ቀጥታ, ካብ ዝፈረሰ ህንፃ ናይሮቢ፡ ክልተ ብህይወት ወፂኦም፡ ሓሙሽተ ገና ደሃዮም ኣይተፈልጠን

ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ንዝደሓኑ ሰባት ንምድላይ ጻዕርታቶም ኣብ ዝቕጽሉሉ ዘለዉ እዋን፡ ሓያሎ ሰባት ኣብ ትሕቲ ፍርስራስ ናይቲ ህንጻ ተደብዮም ክዀኑ ክምዝኽእሉ ይግለጽ። ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ገለ ሰራሕተኛታት እቲ ህንጻ ቅድሚ ምፍራሱ ክሃድሙ ከምዝኸኣሉ ገሊጾም።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ኣብ ርእሰ ከተማ ኬንያ ናይሮቢ፡ እስሊ ኣብ ዝተበሃለ ከባቢ እንተወሓደ 16 ደርቢ ዘለዎ ህንጻ ፈሪሱ፡ ብዙሓት ተጎዲኦም ክዀኑ ከምዝኽእሉ ተገሊጹ።
  • ክልተ ወተሃደራት እስራኤል ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ፍልስጤም ከምዝተቐትሉ ሰራዊት እታ ሃገር ሓቢሩ። ኣብቲ ምስቶም ክልተ ፍልስጤማውያን ዕጡቓት ዝተኻየደ ምልውዋጥ ተዂሲ ካልኦት ሰለስተ እስራኤላውያን'ውን ቆሲሎም ኣለዉ።
  • ክልተ ኢትዮጵያውያን ኣብ ሕርሻ፡ ምዕባለ ገጠርን ውሕስነት መግብን ብዝገበርዎ ኣበርክቶ ካብ ትካል መግብን ሕርሻን ውድብ ሕቡራት ሃገራት (FAO) ኣህጉራዊ ኣፍልጦን ሽልማትን ከም ዝረኸቡ መርበብ ሓበሬታ እቲ ትካል ኣቃሊሑ።
  • የመናውያን ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ምብራቓዊ ዞባ ስዑዲ ዓረብ ብዘካየድዎ መጥቃዕቲ ብውሕዱ ኣርባዕተ ሰባት ከምዝቐተለ ሰብመዚ ሓቢሮም።
  • ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ 2026፡ ትማሊ ረቡዕ ብውልቂ ናይ ግዜ ውድድር ኣብ ዘካየደሉ፡ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ያፌት ሙሉጌታ ኣብ ናይ ትሕቲ 23 ወርቂ ክሽለም እንከሎ መርሃዊ ቅዱስን ድማ ካብ ናይ ዓበይቲ፡ ተሸላሚ ብሩር ኰይኑ።
  • ካብ ከተማ ማሳ - ኢጣልያ ዝመጽኡ "ጕጅለ ሓካይም ባምቢኒ" ን፡ ካብ 9 ክሳብ 20 ጥቅምቲ ኣብ ሆስፒታል ኦሮታ ን25 ህጻናትን ቈልዑን ዕዉት መጥባሕቲ ልቢ ከምዘካየደ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኤርትራ ኣቓሊሐን።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ካብ ዝፈረሰ ህንጻ ናይሮቢ፡ ክልተ ድሒኖም፡ ሓሙሽተ ገና ደሃዮም ኣይተፈልጠን

    ፍርስራስ

    ኣብ ርእሰ ከተማ ኬንያ ናይሮቢ፡ ኣለሻ ዛጊድ ደሃዮም ዘይተፈልጠ ሓሙሽተ ሰባት ኣብ ዝቕጽልሉ ዘሎ እዋን፡ ክልተ ሰባት ካብ ፍርስራስ ናይቲ ህንጻ ብህይወት ድሒኖም።

    እቲ በዓል 16 ወይ 18 ደርቢ [በዓል 16 ደብሪ] ህንፃ፡ ቅድሚ ምፍራሱ ናይ ምስንጣቕ ምልክት ኣርእዩ ምንባሩን ይንገር።

    ኣብ ላዕለዎት ደርብታት ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሰራሕተኛታት ህንፃ ይሰርሑ ዝነበሩ ዀይኖ፡ ብዓቢኡ ግን ከይተጎድአ ክወጹ ክኢሎም።

    እቶም ዝጠፍኡ ኣብ ውሽጢ እቲ ህንጻ ኣብ ዝርከባ ድኳናት ከምዝነበሩ ይግመት።

    እዚ ፍጻመ ኣብ ኬንያ ብዛዕባ ፅሬት ደረጃታትን ስርዓታትን ህንጻ ስክፍታታት ኣስዒቡ ይርከብ።

    ፍርስራስ ህንፃ

    ፖሊስ ብሰንበት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ንበዓልናይ እቲ ህንፃን ሓላፍነት ዝተሰከመ ኮንትራክተርን ኣብ ቀይዲ ንምውዓል ይሰርሕ ከምዘሎ ሓቢሩ።

    እቶም ብቐዳም ዝደሓኑ ክልተ ብህይወት ዝተረፉ ናብ ሆስፒታል ከምዝተወስዱ ፖሊስ ሓቢሩ።

    ካብቲ ፍሉይ ስሙ ኢስሊ ብዝብል ዝፍለጥ ከተማ ናይሮቢ፡ ሰራሕተኛታት ምድሓን ህይወት፡ ዛጊድ ኣብ ውሽጢ ፍርስራስ ተደብዮም ክኰኑ ዝኽእሉ ንምድሓን ይፅዕሩ ኣለዉ።

  2. እስራኤል ኣብ መዓልቲ መረፃ ናብ ዌስት ባንክ ዘሳግሩ መስመራት ክትዓፅው እያ

    ናብ ዌስት ባንክ ዘሳግሩ መስመራት

    ኣብቲ ኣብ ዝመፅእ ሰሉስ ዝካየድ መረፃ፡ ኩሎም ብመሬት ናብ ዌስት ባንክ ዘሳግሩ መስመራት ከም ዝዕፀዉ፡ ሰራዊት እስራኤል ኣፍሊጡ።

    ፍልስጤማውያን ሰራሕተኛታት’ውን፡ ናብ ኩሎም ሰፈራታት ከይኣትዉ ክኽልከሉ እዮም።

    ፍልስጤማውያን ዕጡቓት ኣብቲ ከባቢ ንኽልተ እስራኤላውያን ወተሃደራት ምቕታሎም ስዒቡ፡ እስራኤል ፅኑዕ ስጉምቲታት ድሕነት ትወስደሉ ኣብ ዘላ እዋን እዩ፡ እዞም ክልከላታት ተነቢሮም ዘለዉ።

    ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል፡ ሰራሕተኛታት ፍልስጤም መረፃ ኣብ ዝካየደሉ ዝመፅእ ሰሉስ፡ ናብ ኢንዳስትርያዊ ዞባታት ሓዊሱ ናብ መላእ ጁዳን ሰማርያን ከምኡ’ውን ሩባ ዮርዳኖስ ክኣትዉን ክወፅኡን ከም ዘይፍቀደሎምን፡ ኩሎም ብመሬት ዘሳግሩ መስመራት ከም ዝዕፀዉን ኣፍሊጡ።

    እቲ ሰራዊት ወሲኹ፡ ዝበዝሑ ፍልስጤማውያን ሰራሕተኛታት ካብ ሎሚ ሰንበት ጀሚሩ ናብ ሰፈራታት እስራኤል ክኣትዉ ከም ዘይፍቀደሎም ገሊፁ።

    እንተኾነ ኢንዳስትርያዊ ዞባታትን ኣዝዮም ውሑዳት ከባቢታትን ካብዚ ናይ ሰንበት ክልከላ ወፃኢ ከም ዝኾኑ ሓቢሩ።

    ኣብ ሄብሮን ይፈርሱ ዘለዉ ኣባይትን ትካላት ንግድን

    ቅድሚ እቲ ሓማስ ብ07 ጥቅምቲ 2023 ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝፈፀሞ መጥቃዕቲ ልዕሊ 100 ሽሕ ፍልስጤማውያን ሰራሕተኛታት ንስራሕ ናብ እስራኤል ክኣትዉ ይፍቀደሎም ነይሩ።

    ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ግና ውሑድ ቁፅሪ ዘለዎም ፍልስጤማውያን ሰራሕተኛታት ጥራሕ’ዮም፡ ናብ እስራኤል ኣትዮም ክሰርሑ ፍቃዶም ተመሊስሎም።

    ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ፡ ፍልስጤማውያን ዕጡቓት ንኽልተ እስራኤላውያን ምቕታሎም ስዒቡ፡ ዓብይ ወተሃደራዊ ወፍሪ ከም ዝውሰድ ገሊፁ።

    በቲ መጥቃዕቲ ሰለስተ ወተሃደራት እስራኤል ዝቖሰሉ እንትኾኑ፡ ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈፀሙ ዕጡቓት ድማ ተቐቲሎም እዮም።

    ሰራዊት እስራኤል፡ ኣብ ሄብሮን ዝርከቡ ኣባይትን ትካላት ንግድን የፍርስ ኣሎ፤ ከም ሳዕቤኑ ድማ ብኣማኢት ዝቑፀሩ ስድራቤታት ካብ መንበሪኦም ተመዛቢሎም ኣለዉ።

  3. ኣብ ዮርዳኖስ ኣብ ዝርከብ ቤተክርስትያን ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 7 ሰባት ተቐቲሎም

    ኣብ ዮርዳኖስ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቀብሪ ኣብ ዝነበሩ ሰባት ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 7 ሰባት ከምዝተቐትሉ ሰበስልጣን እታ ሃገር ኣፍሊጦም።

    ብዓርቢ፡ ኣብ ግዝኣት ካራግ ኣብ ዝርከብ ሕሙድ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ፡ ዕጡቓት ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ተዅሲ ብውሕዱ 34 ሰባት እውን ቆሲሎም ኣለዉ።

    መንነቶም ዘይተፈልጠ ዕጡቓት ብመኪና ናብቲ ቤተክርስትያን ብምኻድ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ዝተረኸቡ ሰባት ተዅሲ ከምዝኸፈቱ እዩ ዝግለጽ ዘሎ።

    ነቲ መጥቃዕቲ ብዝምልከት ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል ዛጊት የለን።

    ምኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ማዘን ኣል-ፋራያ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ፖሊስ እታ ሃገር ነቶም "ጕጅለ ኣኽረርቲ" ኢሎም ዝገለጽዎም ገበነኛታት ኣብ ቀይዲ ንምእታው ይሰርሕ ከምዘሎ ሓቢሩ።

    ብኣንጻሩ ንጉስ ዮርዳኖስ ዳግማዊ ዓብደላ "እቶም ንካራክ ዒላማ ዝገበረ ግብረሽበራዊ ተግባር ዝፈጸሙ ብኸቢድ ክቕጽዑ እዮም" ኢሉ።

    መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሉ ቤተክርስትያን
  4. ኬንያ፡ ኣብ ናይሮቢ በዓል 16 ደርቢ ህንጻ ሃንደበት ፈሪሱ ጉድኣት ኣስዒቡ

    ሰራሕተኛታት ምድሓን ህይወት ኣብ ጥቓ እቲ ዝፈረሰ ህንጻ

    ኣብ ርእሰ ከተማ ኬንያ ናይሮቢ፡ እስሊ ኣብ ዝተበሃለ ከባቢ እንተወሓደ 16 ደርቢ ዘለዎ ህንጻ ፈሪሱ፡ ብዙሓት ተጎዲኦም ክዀኑ ከምዝኽእሉ ተገሊጹ።

    ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ንዝደሓኑ ሰባት ንምድላይ ጻዕርታቶም ኣብ ዝቕጽሉሉ ዘለዉ እዋን፡ ሓያሎ ሰባት ኣብ ትሕቲ ፍርስራስ ናይቲ ህንጻ ተደብዮም ክዀኑ ክምዝኽእሉ ይግለጽ።

    ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ገለ ሰራሕተኛታት እቲ ህንጻ ቅድሚ ምፍራሱ ክሃድሙ ከምዝኸኣሉ ገሊጾም።

    እቶም ሰራሕተኛታት ከም ዝበልዎ፡ ገለ ካብኣቶም እቲ ህንጻ ቅድሚ ምፍራሱ ክናወጽ ተሰሚዕዎም። እንተኾነ ጠንቂ እቲ ፍጻመ ክሳብ ሕጂ ብወግዒ ኣይተፈልጠን።

    ካብ ዝተፈላለዩ መንግስታዊ ትካላት ዝመጸ ሓባራዊ ጕጅለ ጸጥታ ድማ ንስርሓት ህይወት ኣድሕን ንምክትታል ተዋፊሩ ኣሎ።

    ሰብመዚ ኬንያ ኣብ ናይሮቢ ከባቢ እስሊ፡ ወናኒ ናይቲ ዝፈረሰ ህንጻ ኣብ ምድላይ ይርከቡ'ለዉ።

    ኣመሓዳሪ ናይሮቢ ጆንሰን ሳካጃ ኣብቲ ከባቢ በቲ ፍጻመ ከይጽለዉ ዝሰግኡ ስድራ ሓበሬታ ይወሃብ ከምዘሎ ሓቢሩ።

    ዋና ሓላፊ ሓደጋ ዞባ ናይሮቢ ብራምዌል ሲሚዩ ንቢቢሲ ከምዝገለጾ፡ እቲ ህንጻ ክፈርስ ከሎ ክንደይ ሰባት ኣብ ውሽጢ እቲ ህንጻ ከምዝነበሩ ክሳብ ሕጂ ኣይተፈልጠን።

    ገለ ካብቲ ታሕተዋይ ደርቢ ፍቓድ ንዘይተወሃቦም ንጥፈታት ይውዕል ከምዝነበረ ንሰበስልጣን ከምዝተሓበረ ይግለጽ።

    "ኣብ ገለ ታሕተዎት ደርብታት እቲ ህንጻ ፍቓድ ዘይብሉ ንጥፈታት ከምዝነበረ ተሓቢሩና ኣሎ። ገለ ሰባት ኣብኡ ንጥፈታቶም የካይዱ ነይሮም" ይብል ስሚዩ።

    ንሱ ወሲኹ፡ ምምሕዳር እቲ ዞባ ስርሒት ምድላይን ምድሓንን ከምዝጀመረን፡ ኣድላዪ መሳርሒታት ናብቲ ቦታ ንምውዳብን ንምውፋርን ጻዕርታት ይቕጽል ከምዘሎን ሓቢሩ።

    ሰራሕተኛታት ምድሓን ህይወት
  5. ክልተ ወተሃደራት እስራኤል ብዕጡቓት ፍልጤም ተቐቲሎም

    ሓደ ብረት ኣብ የማናይ ኢዱ ዝሓዘ ዕጡቕ

    ክልተ ወተሃደራት እስራኤል ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ፍልስጤም ከምዝተቐትሉ ሰራዊት እታ ሃገር ሓቢሩ።

    ኣብቲ ምስቶም ክልተ ፍልስጤማውያን ዕጡቓት ዝተኻየደ ምልውዋጥ ተዂሲ ካልኦት ሰለስተ እስራኤላውያን'ውን ቆሲሎም ኣለዉ።

    እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ኣፍደገ ከተማ ሄብሮን ኣብ ዝርከብ ነቚጣ ፍተሻ'ዩ ኣጋጢሙ።

    እቶም ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ክልተ ዕጡቓት ኣብቲ ረጽሚ ከምዝተቐትሉ ሰብመዚ ገሊጾም።

    ብቕትለት ወተሃደራቱ ዝተቖጥዐ ቀዳማይ ሚኒስተር በንጃሚን ነታንያሁ፡ እቲ ሰፈራታት እስራኤል ዝርከቦን ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ፍልስጤም ዘሎን ምዕራባዊ ገማግም ካብ ሎሚ ዓርቢ ጀሚሩ ኣብ ምሉእ ዕጽዋ ክኣቱ ኣዚዙ'ሎ።

    ኣብዚ ቀረባ እዋን ሕሉፋት እስራኤላውያን ሰፋሮ ኣብ ሓያሎ ቦታታት እቲ ገማግም ወጥሪ ፈጢሮምሉ ኣብ ዘለዉ እዋን'ዩ እዚ ስጉምቲ ተወሲዱ ዘሎ።

