ኣዲስ ኣበባ፡ ነትጕታት ክስማዕ ከም ዝሓደረ ምንጭታት ቢቢሲ ሓቢሮም

ጐደናታት ከተማ ኣዲስ ኣበባ
Published
ንባብ: 2 ደቓይቕ

ኣብ ርእሰ-ከተማ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ፡ ናብ ሓሙስ 01 ጥቅምቲ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ድምጺ ነትጕታት ክስማዕ ከም ዝሓደረ ሮይተርስ ንዝረኸቦ ዲፕሎማስያዊ ምንጭታት ጠቒሱ ኣቃሊሑ። ቢቢሲ'ውን ብወገኑ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ንዝቕመጡ ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ኣዘራሪቡ ነትጕ ከምዝሰምዑ ተዛሪቦም ።

ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣትሒዙ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ምስ ሓይልታት ፈደራል ክዋጋእ ምስ ዝቐነየ ጥምረት ተቓወምቲ ሓይልታት ምትእስሳር ዘለዎ ሓደ ምንጪ ንሮይተርስ ከም ዝገለጾ፡ እቲ ጥምረት ንወተሃደራዊ ትካላትን ንጠቕላሊ መምርሒ ሰራዊት ኢትዮጵያን ዒላማ ዝገበሩ መጥቃዕትታት ሓዊሱ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሓያሎ ናይ ድሮን መጥቃዕትታት ፈጺሙ ክብል ተዛሪቡ።

ቢቢሲ ነዚ መግለጺ'ዚ ዛጊት ብናጻ ኣካል ኣየረጋገጾን።

ቢቢሲ ዘዛራረቦምን ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ከባቢታት ጎተራን ቤተልን ዝነብሩን ውልቀ-ሰባት፡ ነቲ ድምጺ ነትጕ ድሕሪ ፍርቂ ለይቲ ሰዓት 00:20 (6:20 ብኣቈጻጽራ እታ ሃገር) ከም ዝሰምዕዎ ተዛሪቦም።

ኣብ ከባቢ ጎተራ ዝነብሩ ንድሕነቶም ስሞም ከይጥቀስ ዝሓተተቱ ክልተ ነበርቲ፡ ከባቢ ፍርቂ ለይትን ዕስራን ኣቢሉ ኮፍ ኢሎም እናሰርሑ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን "ነቲ ዝነበሩሉ ህንጻ ዘንቀጥቀጠ ከቢድ ነትጕ" ከም ዝሰምዑ ገሊጾም።

ሓደ ካብኦም "እቲ ነትጕ ከቢድ እዩ ነይሩ፤ ዋላ መጠንቀቕታ ደወል (ኣላርም) መኻይን ከም ዝጭድር ገይሩ እዩ" ዝበለ እቲ ነባሪ፡ ነቲ ነትጕ ብግምት ለይቲ ካብ ፍርቂ ለይትን ዕስራን ክሳብ ፈረቓን ኣብ ዘሎ ግዜ ከም ዝሰምዑ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ነቲ ዝተፈጥረ ንምጽራይ ካብ ገዛኡ ከም ዝወጸ ዝሓበረ እቲ ውልቀ-ሰብ፡ ዝተፈልየ ምንቅስቓስ ከም ዘይረኣየ ገሊጹ። ይዅን እምበር፡ እቲ ነትጕ ካብ ኣንፈት 'ጦር ኃይሎች' ይዅን ወይ ካብ 'ኣራተኛ ክፍለ ጦር' ንምጽራይ ዝገበርዎ ፈተነ ኣይሰለጠን።

ኣብ ከባቢ ቤተል 'ጸወታ (ጌም) ንጻወት ነይርና' ዝበለ ካልእ ስሙ ክዕቀበሉ ዝደለየ መንእሰይ ብወገኑ፡ ለይቲ ሰዓት (1:00) (ሸውዓተ) ንሱን ኣዕሩኽቱን ድምጺ ነትጕ ከም ዝሰምዑን፡ ንመንበሪ ከባቢኦም ስለ ዝቐርብ ድማ ካብቲ 'ጠቅላይ ምምሪያ' ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ዝርከበሉ ከባቢ 'ጦር ኃይሎች' ክኸውን ከም ዝኽእልን ተዛሪቡ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዋትስኣፕ ቻነል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ቢቢሲ ንሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ከምኡ'ውን ንቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ምኒስተር ብስልክን ብኢመይልን ዘቕረቦ ሕቶ ምላሽ ኣይረኸበን።

ርክባት ህዝቢ ፖሊስ ፈደራልን ኣዲስ ኣበባን ብወገኖም፡ እቲ ጉዳይ ንዓኣቶም ከም ዘይምልከት ብምግላጽ ምላሽ ካብ ምሃብ ተቘጢቦም።

