ኦሊ ጉናር ሶልሻየር፡ ግዝያዊ ኣሰልጣኒ ማንቸስተር ዩናይትድ ኮይኑ ተሓርዩ

Published

ትማሊ ንሆዜ ሞሪንዮ ዘሰናበተት ማንቸስተር ዩናይትድ፡ ተጻዋቲ እታ ጋንታ ንዝነበረ ኦሊ ጉናር ሶልሻየር፡ ክሳብ መወዳእታ እዚ ናይ ውድድር ወቕቲ፡ ኣሰልጣኒ እታ ክለብ ክኸውን ረቊሓ።

ሶልሻየር ምስታ ጋንታ ን 11 ዓመታት ዝተጻወተ ኮይኑ፡ ኣብ ናይ 1999 ናይ ቻምፕዮንስ ሊግ ናይ ዋንጫ ግጥም፡ ነታ ጋንታ ዘዐወተት ሸቶ ኣመዝጊቡ ኢዩ።

ኣብ ፕረሚየር ሊግ እንግሊዝ፡ ሻዱሸይ ተርታ ንእትርከብ ማንቸስተር ዝተረከበ፡ ወዲ 45 ዓመት ሶልሻየር፡ "ማንቸስተር ዩናይትድ ኣብ ልበይ ኣላ፤ ነዚ ሓላፍነት ረኺበ ምምላሰይ ድማ ኣዝየ ይሕጎስ" ኢሉ።

ንሱ ወሲኹ "እዚ ከሕልፎ ዘይነበረኒ ዕድል ኢዩ፤ ምስ ብሉጻት ኣባላት እዛ ጋንታ ንምስራሕ ተሓንጥየ ኣለኹ" ክብል ተዛሪቡ።

ኣብ ፈለማ ናይዚ ወርሒ ንኖርወጅያዊት ክለብ ሞልደ ንምስልጣን ተሰማሚዑ ዝነበረ ሶልሻየር፡ ምስ ማይክ ፌላን ሓቢሩ ክሰርሕ ኢዩ።

ማይክ ፌላን፡ ምስ ገዲም ኣሰልጣኒ እታ ጋንታ ዝነበረ ሰር ኣልክስ ፈርጉሰን ኮይኑ ዝሰርሐ ኢዩ።

ኣብ ትሕቲ ሞሪንዮ ዝንቀሳቐሱ ዝነበሩ ሚካኤል ካሪክ ከምኡ'ውን ኬራን ማኬና ኣብ ትሕቲ ሶልሻየር ክቕጽሉ ኢዮም።

ማንቸስተር ኣብ ትሕቲ ሶልሻየር ፈላሚ ግጥማ፡ ኣንጻር ካርዲፍ ክኸውን ኢዩ።

ንሱ ኣብ 2014 ንካርዲፍ ኣብ ዘሰልጥነሉ ዝነበረ፡ ነታ ጋንታ ኣብ ፐረሚየር ሊግ እንግሊዝ ከቐጽል ብዘይምኽኣሉ ካብታ ጋንታ ተሰናቢቱ።

ማንቸስተር ዩናይትድ ኣብ መወዳእታ እዚ ናይ ውድድር ወቕቲ ቀዋሚ ኣሰልጣኒ እታ ጋንታ ክትመዝዝ ምዃና ተፈሊጡ ኣሎ።

ምክትል ኣቦመንበር ፈጻሚ ኣካል ማንቸስተር ዩናይትድ፡ ኤድ ውድወርድ፡ "ኦሊ ኣብዛ ክለብ፡ ኣብ ሜዳ ኮነ ኣብ ምስልጣን ውሩይ'ዩ" ኢሉ።

ወሲኹ ከኣ "ኣብዚ ናብ ካልኣይ መፋርቕ ናይ ውድድር ወቕቲ ኣብ ንሰግረሉ እዋን፡ ኦሊን ፌላን ነቶም ተጻወትቲን ደገፍትን ናብ ሓድነት ከም ዘምጽኡ ጥርጥር የብልናን" ኢሉ።

ሶልሻየር ካብ ረቡዕ ንጉሆ ጀሚሩ፡ ኣብ ኦልድ ትራፎርድ ስርሑ ጀሚሩ ኣሎ።