    ኣብታ እቶም ዕጡቓት ሒዞማ ዝነበሩ መኪና ብርክት ዝበለ ተተኮስቲ ከምዝተረኽበ ሰራዊት እስራኤል ጠቒሱ።

    እዚ ሓድሽ ኲነታት ነቲ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ዝካየድ ሓፈሻ ምርጫ እስራኤል ክጸልዎ ጀሚሩ ከምዘሎ ይግለጽ።

    እቲ ንሻውዓይ ግዜ መራሒ እታ ሃገር ክኸውን ዝወዳደር ዘሎ ነታንያሁ ድሮ ነቲ ፍጻመ ክጉስጉሰሉ ጀሚሩ'ሎ። ጉዳይ ጸጥታን ድሕነትን እስራኤል ሓደ ካብቶም ነታንያሁ ደገፍ ዝረኽበሎም ዓበይቲ ሃገራዊ ጉዳያት እዮም።

    ቀንዲ ተቐናቓኒኡን ኣብቲ ምርጫ ዝመርሕ ዘሎን ጋዲ ኢሰንኮት በቲ መጥቃዕቲ ዝተሰምዖ ሓዘን ገሊጹ'ሎ።

  6. ክልተ ኢትዮጵያውያን ኣብ ሕርሻን ምህዞን ብዝገበርዎ ኣበርክቶ ተሸሊምም

    ክልተ ኢትዮጵያውያን ኣብ ሕርሻ፡ ምዕባለ ገጠርን ውሕስነት መግብን ብዝገበርዎ ኣበርክቶ ካብ ትካል መግብን ሕርሻን ውድብ ሕቡራት ሃገራት (FAO) ኣህጉራዊ ኣፍልጦን ሽልማትን ከም ዝረኸቡ መርበብ ሓበሬታ እቲ ትካል ኣቃሊሑ።

    ካብ ክልል ጋምቤላ ኢትዮጵያ ዝዀነት ሓረስታይን በዓልቲ-ዋኒንን ሰናይት ገዛኸኝ፡ ኣብ 2026 ኣብ ስርዓታት መግቢ-ሕርሻ (Agrifood Systems) ምዕባለ ገጠርን ካብ ዝተረኽባ 100 ጀጋኑ ደቀንስትዮ FAO ክትስመ እንከላ፣ ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ዩኒቨርሲቲ ኣርባ ምንጭ ዝዀነ ኣዲሱ ፈቃዱ ኣንደታ ድማ፡ ኣብ መስርሕ ምድላው “እንሰት”ብዘምጸኦ ሓድሽ ምህዞ ናይ 2026 ሽልማት ዓወት ፋኦ (FAO Achievement Award) ተቐቢሉ።

    ካብ ክልል ጋምቤላ፡ ወረዳ መንገሽ ሓረስታይ ዝዀነት ሰናይት ገዛኸኝ፡ ብስርሓ ከም ሓረስታይ፡ ዋንነት ናይ ሕርሻዊ-ንግዲን መራሒት ማሕበረሰብን ኣፍልጦ ረኺባ።

    ኣደ ትሽዓተ ውሉዳት ዝዀነት ሰናይት፡ ንናይ ስድራ-ቤት ሕርሻኣ ናብ ዕፉን፡ ሩዝ፡ ሰሊጥን ቡንን ዘፍሪ እተፈላለየ መልክዕ ዘለዎ ትካል ብምስፋሕ፡ ማዕረ-ማዕሪኡ ድማ ጥሪት እናረብሐትን 20 ሄክታር መሬት ግራት ቡን ተመሓድርን ኣላ።

    ዋኒናታ፡ ሓደ መጥሓኒ እኽሊ፡ ቤት ብልዒን ከምኡ'ውን ንከባብያውያን ሓረስቶት ዘገልግል ትካላት መጻረዪ ሩዝን የጠቓልል።

    ትካል መግብን ሕርሻን ዓለም - ፋኦ ከም ዝገለጾ፡ ስርሓ ካብ ሕርሻ ዝሓለፈ እዩ። ኣብ ማሕበረሰባ ንዘለዋ ደቂ-ኣንስትዮን ተነቀፍቲ ጕጅለታትን ደጊፋ እያ።

    እዚ ድማ ንበይነን ቈልዑ ንዘዕብያ ኣደታት ኣገልግሎት ትራክተር ክረኽባ ብምሕጋዝን ኣብ ንኣሽቱ ንግዲ ዝተዋፈራ ደቀንስትዮ ብምድጋፍን ዘጠቓልል እዩ።

    ንሳ ንልዕሊ 600 ሓረስቶት ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ኵነታት ኣየር ዘገናዘበ ኣገባብ ሕርሻን ምዕቃብ ከባብን ዘሰልጠነት ክትከውን ከላ፡ ዋኒናታን ናይ ልምዓት ፕሮጀክትታታን ድማ ንልዕሊ 500 መንእሰያት ዕድል ስራሕ ፈጢሩ ኣሎ።

    ናይ ከባቢ ተበግሶታታ፡ ምፍራይን ምትካልን ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ፈልሲ ቡን፡ ከምኡ’ውን ኣሽሓት ፈልስታት ተኽሊ ፍረታት (ፍሩታ) ዘጠቓልል እዩ ነይሩ።

    እዚ ኣፍልጦ፡ ተጻዋርነት ዘለዎ፡ ኵሉ-ዝሓቘፈን ቀጻልነት ዘለዎን ስርዓታት መግቢ ኣብ ምህናጽ ደቀንስትዮ ዘለወን ተራ ዘጕልሕ እዩ ክብል FAO ገሊጹ።

    ተሸለምቲ
  7. ክታበት መንሽሮ፡ ኣብ ውልቀሰብ ዝተገበረ ፈተነ መንሽሮ ቆርበት (ሜላኖማ) ጽቡቕ ውጽኢት ኣርእዩ

    ብመፍረይቲ መድሃኒት ሞደርናን ኤምኤስዲን ዝማዕበለ ውልቃዊ (ፐርሰናላይዝድ) ክታበት መንሽሮ፡ ምስ ስሩዕ ሕክምና ኢሙኖተራፒ ተደሚሩ ምስ ዝወሃብ፡ መንሽሮ ቆርበት ናይ ምምላስ ወይ ሞት ናይ ምስዓብ ሓደጋ ብ42% ከም ዝንክዮ፡ ውጽኢት ሓደ ዓቢ ክሊኒካዊ መጽናዕቲ ሓቢሩ።

    እዚ መጽናዕቲ ነቶም ብመጥባሕቲ ‘ቱመርስ’ ዝተኣለየሎም፡ ሜላኖማ ዝተባህለ ሓደገኛ ዓይነት መንሽሮ ቆርበት ዘለዎም ልዕሊ 1,100 ሕሙማት ዘሳተፈ እዩ።

    ኵሎም ተሳተፍቲ ኬይትሩዳ ዝበሃል፡ ስርዓት ምክልኻል ኣካላት ዋህዮታት መንሽሮ ፈሊዩ ንኽጥቅዕ ዝሕግዝ ናይ ኢሙኖተራፒ መድሃኒት ወሲዶም።

    ኣስታት ክልተ-ሲሶ ናይቶም ተሳተፍቲ ድማ፡ 'ኢንቲስመራን' ዝበሃል ፈተነኣዊ ክታበት እውን ተዋሂብዎም።

    እቶም ተመራመርቲ ከም ዝረኸብዎ፡ እቶም ነቲ ክታበትን ሕክምና ኢሙኖተራፒን ብሓባር ዝወሰዱ ሕሙማት፡ መንሽሮኦም ናይ ምምላስ ወይ ናይ ምልባዕ ዕድሉ ብዓቢኡ ትሑት እዩ ነይሩ።

    እቲ ሕማም ናብ ካልእ ክፋል ኣካላት ናይ ምልባዕ ሓደጋ ድማ፡ ምስቶም ኢሙኖተራፒ ጥራይ ዝወሰዱ ክነጻጸር ከሎ፡ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመታት ብ38% ነክዩ ኣሎ።