ቢቢሲ ብዛዕባ እቲ ነትጕ ይዅን ዝወረደ ጉድኣት እንተ ሃልዩ ካብ ነጻ ወገን ንምጽራይ ዝገበሮ ፈተነ ኣይሰለጠን።

ቢቢሲ ዘዛራረቦም ነበርቲ እውን፡ እቲ ነትጕ ሓደ ግዜ ጥራይ ድዩ ወይስ ካብኡ ንላዕሊ ከም ዘጋጠመን ጠንቂ "ድሮን ድዩ ኣይኰነን" ከረጋግጹ ኣይከኣሉን።

እቲ ሓበሬታ እንተ ተረጋጊጹ ግን፡ ብጸረ-መንግስቲ ሓይልታት ኣብ ልዕሊ ርእሰ-ከተማ ኢትዮጵያ ዝተፈጸመ ቀዳማይ መጥቃዕቲ ድሮን ክኸውን እዩ።

ይዅን እምበር ትማሊ ረቡዕ፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ስለያን ድሕነትን ኢትዮጵያ፡ "ጸጥታዊ ስግኣታት" ጠቒሱ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኣን ዝግበር ዝዀነ ይዅን በረራታት ድሮን ንዘይተወሰነ ግዜ እገዳ ከም ዘንበረ ኣፍሊጡ'ሎ።

እቲ ትካል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብታ ርእሰ-ከተማን ከባቢኣን ንዝግበር ዝዀነ ዓይነት በረራ ድሮን ፍቓድ ከም ዘይወሃብ ገሊጹ።

ወሲኹ ድማ፡ ኣብቲ ከባቢ ዝንቀሳቐሳ ድሮናትን ተመሳሰልቲ ናይ ኣየር መሳርሒታትን ንምክትታል፡ ብዝተዋደደ ጸረ-ድሮን ቴክኖሎጂታት ተጠቒምካ ናይ ምክትታልን ምቍጽጻርን ስርሒታት ይካየድ ምህላዉ ሓቢሩ።

ሓይልታት እቲ ጥምረት ተቓወምቲ፡ ቅድሚ ሕጂ ዓቕሚ ድሮን ከም ዘለዎም ዝፍለጥ ነገር ኣይጸንሐን። ይዅን እምበር፡ ኣብ ዝሓለፉ ቀረባ እዋናት ዝወጹ ጸብጻባት፡ እንተ ወሓደ ድሮን ናይ ምውንጫፍ ዓቕሚ ኣጥርዮም ክዀኑ ከም ዝኽኣሉ ክእምቱ ጸኒሖም እዮም።

ሮይተርስ ከም ዝጸብጸቦ፡ እቲ ኣንጻር ህወሓት ዝዋጋእ ዘሎ ደጋፊ መንግስቲ ፈደራል ዝዀነ ሓይሊ፡ ምስ ሓይልታት ትግራይ ምትእስሳር ዘለዎም ኣካላት ድሮንን ባትሪታትን ከም ዝሓዘ ገሊጹ ነይሩ። እዚ ሓበሬታ ግን ብነጻ ወገን ክረጋገጽ ኣይተኻእለን።

እዚ ናይ መወዳእታ ምዕባለታት፡ ብፍላይ እቲ ተፈጺሙ ዝበሃል ዘሎ መጥቃዕትታት ካብቲ ኣብ ክልላት ትግራይ፡ ዓፈርን ኣምሓራን ዝካየድ ዘሎ ንጡፍ ግምባራት ውግእ ኣዝዩ ርሒቑ ንዝርከቡ ዒላማታት ናይ ምውቃዕ ዓቕሚ ከም ዘሎ ዘርኢ ክኸውን ከም ዝኽእልን፤ በዚ ድማ እቲ ግጭት ይሰፍሕ ብዛዕባ ምህላዉ ስግኣታት ከልዕል ከም ዝኽእልን ይግመት።

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ መዳውብቲ ክልላት ትግራይ፡ ኣምሓራን ዓፋርን ዳግም ዝተወልዐ ውግእ ቀዳማይ ሰሙኑ ኣቝጺሩ ይርከብ።

ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ ዳርጋ ንኣርባዕተ ዓመታት ደው ኢሉ ዝነበረ ኵናት፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ኣዋርሕ እናተኻረረ ብዝመጽአ ዝምድናን ወጥርን፡ ዳግማይ ናብ ግጭት ኣምሪሑ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ህወሓት፡ ነቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ከም ዝጀመሮ ካብ ምውቃስ ሓሊፉ፡ ነቲ ሓድሽ ኪዳን ነታ ሃገር ንምብታን ዝዓለመ ፈተነ ከምዝዀነ እዩ መንግስቲ ዝነቅፍ።