሪ" ክብሉ ገሊፆሞ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘሎ ናይ ክረምቲ መጠን ዛሕሊ፡ ነዚ ፀገም ዘኽበዶ እንትኸውን፤ ኣብቲ ቤት-ማእሰርቲ ትሽዓተ ነጥቢ ሓሙሽተ ዲግሪ ሴንቲግሬድ ትሑት መጠን ሙቐት ተመዝጊቡ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣባል ባይቶ ኒውዮርክ ጄሮልድ ናድለር፡ ንሰብመዚ እቲ ቤት-ማእሰርቲ ቅልጡፍ ስጉምቲ ብዘይምውሳድን ዕሽሽ ብምባልን ወቒስዎም።
ጄሮልድ፡ ልዕሊ 1600 እሱራት ኣብ ዝርከብሉ ቀፅሪ እቲ ቤት-ማእሰርቲ ንዝተኣከቡ ውልቀሰባት ከምዝተዛረብዎ፡ እቲ ፀገም ንምፍታሕ ይፅዕሩ ከምዘለዉ ገሊፆም።
ሓደ ውልቀሰብ ኣብ ትዊተሩ ከምዝሓበሮ፡ ሰልፈኛታት ተቓውምኦም እንተስምዑ፡ እሱራት ንመሳኹቲ ይወቕዑ ነይሮም።
ኣብቲ ከባቢ ብዝተባርዐ ሓዊ ናይቲ ቤት-ማእሰርቲ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከምዝተቛረፀ ሰብመዚ ይገልጹ።







![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