    እዚ ክታበት’ዚ፡ ምስቲ ኣብ ገለ ክታበታት ኮቪድ-19 ዝውዕል ብዝመሳሰል ቴክኖሎጂ ኤም.ኣር.ኤን.ኤ (mRNA) እዩ ዝጥቀም።

    ይዅን እምበር ካብ ንቡራት ክታበታት ብዝተፈልየ፡ ነቲ ካብ ዕበይቶም ዝርከብ ጀነቲካዊ ሓበሬታ ብምጥቃም ንነፍሲ ወከፍ ሕሙም ብውልቂ ዝተዳለወ እዩ። ዕላማኡ ድማ ስርዓት ዑቝባ ኣካላት፡ ዋህዮታት መንሽሮ እንደገና እንተተመሊሶም ፈልዩ ከጥፍኦም ንምስልጣን እዩ።

    ኣብቲ መጽናዕቲ ዝተሳተፉ ስነ-ፍልጠታውያን ከም ዝብልዎ፡ እዚ ርኽበታት እዚ ንውልቃዊ ሕክምና መንሽሮ ዓቢ ስጕምቲ ንቕድሚት ክኸውን ይኽእል እዩ።

    ኣብቲ መጽናዕቲ ዝተሳተፈት ኣማኻሪት ሓኪም መንሽሮ ዝዀነት ፕሮፌሰር ፒፓ ኮሪ፡ ነቲ ውጽኢት ንኣገዳስነት ናይቲ ቴክኖሎጂ “መርትዖ” ክትብል ገሊጻቶ ኣላ።

    እዚ ኣገባብ እዚ፡ መንሽሮ ኵሊት፡ ፊሕኛን ሳምቡእን ሓዊሱ ካልእ ዓይነት መንሽሮ ኣብ ዘለዎም ሕሙማት እውን ይፍተን ኣሎ።

    ይዅን እምበር፡ እዚ ሕክምና እዚ ንሓፈሻዊ ህላወ ህይወት ዘመሓይሽ ምዃኑ ንምርግጋጽ ንዝነውሐ ግዜ ምክትታል ከም ዘድሊ ብምሕባር፡ ናጻ ዝዀኑ ክኢላታት ጥንቃቐ ክግበር ጸዊዖም ኣለዉ።

    ፕሮፌሰር ኣላን መልቸር ካብ ትካል መጽናዕቲ መንሽሮ፡ እቲ ውጽኢት “ኣዝዩ ዘደንቕ” እኳ እንተዀነ፡ ኣብ ሜላኖማ ምርካብ ዓወት ግን እቲ ስትራተጂ ኣብ ኵሉ ዓይነት መንሽሮ ክሰርሕ እዩ ማለት ከም ዘይኰነ ኣጠንቂቑ።

    ሞደርናን ኤምኤስዲን ነቲ ውጽኢት ምስ ተቘጻጸርቲ ኣካላት ይዛተያሉ ከም ዘለዋን፡ ምናልባት ኣብ ዝቕጽል ዓመት ነቲ ክታበት ፍቓድ ንምርካብ ክሓታ ከም ዝኽእላን ገሊጸን።

    እቲ መጽናዕቲ ንሕሙማት ንዝነውሐ እዋን ምክትታሉ ክቕጽል እዩ፤ እቲ ምሉእ ርኽበታት ድማ ኣብ ማድሪድ ኣብ ዝካየድ ዋዕላ መንሽሮ ክቐርብ ትጽቢት ይግበር። እዚ ውጽኢታት ክሳብ ሕጂ ብመዛኑ ኣብ ዝግምገም ሕክምናዊ መጽሔት ኣይተሓትመን።

    ሕክምና ዝግበረሉ ሰብ
  8. ስዑዲ ዓረብ፡ መጥቃዕቲ ሑቲ ሓያለ ሰባት ቀቲሉ

    ናብ ዳማም

    የመናውያን ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ምብራቓዊ ዞባ ስዑዲ ዓረብ ብዘካየድዎ መጥቃዕቲ ብውሕዱ ኣርባዕተ ሰባት ከምዝቐተለ ሰብመዚ ሓቢሮም።

    ትማሊ ምሸት፡ ኣብ ከተማ ዳማም ኣብ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ንጉስ ፋሃድ ዝተቐትሉ ግዳያት ዜጋታት ስዑዲን ህንዲን ምዃኖም ሲቪል ኣቬሺን እታ ንግስነት ገሊጹ።

    ብኢራን ዝድገፍ ጉጅለ ሑቲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሚሳይላቱን ድሮናቱን ነቲ መዓርፎ ነፈርቲ ዒላማ ከምዝገበራ ጠቒሱ።

    ወተሃደራዊ ኣፈኛ እቲ ጉጅለ ያሕያ ሳሪዓ ከምዝበሎ፡ ኣብ ዳማም ዘካየድዎ መጥቃዕቲ ነቲ መዓርፎ ነፈርቲን ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ምክልኻልን ዒላማ ዝገበረ'ዩ ነይሩ።

    ብረቡዕ ንጉሆ'ውን ኣብ ምብራቓዊ ኣውራጃ እታ ሃገር ኣብ ዝተኻየደ ተመሳሳሊ ደብዳብ ክልተ ሰባት ከምዝተቐትሉ ሪያድ ሓቢራ'ላ።

    መጥቃዕትታት ሑቲ ኣብ ልዕሊ ስዑድ ዓረብ ኣብ ዝሓየለሉ፡ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ገለ ዲፕሎማሰኛታቱ ምስ ስደራቤቶም ካብታ ሃገር ክወጽኡ ኣዚዛ።

    ብሪጣንያን ግብጽን'ውን ነታ ንግስነት ወተሃደራዊ ደገፍ ክህባ ከምዝወሰና ይዝከር። ለንደን ነፈርቲ ኲናት ከተዋፍር እንከላ፡ ካይሮ ብወገና "ኣድላዪ" ሓገዝ ክትገብር ምዃና ኣፍሊጣ ነይራ።

  9. ሻምፕዮን ኣፍሪቃ - ያፌት ወርቂ ተሸሊሙ

    ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ 2026፡ ትማሊ ረቡዕ ብውልቂ ናይ ግዜ ውድድር ኣብ ዘካየደሉ፡ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ያፌት ሙሉጌታ ኣብ ናይ ትሕቲ 23 ወርቂ ክሽለም እንከሎ መርሃዊ ቅዱስን ድማ ካብ ናይ ዓበይቲ፡ ተሸላሚ ብሩር ኰይኑ።

    ኣብ ናይ ትሕቲ 23 ዓመት ዝተወዳደረ ያፌት፡ ንዝተሰርዐ 30.6 ኪሎሜተር፡ ብገምጋም 1ይ ዝወጸ ያፌት፡ ምስቶም 2ይን 3ይን ዝወጹ ደቡብ ኣፍሪቃውያን 43.8 ኪሎሜተር እናረገጸ - ብ41 ደቒቕን 53 ካልኢትን ዛዚምዎ። ‘ዝቐልጠፈ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳማይ 2026 ናይ ትሕቲ 23 ዓመት’ ብምዃን ከኣ፡ ማልያ ሻምፕዮን ለቢሱ።

    ኤርትራ፡ ኣብቲ ካብ 21 ክሳብ 25 ጥቅምቲ 2026 ኣብ ኬንያ ከተማ ኪሱሙ ዝካየድ ቻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ 2026 ኣትሳተፍ እያ ንኬንያ ኣቲያ።

    ሻምፕዮን ኣፍሪቃ - ያፌት ወርቂ ተሸሊሙ
  10. ኣስመራ፡ ዕዉት መጥባሕቲ ልቢ ቈልዑ ኣብ ሆስፒታል ኦሮታ

    ካብ ከተማ ማሳ - ኢጣልያ ዝመጽኡ "ጕጅለ ሓካይም ባምቢኒ" ን፡ ካብ 9 ክሳብ 20 ጥቅምቲ ኣብ ሆስፒታል ኦሮታ ን25 ህጻናትን ቈልዑን ዕዉት መጥባሕቲ ልቢ ከምዘካየደ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኤርትራ ኣቓሊሐን።

    እቶም ካብ መላእ ሃገር ዝመጽኡ ህጻናትን ቈልዑን፡ ህጹጽ ሕክምና ዘድልዮም ዝነበሩ ኰይኖም፡ ኣብ ክሊ ዕድመ ክልተ ሰሙን ክሳብ 19 ዓመት ከምዝነበሩ ተገሊጹ።

    መጥባሕቲ ዝተኻየደሎም፡ ምስ ሕማም ልቢ ዝተወልዱን ድሕሪም ውላዶም ብዝተፈላለየ ምኽንያት ዘማዕበልዎ ምዃኖም ሓላፊት ሆስፒታል ህጻናት ፕሮፈሰር ጽገሬዳ ገብረህይወት ገሊጻ።

    ጠርናፊ ኢጣልያዊ “ጕጅለ ሓካይም ባምቢኒ" ዶ/ር ብሩኖ ሙርዚ ብወገኑ፡ ካብ 2006 ኣብ ዓመት ክልተ ግዜ እናመጹ ኣገልግሎት መጥባሕቲ ከምዝህቡ፡ ሎሚ ዓመት ድማ 20 ኣባላት ሒዞም ብምምጻእ ተልእኾኦም ብጽፉፍ ከምዘሳለጡ ኣመልኪቱ።

    ኣብ ሆስፒታል ኦሮታ፡ ንቈልዑ ዕዉት መጥባሕቲ ልቢ ተኻዪዱ
  11. ሜታ ብሰንኪ ‘ውልቃዊ ሓበሬታ’ ተጠቀምቲ 25 ቢልዮን ዶላር ተቐጺዑ

    ሓደ ዳኛ ኣብ ኒው ሜክሲኮ ግዝኣት ኣመሪካ፡ ትካል ሜታ (ቀንዲ ዋንነት ፌስቡክ፡ ኢንስታግራምን ዋትስኣፕን ዝዀነ ኩባንያ)፡ ብዛዕባ ኣተሓሕዛ ውልቃዊ ሓበሬታ ተጠቀምቲ ንህዝቢ ንዓመታት ከስድዕ ከም ዝጸንሐ ብምርካቡ 25 ቢልዮን ዶላር መቕጻዕቲ ኣዚዙ።

    እዚ ውሳነ’ዚ ነቲ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ዝተኻየደ ናይ ክልተ ሰሙን ፍርዳዊ መስርሕ ዝስዕብ ኰይኑ፡ ምስቲ ናይ ኬምብሪጅ ኣናሊቲካ (Cambridge Analytica) ዕንቅፋት ዝተኣሳሰር እዩ።

    ኣብኡ ውልቃዊ ሓበሬታ ሚልዮናት ተጠቀምቲ ፌስቡክ ብዘይ ግቡእ ፍቓድ ብሓንቲ ፖለቲካዊት ኣማኻሪት ኩባንያ ተረኺቡ ነይሩ።

    እዚ ጕዳይ ኣብቲ ሜታ ሓበሬታኦም ብዘይ ፍቓዶም ንሳልሳይ ኣካል ከም ዘይወሃብ ንተጠቀምቲ ብተደጋጋሚ መረጋገጺ ይህብ ነይሩ ዝብል ክስታት ዘተኰረ ኰይኑ፡ እዚ ድማ ዝተኣከበ መርትዖታት ብኣንጻሩ ስለዘመልከተ እዩ።

    ዳኛ ፍራንሲስ ማቲው፡ ኣካይዳ ናይቲ ኩባንያ “ኮነ ተባሂሉ” ዝተገብረን ካብ 2010 ክሳብ 2021 ንልዕሊ ሓደ ዓሰርተ ዓመታት ዝጸንሐን እዩ ኢሉ።

    ኣብ ውሳነኡ፡ እቲ ንዋና ኣካያዲ ስራሕ ማርክ ዙከርበርግ ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ዘጠቓልል ርክባት፡ ህዝቢ ብዛዕባ ኣተኣኻኽባ፡ ዝርጋሐን ኣጠቓቕማን ሓበሬታ ተጠቀምቲ ንምትላል ተባሂሉ ዝተዳለወ እዩ ኢሉ።

    ሓደ ጕጅለ ፈረድቲ (jury)፡ ሜታ ንሕግታት ግዝኣት ኒው ሜክሲኮ ልዕሊ 40 ሚልዮን ግዜ ከም ዝጠሓሰን፡ ከምኡ'ውን ብዛዕባ ኣተሓሕዛ ጐዳኢ ትሕዝቶታት (ናይ ጽልኢ ዘረባ ሓዊሱ) ንህዝቢ ኮነ ኢላ ከም ዘታለለን ኣረጋጊጹ።

    ጠቕላሊ ዓቃብ ሕጊ ኒው ሜክሲኮ ራውል ቶረዝ፡ ነቲ ውሳነ ተቐቢልዎ፤ እዚ ድማ እተን ኣብ ዓለም ዝዓበያ ኩባንያታት ቴክኖሎጂ እኳ እንተዀና ሕጊ ብምጥሓሰን ተሓተቲ ክዀና ከም ዝኽእላ ዘርኢ እዩ ኢሉ።

    ሜታ ነቲ ክስታት ነጺጕ ይግባይ ክብል መደብ ከም ዘለዎን ገሊጹ። ናይቲ ኩባንያ ላዕለዋይ ሓላፊ ሕጊ ዝዀነ ሲጀይ ማሆኒ፡ እቲ ውሳነ ሜታ ኣብ ኒው ሜክሲኮ ክሰርሕ "ዳርጋ ዘይከኣል" ይገብሮ ብምባል ተኻቲዑ።

    ነቲ ክሲ ድማ ኣብ ናይ ኦንላይን ዘረባ ሓደስቲ ደረታት ንምግባር ዝግበር ፈተነ እዩ ክብል ገሊጽዎ።

    እዚ ናይ 25 ቢልዮን ዶላር መቕጻዕቲ፡ ኣብ ልዕሊ ሜታ ካብ ዝተበየኑ መቕጻዕትታት እቲ ዝዓበየ እዩ።

    እቲ ቤት ፍርዲ ኣብ ብዝሒ ናይቶም ጥሕሰታት ብምምርኳስ ክሳብ 219 ቢልዮን ዶላር ክበጽሕ ዝኽእል መቕጻዕቲ እንተ ሓሰበ፡ እቲ ዳኛ ግን ነቲ መጠን ኣጕዲልዎ እዩ።

    እዚ ውሳነ፡ ኣብ ዝሓለፉ ቀረባ ዓመታት ብሰንኪ ጕዳያት ውልቃዊ ስቱርነትን ድሕነት ህጻናትን፡ ኣብ ልዕሊ ሜታ ካብ ዝተገብሩ ካልኦት ዓበይቲ ስምምዓትን መቕጻዕትታትን ስዒቡ ዝመጸ እዩ።

    ማክ ዙከርበርግ
  12. ኢትዮጵያ፡ ካብ ማህጸን ጓለንስተይቲ 19 ኪሎግራም ሕበጥ ተኣልዩ

    ኣብ ቅድስቲ ጳውሎስ ሚለንየም ሜዲካል ኮሌጅ ካብ ማህጸን ጓል 40 ዓመት ጓለንስተይቲ 19 ኪሎ ዝምዘን ሕበጥ ብዕዉት መብጣሕቲ ከምዝተኣልየ መንግስታዊ ማዕከን ዜና ኢቢሲ ሓቢሩ።

    እታ ኣደ ኣርባዕተ ቈልዑ ዝዀነት ንኣስታት ሸውዓተ ኣዋርሕ ኣብ ከብዳ ዝዝጋሕ ሕበጥ ከም ዘጋጥማ ትገልጽ።

    ነቲ መብጣሕቲ ዘካየደ ዶክተር ታደሰ፡ እቲ ኵነታት "ጽኪ ማህጸን" ተባሂሉ ከም ዝፍለጥን- እዚ ድማ ኣብ ውሽጢ ስርዓተ ምፍራይ ደቀንስትዮ ዝብገስ ዓይነት ሕበጥ እዩ ይብል።

    ቀንዲ ጠንቂ ናይቲ ኵነታት ብጭቡጥ'ኳ እንተዘይተፈልጠ፡ ኣብ ማህጸን ኣብ ዝካየድ መስርሕ ምብዛሕ ዋህዮታት ካብ ዝፍጠር ጀነቲካዊ ዘይንቡር ተርእዮታት ከም ዝፍጠርን፡ ናብ ምፍራይ ዘይንቡር ዋህዮታት ከም ዝመርሕን እቲ ሓኪም ይገልጽ።

    ምስ ግዜ እዞም ዋህዮታት እዚኣቶም ክበዝሑን ናብ ዓቢ ሕበጥ ክምዕብሉን ይኽእሉ እዮም፣ እዚ ድማ መንሽሮ ክኸውን ይኽእል ይብል እቲ ሓኪም።

    ብተወሳኺ እዚ ኵነታት ኣብ ኣረጋውያን ደቀንስትዮ ብተደጋጋሚ ከምዝረአን፤ ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ብዘይ ዝዀነ ምልክት ንነዊሕ እዋን ይጸንሕ። እቲ ሕበጥ ናብ ኣዝዩ ዓቢ ስፍሓት ምስ ዓበየ ጥራይ እዩ ክፍለጥ ዝኽእል።

    ኢትዮጵያ፡ ካብ ማህጸን ጓል ኣንስተይቲ 19 ኪሎግራም ዝምዘን ሕበጥ ብዓወት ተኣልዩ
  13. ኣቦ መንበር ህወሓት ገለ ሰበስልጣን ህወሓት ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኢዶም ከምዝሃቡ ኣረጋጊጹ

    ኣቦ መንበር ህወሓት ደብረጸዮን ገብረሚካኤል ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ መላእ ክልል ምስ ሓይልታት ፈደራል ዝካየድ ዘሎ ውግእ ይቕጽል ከምዘሎን ገለ ሰበስልጣን ህወሓት ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኢዶም ከምዝሃቡ ኣረጋጊጹ።

    ብመሰረት ዶ/ር ደብረጸዮን፡ ገለ ሰበስልጣን ህወሓት ኢዶም ክህቡ እንከለዉ፡ እቲ ጕጅለ ድማ ካብ መንግስትን ደገፍቲ መንግስቲ ዝዀኑ ምልሻ ሓይልታት ሰላም ትግራይን ዝሃደሙ ሰባት እውን ከምዝተቐበለ ኣፍሊጡ።

    "ዝጠለሙና መራሕቲ ኣለው፤ ከዳዓት እዮም፡ ህወሓት ጥራይ ዘይኮነ ህዝቢ'ውን ዝፈልጦ ሓቂ እዩ። ብኸምዚ ዝበለ ክሕደት ዝዳኸም ውዳበ የለን፤ እንታይ ደኣ ዝጸረየን ዝሓየለን እዩ ዝቕልቀል" ኢሉ።

    ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ኣርባዕተ ሰበስልጣን ህወሓትን ሓሙሽተ ወተሃደራዊ መራሕቲን ናብ መንግስቲ ከምዝመጹ ሓቢረን ነይረን።

    መጥቃዕቲ ድሮናት ወይ "ግዝያዊ ምምንዛዕ" ግዝኣታት እቲ ክልል ናይ ኲናት ዓወት ከምዘይውስን ዝገለጸ ደብረጽዮን፡ እቲ ኲናት ገና ከምዝጀመረ ኣመልኪቱ።

    ህወሓት ሞት ሲቪላትን ዕንወት ሲቪላዊ መሰረተ ልምዓትን ንምክልኻል ካብ ዓበይቲ ከተማታት ከም ዝሰሓበን፡ ህወሓትን መሻርኽታን ገና ኣብ "መከላኸሊ ውግእ" ኣቃውማ ከምዘለዉን "ኣብ ቀረባ እዋን" ናብ መጥቃዕታዊ ኣቃውማ ከምዝሰጋገሩን ገሊጹ።

    ሓይልታት ኢትዮጵያ ንርእሰ ከተማ ትግራይ መቐለ ብ3 ጥቅምቲ ካብ ዝሕዛ ንፈለማ እዋን እዩ መራሒ ህወሓት ኣብ ሚድያ ቀሪቡ ተዛሪቡ።

    ዶ/ር ደብረጽዮን
  14. ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ግጭት ንኸይህሉ ኣመሪካ ክትሕግዝ ተላብያ

    ሶፊያ ተስማርያም ምስ ወከልቲ ኣመሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገራት

    ኤርትራ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዳግማይ ግጭት ንኸይፍጠር፡ ኣመሪካን ካልኦት ጸለውቲ ሃገራትን ክሕግዛ ጸዊዓ።

    ብዛዕባ መርገጺ ኢትዮጵያ ኣብ ቀይሕ ባሕሪን ንልኡላውነት ኤርትራ ዘለዋ ስግኣትታ'ውን ምስ ላዕለዎት ሰበስልጣን ኣመሪካ ተዛሪባ።

    ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ሶፍያ ተስፋማርያም ምስ ቀዋሚ ወኪል ኣመሪካ ኣብቲ ውድብ ማይክ ዋልትዝን ወኪል ምሕደራን ጽገናን ኣመሪካ ጀፍሪ ባርቶስን ብዛዕባ’ቲ ዞባዊ ኩነታት ኣብ ዝተዘረራበትሉ እዋን እዩ ነቲ ምሕጽንታ ኣቕሪባ።

    እታ ኤርትራዊት ዲፕሎማሰኛ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኤክስ ኣብ ዝዘርገሓቶ መግለጺ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባንቅልውላው ኣሎ ዝብል ሓሳብ ብምንጻግ፡ መሪሕነት ኢትዮጵያ ንመሬታዊ ሓድነት ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ኣእትዩ፡ ንጉዳይ ቀይሕ ባሕሪ ካብ ውሽጣዊ ጸገማት ንምህዳም ይጥቀመሉ ኣሎ ክትብል ከሲሳ።

    ንሳ፡ ጽልዋ ዘለወን ሃገራት ሓድሽ ኲናት ከይውላዕ ንምክልኻል ብሓላፍነታውን ብንጥፈትን ክዋስኣ ጸዊዓ፣ ንመሪሕነት ኢትዮጵያ ከተባብዕ ዝኽእል መግለጺታትከይወስዳ'ውን ኣጠንቂቓ።

    እታ ኣምባሳደር ብተወሳኺ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃን ኣብ ናይ ሕቡራት ሃገራት ቁጠባዊ ኮሚሽን ኣፍሪቃን ዝነበሩ ወከልቲ ኤርትራ ብምስጓጓ፡ ከምኡ’ውን ምብታኽ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ክልቲኤን ሃገራት ኣልዒላ ተዛሪባ።

    ኣብ መንጎ እተን ጎረባብቲ ሃገራት ዝጸንሐ ዝምድና እናኣንቆልቆለ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን'ዩ እቲ ርክብ ተኻይዱ።

    ኢትዮጵያ ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ኤምባሲኣ ዓጽያ፡ ን10 ኤርትራውያን ዲፕሎማሰኛታት ብ1 ጥቅምቲ፡ ሃገራዊ ድሕነትኣ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ምንቅስቓሳት ገይሮም ብምባል ምብራራ ይዝከር።

    ኤርትራ ነቲ ኢትዮጵያ ዝወሰደቶ ዲፕሎማሰኛታት ናይ ምስጓግ ስጉምቲ ኣብ ዝሃበቶ ምላሽ፡ ምስ ኣዲስ ኣበባ ዝጸንሓ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ምሉእ ብምሉእ በቲኻ። ኢትዮጵያ ንኤርትራ ንዕጡቓት ተቓወምቲ ሓይልታት ትድግፍ ምህላዋ ትኸስስ። ኣስመራ ነዚ ክሲ ብትሪ ትነጽጎ።

    ዲፕሎማሰኛታት ኣመሪካ ንሻቕሎት ኤርትራ ብኸመይ ምላሽ ከምዝሃቡ ካብ መግለጺ ወ/ሮ ተስፋማርያም ንጹር ኣይኮነን።

    ኣብ ዝሓለፈ ሒደት መዓልታት፡ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ እቲ ኣብ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ወተሃደራዊ ወጥሪ ናብ ኲናት እንተኣምሪሑ ኣመና ክሰፍሕ ከምዝኽእል ብምጥንቃቕ መራሕቲ ግትኣት ክገብሩ ኣተሓሳሲቡ።

    ማርኮ ሩብዮ ኣብ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ምንቅስቓስ ሰራዊት ከምዘሎ ዝገልጽ ጸብጻባት ዓሚቝ ስክፍታ ከምዝፈጠረሉ ብምግላጽ፡ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዶባት ወተሃደራተን ብምጽጋዕ ናብ ኲናት ናይ ምእታው ተኽእሎአን ከምዘዕብዮ ኣጠንቂቑ።

    ኣብ ዝሓለፈ ሰሙ'ንውን ልኡላዊ ዶባት ሃገራት ኣብቲ ዞባ ክኽበር ተማሕጺኑ ነይሩ'ዩ።

    "ኵለን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ንልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ጐረባብተን ከኽብራን ዶብ ካብ ምስጋር ክሕየባን ከም ዘለወን እቲ ጸሓፊ ኣስሚሩ፡" ይብል እቲ ካብ ዋሽንግተን ዝወጽአ ሓጺር መግለጺ።

    እቲ ብዂናትን ውግእን ዝሕመስ ዘሎ ዞባ "ተወሳኺ ግጭት ክጻወር" ከም ዘይክእል'ውን ኣመሪካ ኣተሓሳሲባ'ላ።

  15. 'ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ልዕሊ 800 መካይን ሒዙ ናብ ኤርትራ ሃዲሙ' ብርጋዴር ጀነራል ገብረእግዚኣብሄር በየነ

    'ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ልዕሊ 800 መካይን ሒዙ ናብ ኤርትራ ሃዲሙ' ብርጋዴር ጀነራል ገብረእግዚኣብሄር በየነ

    ኣብ ትሕቲ ብዓል ሓደራ ምምሕዳር ትግራይ ከም ሓላፊ ጸጥታ፣ ሰላምን ድሕንነትን ኮይኑ ዝተሾመ ብርጋዴር ጀነራል ገብረእግዚኣብሄር በየነ (ወዲ ኣንጥሩ) ‘’ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ልዕሊ 800 ናይ ትግራይ ዝኾና መካይን ሒዙ ናብ ኤርትራ ሃዲሙ’’ ክብል ከሲሱ።

    ብ/ጀነራል ገብረእግዚኣብሄር ምስቶም ዕጥቂ ፈቲሖም ናብ ዳግመ ምጥያስ ክኣትዉ ዝወሰኑ ኣባላት ሓይልታት ትግራይ ነበር ኣብ መቐለ ዘካየዶ ኣኼባ እዩ ነዚ ዝበለ።

    ንጉጅለ ህወሓት 'ምሉእ ተኣማንነቱ ንሻብያ (ስርዓት ኤርትራ) ኣረኪቡ፡ ንባዕሉ ደው ክብል ዘይክእል ሓይሊ' ክብል ገሊጽዎ።

    ብተወሳኺ ደገፍቲ’ቲ ጉጅለ ንነበርቲ ከደናግሩ እኳ እንተፈተኑ፡ ሕጂ ግን ሓቀኛ ባህርያቱ ምሉእ ብምሉእ ከምዝተቓልዐ ኣመልኪቱ።

    ህዝቢ ይኹን እቶም ወተሃደራት ነቲ ጉጅለ ከምዘይቅበልዎን ንህወሓት ኢሎም ህይወቶም ክስውኡ ድሌት ከምዘይብሎምን ኣብሪሁ።

    መራሕቲ ህወሓት፡ ናብ ኤርትራ ዝሰገረ ወተሃደራዊ ዝዀነ ፖለቲካዊ ኣመራርሓ ትግራይ ከምዘየለ እዮም ዝገልጹ።

    እቲ ብ/ጀነራል ግን 'ኣዕናዊ ሓይሊ' ክብል ዝገለጾ ጉጅለ መሪሕነት ህወሓት ብኸፊል ተደምሲሱን ዝተረፈ ድማ ተበታቲኑን ምህላዉ ብምሕባር ዝተረፉ ዕጥቆም እንተዘይፈቲሖም ክህደኑን ክውገዱን ምዃኖም ኣጠንቂቑ።

    ቤትምኽሪ ምኒስተራት ኢትዮጵያ፡ ንክልል ትግራይ ንዝቕጽል ሽዱሽተ ኣዋርሕ ብላዕለዋይነት ዘመሓድር ፈደራላዊ 'ሞግዚት ምምሕዳር' ከም ዘቘመ ይፍለጥ።

    መንግስቲኢትዮጵያ ነዚ ስጕምቲ ዝወሰደሉ ምኽንያት ከብርህ እንከሎ፡ ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ዝነበረ ግጭት ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ንምፍታሕ ዝተገብረ ጻዕሪ "ብሰንኪ ዕንቅፋት ህወሓት" ፍሽለት ስለ ዘጋጠሞ ምዃኑ ኣረዲኡ።

  16. ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ጥምረት ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከምዘምከነ ኣፍሊጡ

    እቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ጥምረት፡ ኣብ ዞባ መዲናን ካልኦት ካባቢታት ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ሓዊሱ ዝተወንጨፋ ሓሙሽተ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከምዘምከነ ገሊጹ።

    ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ ኣብ የመን ከተማ ታይዝ ዝገደደ ሰብኣዊ ቅልውላው ከምዘሎ ኣጠንቂቑ። ኢራን ድማ ኣብ መንጎ ሪያድን ጉጅለ ሑቲን ንምሽምጋል ዝወሰደቶ ተበግሶ ምላሽ ከምዘይረኸበት ገሊጻ።

    እዚ ምዕባለታት ኣብዚ ወርሒ ብኢራን ዝድገፍ ጉጅለ ሑቲ ኣብ ልዕሊ ስዑዲ ዓረብ ዝፍጽሞ ዘሎ መጥቃዕቲ እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን እዩ።

    ጉጅለ ሑቲ ብ10 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ሪያድ ብዘፈጸሞ መጥቃዕቲ 13 ሰባት ከምዝተቐትሉን ልዕሊ 300 ከምዝቖሰሉን ይፍለጥ።

  17. ትግራይ፡ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልቲ ናብ ስራሖም ክምለሱ ጻውዒት ቀሪቡ

    ወተሃደር

    ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ብፌደራል መንግስቲ ዝተመዘዘ ሞግዚት ምምሕዳር ክልል ትግራይ፡ ሰራሕተኛታት ክልላዊ መንግስቲ ካብ ሎሚ ጀሚሮም ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልታት ናብ ስራሖም ክምለሱ ጸዊዑ።

    ኣርባዕተ ኣባላት ዝሓቖፈ ፈጻሚ ኣካል መቐለ፡ ሎሚ 10 ጥቅምቲ 2019 (ግ) ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ እዩ ሰራሕተኛታታት ናብ ቦታኦም ክምለሱ ተላብዩ።

    "ዝኾነ [ሰራሕተኛ] ኣብ ውሽጢ እቲ ዝተገለፀ ሰለስተ መዓልታት ሪፖርት እንተዘይገይሩ ብውልቁ ተሓታቲ ክኸውን እዩ" ክብል እቲ ሓድሽ ምምሕዳር ኣጠንቂቑ ኣሎ።

    ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቤት ፅሕፈት ዝርከቡ ኣተሓባበርቲ ምሕደራ ዓቕሚ ሰብ እውን፡ ናብ ትካላቶም ተመሊሶም ሪፖርት ዝገብሩ ሰራሕተኛታት ክምዝግቡ መምርሒ ተዋሂብዎም ኣሎ።

    ኣብ ትግራይ ዳግም ኲናት ካብ ዝውላዕ ንነጀው ንብዙሓት ከባቢታት ትግራይ ዝተቘፃፀረ መንግስቲ ፈደራል፡ ንዝቕፅሉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ንትግራይ ዝመርሕ ሞግዚት ምምሕዳር ከም ዘጣየሸ ብዓርቢ 06 ጥቅምቲ 2019 (ግ) እዩ ዕላዊ ገይሩ።

    እዚ ስጕምቲ፡ ኣብቲ ክልል ጸጥታን ምርግጋእን ንምፍጣርን ንቐጻሊ መረጻ ባይታ ንምጥጣሕን ዝዓለመ ምዃኑ መንግስቲ ይገልጽ።

    “እቶም ተኣጊዶም ዝጸንሑ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ክቕጽሉ ምርግጋጽ” ሓደ ሓላፍነት ናይቲ ምምሕዳር እዩ።

    ብህወሓት ዝምራሕ ካብ ስልጣን ተኣልዩ ዘሎ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፡ ነቲ ብመንግስቲ ፈደራል ኢትዮጵያ ብግዝያውነት ዝተመዘዘ ሓድሽ ምምሕዳር "ሕጋውነት ኰነ ተፈጻምነት የብሉን" ክብል ብ6 ጥቅምቲ 2019 (ግ) ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ እዩ።

    እቲ መግለፂ፡ እቲ ብፈደራል ዝተሰየመ "ምምሕዳር በዓል ሓደራ" ንትግራይ ናይ ምምሕዳር ብቕዓት ኰነ ስልጣን ከም ዘይብሉ ብምግላጽ፡ ምስዚ ሓድሽ ኣካል ዝተሓባበር ዝዀነ ትካል "ሓላፍነት ክወስድ እዩ" ክብል ከምዘጠንቀቐ ይዝከር።

  18. ዓባይ ብሪጣንያ ንስዑዲ ዓረብ ንምድጋፍ ነፈርቲ ውግእ ከተዋፍር’ያ

    ጀት

    ዓባይ ብሪጣንያ ነታ ግዳይ መጥቃዕቲ የመናውያን ዕጡቓት ሑቲ ትኸውን ዘላ ስዑዲ ዓረብ ንምድጋፍ 'ታይፉን' ዝተበሃላ ነፈርቲ ኲናት ሓይሊ ኣየር እታ ሃገር ከተዋፍር ምዃና ኣፍሊጣ።

    እቲ ናይ ምክልኻል ተልእኾ፡ ንከተማታትን ትሕተ-ቅርጽን ስዑዲ ዓረብ ኣንጻር መጥቃዕቲ ኣየር ንምክልኻል ክሕግዝ እዩ።

    እዚ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣንዲ በርንሃም ተቐባልነት ዝረኸበ ስጉምቲ ዝውሰድ ዘሎ፡ እቲ ብኢራን ዝድገፍ ጉጅለ ኣብ ርእሰ ከተማ ስዑዲ ዓረብ ዝኾነት ሪያድ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ገማግም ባሕሪ እታ ሃገር ኣብ ዝርከቡ ናይ ጸዓት ቦታታት መጥቃዕትታት ድሕሪ ምፍጻሙ’ዩ።

    ሚኒስተር ምክልኻል ዌስ ስትሪቲንግ ሎሚ ሰሉስ ኣብ ዝሃቦ ጽሑፋዊ መግለጺ፡ "እዘን ነፈርቲ ኣብ ምክልኻል ኣበርክቶ ክገብራ እምበር፡ ኣብ ልዕሊ ሑቲ መጥቃዕቲ ኣይክፍጽማንን እየን" ኢሉ።

    ወተሃደራዊ ኣማኸርቲን፡ ናይ መጓዓዝያ ነፈርቲን ክትሰድድ ምዃና'ውን ለንደን ሓቢራ'ላ።

    ሑቲ ምስቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝድገፍ ዓለምለኻዊ ኣፍልጦ ዘለዎ መንግስቲ የመን ኣብ ኲናት ሓድሕድ ተሸሚሙ ይርከብ።

    እቲ ጉጅለ፡ ብ10ን 11ን ​​ጥቅምቲ ኣብ ሪያድ ኣብ ዝርከብ ዓለምለኻዊ መዓርፎ ነፈርቲ ንጉስ ካሊድ ብዝፈጸሞ ክልተ መጥቃዕትታት፡ 14 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ልዕሊ 300 ድማ ከምዝቖሰሉ ይዝከር።

    ግብጺ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ተመሳሳሊ ደገፍ ነታ ንግስነት ክትህብ ምዃና ፕረዚደንት ዓብደል ፋታሕ ኣል-ሲሲ ኣፍሊጡ ነይሩ።

  19. ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ኬንያ ምብጻሕ የካይድ ኣሎ

    ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ካብ ኣየር ወሪዱ እናተጓዓዘ

    ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ሎሚ ሰሉስ 20 ጥቅምቲ 2026 ኣብ ኬንያ ምብጻሕ የካይድ ከምዘሎ ቤት ጽሕፈቱ ኣፍሊጡ።

    እቲ ሎሚ ናብ ከተማ ኤልዶሬት ዝኣተወ ኣብይ ኣሕመድ ኣብታ ከተማ ኣብ ዝካየድ ሃገራዊ በዓል መዓልቲ ማሹጃ (መዓልቲ ሓርበኛታት) ንምስታፍ እዩ ናብታ ሃገር ኣትዩ።

    ኬንያ ናጽነት ካብ እትረክብ ንደሓር፡ 20 ጥቅምቲ ዝኽበር መዓልቲ ማሹጃ፡ ኣብ ናጽነት፡ ልኡላውነትን ልምዓትን እታ ሃገር ልዑል ኣበርክቶ ንዝገበሩ ጀጋኑ ዓመታዊ ዝጸንብል ዝግበረሉ እዩ።

    ሎምዘበን መዓልቲ ማሹጃ ብሃገር ደረጃ ኣብ ስታድዩም ኪፕቾጌ ኬይኖ ኤልዶሬት ንመበል 63 ግዜ እዩ ዝኽበር ዘሎ።

    ኣብይ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ኣብ ዘይመልእ ግዜ ናብ ኬንያ ክበጽሕ እዚ ንኻልኣይ ግዜ እዩ።

    ኣብ ላሙ ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ምቕማጥ እምነ መሰረት ፕሮጀክት ነዳድን ፔትሮኬሚካልን ምብራቕ ኣፍሪቃ ንምስታፍ ብ20 መስከረም ኣብ ኬንያ ተረኺቡ ነይሩ።

  20. ኬንያዊ መራሒ ሓደ ጉጅለ እምነት ኣብ ሞት 190 ቆልዑ ገበነኛ ኮይኑ ተረኺቡ

    ፖል ማከንዚ

    ሓደ መራሒ ሕሉፍ እምነት ዘለዎ ጉጅለ ዝኾነ ኬንያዊ፡ ብቕትለት ሓደ ብጹሕ ሰብ ዝርከቦም 191 ቆልዑ ገበነኛ ኾይኑ ተረኺቡ።

    ፖል ማከንዚ፡ እቶም ቆልዑ "ምስ ክርስቶስ ክራኸቡ" ምእንቲ ወለዶም ከጥምይዎም ብምእማን'ዩ ነቲ ገበን ፈጺምዎ።

    ትምህርቲ ውጉዝ ምዃኑን ዘመናዊ ሕክምና "ክፉእ" እዩ ብምባል'ውን ዝሰብኽ ዝነበረ'ዩ።

    ካልኦት 29 ብጾቱ ዝኾኑ መራሕቲ እቲ ጉጅለ'ውን ብቕትለት ናይቶም ግዳያት ገበነኛታት ኮይኖም ተረኺቦም ኣለዉ።

    ኩሎም ግን፡ ብሓይሊ ዝሞተ ሰብ ከምዘየለ ብምግላጽ ነቲ ገበን ከምዘይወዓልዎ'ዮም ዝምጉቱ።

    ሰዓብቱ "ኣፈኛ የሱስ" ምዃኑ ከምዝኣምኑ፡ ነቲ ፍርዲ ዝሃበት ዳኛ ዳያና ሞካቸ ገሊጻ።

    ሓደ ካብቶም ምስኡ ዝተኸሰሱን በቲ ገበን ተፈሪዶም ዘለዉን ከምዝበሎ፡ማከንዚ "ዝኾነ ነቲ ናይ ጾም መምርሒ ዝተቓወመ፡ ተቐላሊዑን ተሃሪሙን ናብ መንግስተ ሰማያት ክኣቱ ክግደድ" ምዃኑ የፈራርሖም ነይሩ።

    ኣብቲ እቶም ሰዓብቲ ዝነበርሉ ዱር ዝፍጸም ስነስርዓት ቀብሪ'ውን "መርዓ" ተባሂሉ ዝጽዋዕ ነይሩ። እቶም ግዳያት "ምስ የሱስ ከምዝተመርዓዉ'ዩ ዝጽንበል" ነይሩ ክትብል እታ ዳኛ ኣብቲ መጋባእያ ተዛሪባ።

    ኣብ 2023 ኣብ ቀረባ ዝተቐብረ ልዕሊ 400 ሬሳታት ድሕሪ ምርካቡ'ዩ እቲ መራሒ ናይቲ ጉጅለ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።